ውጻእ መዓት ባሕሪ ላምፔዱሳን ስድራቤት ግዳያትን ኣብ ዝኽሪ ራብዓይ ዓመት

ውጻእ መዓት ባሕሪ ህልቂት ላምፔዱሳ ክብረት በርሀን ኣብቲ ንዓለም ዘስካሕከሐ ጃምላዊ ህልቂት ንእሽቶ ሓዉ ዝሰኣነ ኣዳል ንጉሰን ምስ ኣማኢት ፍቱዋቶም ዝሰኣኑ ዜጋታትን ካልኦት ግዱሳትን ኣብ ራብዓይ ዓመት ዝኽሪ ላምፔዱሳ ተሳቲፎም።

ነቲ ዝኽሪ በቲ ፍጻሜ ብልቢ ዝጎሃዩን ዝሓዘኑን ግዱሳት፡ ተመሳሳሊ ጥፍኣት ንኸየጋጥም ትረ-ኦቶብረ (03 ጥቀምቲ) ዝስመ ማሕበር ብሙቛም እዮም ነቲ ፍጻሜ ንራብዓይ ዓመቶም ዝዝክሩዎ ዘለዉ።

ሎሚ ንግሆ ከኣ ኣሰታት 400 ዝኾኑ ነጋድያን ዝኽሪ ህልቂት ላምፔዱሳ፡ ካብ ማእከል እታ ከተማ ብመስርዕ ነቒሎም፡ ብኣፍደገ እታ ናብ ኣፍሪቃ ዘቕረበት እትበሃል፡ ፓርታ ዲ ኤውሮጳ እትስመ በሪ ሓሊፎም፡

ብመራክብ ተጻዒኖም ኣብ ቦታ እቲ ሓደጋ ዕምበባ ኣንቢሮም። እቶም ዓመት ዓመት ናብ ቦታ ዝኽሪ ዝኸዱ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ከኣ ኣብ ባሕሪ ጸሎተ-ፍትሓት ኣብጺሖም።

ተሳተፍቲ ዝኽረ በዓል

ምንጪ ስእሊ, ADAL NIGUSSE

መግለጺ ስእሊ, ስድራ ግድያትን ግዱሳትን ኣብ ራብዓይ ዓመት ሓደጋ ምጥሓል ላምፔዱሳ

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት፡ ልክዕ ከምዛ ዕለት 03 ጥቅምቲ 2013፡ ልዕሊ 500 ሰባት ጽዒና ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ፡ ኣብ ኣፍደገ ላምፔዱሳ ብዘጋጠማ ሓደጋ ልዕሊ 368 ሰባት ምጥሓሎም ምስተገልጸ፡ ኩሉ ኣብ ርሑቕን ቀረባን ዝነብር ዓጽመ ስጋኡ ዘፋነወ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ኣተወ።

ኣዳል፡ ድሮ እቲ ዓቢ ሓደጋ ምግጣሙ ክልተ መዓልቲ፡ ካልኦት 11 ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ናብቲ ገምገም ምስ ቀረቡ፡ ኣሰር ኣጻብዕቲ ንኸይገብሩ ካብ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ክሃድሙ ክብሉ ምጥሓሎም ምስተነግረ፡ ነቲ ካብ ሊብያ ዝብገስ ዝነበረ ወዲ 23 ዓመት ንእሽቶ ሓዉ ኣብረሃም ብስልኪ ረኺቡ፡ ተመሳሳሊ ጌጋታት ንኸይፍጽም ዓቕሙ ብዝፈቕዶን ብዝከኣሎን ክጥንቀቕ መኺሩዎ ነይሩ።

ሓደጋ ላምፔዱሳ፡ ብማዕከናት ዜና ምስተጋውሐ ከኣ ደሃይ ሓዉ ኪገብር ናብ ሊብያ ደዊሉ፡ እንተኾን ንሓዉ ኣይረኸቦን። ግን ኣብረሃም ሓዉ ምስ ኣስታት 500 ዝኾኑ መጓዕዝቱ ስደተኛታት ከምዝተበገሰ ምስተነግሮ፡ ከይወዓለ ከይሓደረ ትኬት ገዚኡ ብ04 ጥቀምቲ ብነፋሪት ንላምፔዱሳ ከደ።

ተሳተፍቲ ዝኽረ በዓል

ምንጪ ስእሊ, ADAL NIGUSSE

መግለጺ ስእሊ, በሪ ኣውሮፓ

ነበርቲ እታ ከተማ በቲ ኩነታት ተጨናኒቖም፡ ዝምልከቶም ሰብ መዚ ባሕርን ገፈፍቲ ዓሳን፡ ነቶም ኣብ ባሕሪ ጸብለል ዝበሉ ሬሳታት ክኣርዩ፡ ጋዜጠኛታት ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ነቲ ፍጻሜ ክስንዱ፡

ፖለቲከኛታት ኣብ ቦታ እቲ ፍጻሜ ክበጽሑ፡ ላምፔዱሳ ብኹሉምሉ አዕለቕሊቓ ጸኒሓቶ።

ሓለዋ ዶባት ባሕሪ ናብ ገማግም ባሕሪ ከኽይድ ኮነ ምሰቶም ውጻእ መዓት ንክራኸብ ኣይፈቐድሉን። ኣብ ኮምፒዩተር ንዝተሰነደ ኣሳእል ግዳያት ግን ገጽ ሓዉ ከለሊ ፈቒዶሙሉ። ንሱ እዉን ርእዩ ክቐብጸ ስለዝመረጸ ብሓካይምን ፖሊስን ተዓጂቡ ኣብ ሓደ ክፈሊ ኮይኑ ሬሳ ሓዉ ከለሊ ፈቲኑ።

ንኹሉ እቲ ጭኑቕ ኣሳእል መወትቲ እናተጻወረን፡ ብምስሊ ነፍሲ ወከፍ ስእሊ እናተቐንዘወን ከኣ ከሳብ 211 ስእሊ ሬሳታት ርእዩ፡ ደሕሪኡ ግን ክጻውር ኣይከኣለን። ብኻልእ መገድን ኣገባብን ክሕግዙዎ እንተዘይኪኢሎም ኪንኡ ኪኸይደ ዓቕሚ ከምዘይብሉ ሓቢሩዎም።

ኣዳል " እቲ፡ ጭንቂ ሞትን ሕየትን መወዳእታ ሕልፈተ-ትንፋስ ዘርኢ፡ ዓቕሊ ጽበታዊ ስእልታት አሕዋተይ፡ ካብ ዓይነይ ፈጺሙ ኣይክወልን እዩ" ይብል፡ እቲ ኣርባዕተ ዓመት ዝገበረ ፍጻሜ ከም ብሓዲሽ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ እናተራእዮ።

ኣብ መወዳእትኡ ግን ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ ብዲኤንኤ ሬሳ ሓዉን ዝተቐብረሉን ቦታ ተነጊሩዎ ቀሲኑ። ነፈሲ ወከፍ ዓመት ከኣ ምሰታ ብምኽንያት እቲ ፍጻሜ ዝቖመት ማሕበር ትረ-ኦቶብረ ብምትሕብባር ናብቲ ቦታ ፍጻሜ ብምኻድ ዕምበባ የንብሩን ብሕልናን መንፈስን ከኣ ጸሎት ብምብጻሕ ፍቱዋቶም ይዝከሩ።

ስቓይ ላምፔዱሳ ዘንጸባርቕ ምስሊ

ምንጪ ስእሊ, Tullio M. Puglia

መግለጺ ስእሊ, ካብ ሕልና ዘይክወል መሪር ቃንዛ ህልቂት ላምፔዱሳ

ውጻእ መዓት ክብረት በርሀ እውን፡ ኣብ ሕልናዊ ዝኽሪ ብምንባራ ተዘክሮኣን ተመኩሮኣን ብዝርዝር ክትገልጽ እኳ እንተዘይከኣለት፡ " ላምፔዱሳ፡ ዳግማይ ዝተወለድኩላ ቦታ ስለዝኾነት፡ ዕለተ ልደተይ ከኽብርን ኣብታ ጸላም ዕለተ-ጥፍኣት ዝሰኣንኩዎም መጓዕዝተይ፡

መዳቕስተይ፡ መኻፍልቲ ሽግረይ አሕዋተይ ብሕልናን መንፈስን ከዕልሎም እየ መጺአ" ትብል፡ ብድምጺ ዓሚቕ ትዝታ። ኪኖኡ ግን ኣብዛ ናይ ዝኽርን ጸሎትን ዕለት ካልእ ክትቅጽል ኣይከኣለትን።

ኣዳል ንባዕሉ ኣብ 2002 ካብ ኤርትራ ንስደት ወጺኡ፡ ፈታኒ ጉዕዞ ሰሃራ ወዲኡ፡ ናብ ኤውሮጳ ክሰግር ብንእሽቶ ጃልባ ናብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ምስ ተበገሰ ከኣ እታ ዝነበራ ጃልባ ብማዕበል ክትናወጽ ጀሚራ፡ ደሓኑ ክብሎም ግን ሓላፊት መገዲ መርከብ ኣድሒና ንማልታ አእትያቶም።

እንተኾን መንግስቲ ማልታ፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኢኹም ብምባል ንሓያሎ ኣዋርሕ ድሕሪ ምእሳር ብሓይሊ ንኤርትራ መሊሱዎም። ኣዳል ምስ መሰልቱ ኤርትራውያን ንሃገሩ ምስተመልሰ ማእሰርቲ ተቐቢሉዎ፡ ንዓመት ተኣሲሩ።

ካብ ማእሰርቲ ምስ ወጽአ እንደገና ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ዶብ ሰጊሩ ናብ ሱዳን ኣትዩ። ካብኡ ግን ብሓገዝ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ኮሚሽን ስደተኛታት (ዩኤንኤችሲኣር) ብሕጋዊ መገዲ ናብ ሽወደን ኣትዩ ክነብር ጀሚሩ።

እቲ ንዕኡ ዝተጻብኦ ባሕሪ ኣብ ንእሽቶይ ሓዉ ይጭክን እዩ ኢሉ ኣይሓሰበን። ይኹን እምበር እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉዕዞ፡ ህይወት ሰብ ዝለመደ ባሕሪ፡ ንእስነትን ዕድመን ኣብ ግምት ኣየእተወን።

ኣብዚ ፍጻሜ እዚ፡ ሓያሎ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ጥልያንን ወከልቲ ዘይመንግስታዊ ማሕበራትን ከምኡ እውን ግዳያት ውጸእ መዓት ባሕርን ስድራን መቕርብን ግዳያት ተሳቲፎም።