ፖሊስ ኔዘርላንድ ኣብ ጃምላዊ ህልቂት ርዋንዳ ተሳቲፉ ንዝበሎ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፖሊስ ኔዘርላንድስ፡ ኣብቲ ኣብ 1994 ኣብ ርዋንዳ ዝተኻየደ ጃምላዊ ህልቂት ኢድ ነይርዎ እዩ ንዝበሎ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ።
እዚ ወዲ 71 ዓመት ዝኾነ ጥርጡር፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ርዋንዳ ከተማ ኪጋሊ ጸሓፊ ባንክን ወናኒ ቤት መሸጣ መድሃኒት ዝነበረ ኮይኑ፡ ካብ ዓሌት ቱትሲ ክቕተሉ ዘለዎም ብምባል ስእሊ ኣዳልዩ ብዝብል እዩ ተጠርጢሩ ዘሎ።
ብዘይካ እዚ ኣብ ጭፍጨፋ ዓሌት ቱትሲ’ውን ተሳቲፉ እዩ ዝብል ክሲ እውን ኣሎ።
ኣብቲ ኣብ 1994 ኣብ ርዋንዳ ዘጋጣመ ጃምላዊ ህልቂት ኣብ ውሽጢ 100 መዓልታት ልዕሊ 800,000 ሰባት ከምዝሞቱ እዩ ዝንገር።
መንግስቲ ርዋንዳ፡ መንግስቲ ነዜርላንድስ ነቲ ጥርጡር ከተረክቦ ወግዓዊ ሕቶ ኣቕሪቡ ኣሎ።
እቲ ጥርጡር ኣብ 2000 ኣብ ኔዘርላንድ ሕቶ ዑቕባ ብምቕራብ ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር ክነብር ከምዝጸንሐ እዩ ጸብጻባቱ ዝሕብር።
ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ’ውን ፈሊሲ ካቡጋ ዝተብሃለ ርዋንዳዊ ብዓል ዋኒን፡ ኣብቲ ኣብ 1994 ኣብ ርዋንዳ ዝተኻደ ጃምላዊ ህልቂት ገንዘባዊ ምወላ ትገበር ኔርካ ኢኻ ብዝብል ክሲ ኣብ ፓሪስ ብፖሊስ ፈረንሳ ኣብ ትሕሪ ቀይዲ ምእታዉ ዝዝከር እዩ።
ፈሊሲ ካቡጋ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ፡ እቲ ክሲ ብምልኡ ‘ሓሶት’ዩ’ ኢሉ ምምላሱ’ውን ይዝከር።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







