ህልቂት ሩዋንዳ፡ ሓንቲ ዘኽታም ዘጓነፋ 'ተኣምራት'

ምንጪ ስእሊ, GRACE UMUTONI
እዚ ዛንታ'ዚ ማሕበራዊ-መራኸቢ ዝፈጠሮ ተኣምራት'ዩ - ብ 1994 ኣብ ክልተ ዓመታ ዝዘኽተመት ቆልዓ ድሕሪ 26 ዓመታት ብማሕበራዊ-መራኸቢ ኣቢላ ሰባ ብኸመይ ኣገባብ ከም ዝረኸበት የዘንቱ።
ስማ ግረይስ ኡሙቶኒ ይበሃል። ግረይስ ኣብ እዋን ህልቂት-ሩዋንዳ ስም-ልደታ ከይፈለጠቶ'ያ ናብ መዕበያ ቆልዑ ዝኸደት። ምስ ዓበየት ግን ናይ ሓቂ መንነታ ንምፍላጥ ተገዳስነት ኣጥረየት።
ኣሳእላ ኣብ ናይ ዋትሳፕ ጕጅለታት፡ ፈይስ-ቡክ ኰነ ትዊተር ብምዝርጋሕ ሃሰው ክትብል ጀመረት - እዚ ብወግዓዊ ኣገባብ ደልያ ምስ ቀበጸት ዝወሰደቶ ስጕምቲ ነበረ።
እዛ 28 ዝዕድሚኣ ነርስ ብዛዕባ ኣተዓባብያኣ ትፈልጥ ነይራ፣ ብንእሽቶኣ ምስ ምዕባያ ሓዋ ዀይና ካብቲ ዝተወልዱሉ ከባቢ ናብ ኪጋሊ (ርእሲ-ከተማ) ዝርከብ መዕበያ ዘኽታማት ከም ዝተወስደት ትፈልጥ ነበረት። ሓዋ ግን ቁሩብ ጸኒሑ ብሞት ተፈልዩዋ'ዩ።
ከም ግረይስ ዘኣመሰሉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ቈላዑ፡ ስድሮኦም ዝተቐትሉዎምን በቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ቅዝፈት መሰረት ካብ ስድርኦም ዝተፈላለዩን፡ ምንባሮም ዝዝከር'ዩ።
ብዙሓት ካብ'ቶም ሽዑ ዝተመዛበሉ ቈልዑ ጌና ኣመት ስድሮኦም እናገበሩ'ዮም። ስድራ-ቤታት ሩዋንዳ (ከም ኤውሮጳውያን) ሰንሰለታዊ ስም ኣቦዋቶም ስለ ዘይዋራረሱ፡ እቶም ዝጠፍኡ ቈልዑ ኣሰር ስድርኦም ብቐሊሉ ክረኽቡ ኣይክእሉን'ዮም።
ግረስይ ስእላ ኣብ ማሕበራዊ-መራኸብ ምስ ለጠፈቶ ገለ-ገለ ሰባት ንወዝቢ ይምሉሱላ ነይሮም'ዮም፣ ኣዋርሕ ምስ ሓለፉ ግን ሓደ ክእመን ዝከኣል ሰብ "ንሓብተይ ትመስሊ" ኢሉ መለሰላ።
ሓደ ኣንትዋን ሩጋጊ ዝተባህለ ሰብ እቶም ግረይስ ኣብ ዎትሳፕ ዝለጠፈቶም ኣሳእል ድሕሪ ምርኣይ "ንስኺ ነታ ብሚያዝያ 1994፡ እቲ ህልቂት ጅምር ክብል ዝሞተት ሓብተይ - ሊልዮዝ ካሙካማ - ኢኺ ትመስሊ" ክብል ጸሓፈላ።
"እቲ ዝጽልዮ ዝነበርኩ ተምራት እንክገሃድ"
"ምስ ረኣኽዎ መልክዕና ንመሳሰል ኰይኑ ረኺበዮ" ኢላ ግረይስ ኡሙቶኒ እቲ ሰብኣይ ኣኮኣ ክኸውን ከም ዝኽእል ንቢቢሲ ሓበረት።
"እቲ ሓቁ ንምፍላጥ ግን፡ ማለት ኣዝማድ ምዃንና፡ ናይ ዲ.ኤን.ኤይ. ምርመራ ከም ዜድልየና ተረዳእኩ፣ ኰይኑ ድማ ዝሓለፈ ሓምለ ሓቢርና ንኪጋሊ ወረድና።"
እቲ ምርመራ ድሕሪ ምክያዱ ዉጽኢቱ ንክፈልጡ ተታሒዞም ናብቲ ሆስፒታል ተጕዕዙ። እቲ ሰናይ መዓልቲ ጽቡቕ ወረ ሒዙሎም መጸ - 82% ይዛመዱ ከም ዝዀኑ ተረጋገጸ።
"ልበይ ተመሺቱ፡ ሓጐሰይ ካብ ምግላጽ ክቝጠብ ኣይከኣልኩን። ዋላ ሎሚ'ውን እንተዀነ ኣብ ሕልሚ ዘሎኹ ኰይኑ ይስምዓኒ። እቲ ፍጻሜ'ቲ ልክዕ ነቲ ብሃንቀውታ ዝጽበዮን ዝጽልዮን ዝነበርኩ ተኣምራት ኰይኑ ተሰሚዑኒ" ትብል ግረይስ።
ኣኮኣ ከም ዝበላ፡ ግረይስ ምስ ተወልደት ስድርኣ ዪቨት ሙምፖረዘ ዝብል ስም ከም ዝሃቡዋ ነገራ።

ምንጪ ስእሊ, GRACE UMUTONI
ኣኮኣ ምስ ኣዝማድ ኣቦኣ ኣፋለጣ፣ እንኮላይ ማሪ ሆዘ ባኩራ - ኣሞኣ ምዃና'ዩ። ማሪ፡ ብምኽንያት ኮቪድ ኣብ ስዊዘርላንድ ተሸኺላ ዝተረፈት ሰባ ኢያ።
ቅድሚ እቲ ዉጽኢት ናይ'ቲ ዲ.ኤን.ኤይ. ምርመራ ምፍላጡ እታ ኣሞኣ ግረይስ ጓል-ሓዋ ምዃና በቶም ናይ ቤተ-ሰብ ኣሳእል ኣቢላ ኣረጋጊጻ ነበረት።
"እዛ ጓል'ዚኣ ጓል ኣፕሪስ ሓወይን ሊልዮስን (ሰ'ይቲ ሓወይ) ምዃና ተረድኣኒ - ክልቲኦም ከኣ ኣብ'ቲ ጊዜ ህልቂት ሩዋንዳ ዝጸነቱ ሰባት'ዮም ነይሮም" በለት።

ምንጪ ስእሊ, GRACE UMUTONI
"ዝደሓነ ሰብ ከም ዘይነበረ ይመስለና ነይሩ"
ግረይስ ካብ ኣሞኣ መሪ ባኩራ ዝረኸበቶ ሓበሬታ መሰረት፡ ሓው ከም ዝነበራ፡ ምስኣ ኸኣ ናብ መዕበያ ቆልዑ ዝተዓቝበ ስሙ ኸኣ ዪቨስ-ሙክዮ ይበሃል ከም ዝነበረ ፈለጠት።
ዪቨስ ጸኒሑ ካብ ዓለም ከም ዝተፈልየ ልዕል ኢልና ሓቢርና ነርና። ግረይስ ዘይትፈልጦ ዝነበረት ሓበሬታ፡ ካልእ ወዲ ሓደ ዓመት ፋብሪስ ዝስሙ ሓው ከም ዝነበረ ኸኣ ብተወሳኺ ሓበረታ።
እቲ ህልቂት፡ እቶም ፕረዚደንትታት - ናይ ሩዋንዳን ቡሩንዲን - ክልቲኦም ካብ ዓሌት ሁቱ፡ እታ ዝጕዓዙላ ዝነበሩ ነፋሪት ኣብ ሰማይ ከላ ተሃሪማ ብምውዳቓ'ዩ ተቐስቂሱ።
እታ ነፋሪት ዝወደቐትሉ መዓልቲ 6 ሚያዝያ 1994 ነበረ። እቲ ቕትለት ከኣ ንጽባሒቱ'ዩ ጀሚሩ።
ምልሽያ ሁቱ እቶም ነታ ነፋሪት ዘውደቑ ኣባላት ዓሌት ቱትሲ - ማሕበረሰብ ዉሑዳን ጕጅለ - ምዃኖም ተነግሮም። ብቐዳምነት ኒያሚራምቦ ዝበሃል ኣብ ዉሽጢ ኪጋሊ ዝረከብ ከባቢ - ኣባላት ዓሌት ቱትሲ ዝነብሩሉ ቦታ - ተጠቕዐ። ስድራ-ቤታ ንግረይስ ኣብኡ ይነብሩ ነበሩ።
ብዙሓት ሰባት ኣብ ዉሽጢ ገዝኦም ከሎዉ ብሴፍ ተሓሪዶምን ተጨፍጪፎምን ሞቱ፣ ካልኦት ድማ ኣብ ብሎኮታት ተዓጊቶም ተቐትሉ።
ኣብ'ቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ፍጹም ሕንፍሽፍሽ እቶም ኣብ ከባቢ ኒያሚራምቦ ዝርከበኡ ኣብያተ ቤት-ክርስትያንን መሳጊድን ዝተዓቝቡ'ውን ኣይተማሕሩን።
መሪ ባኩራ ከም ዝመስከረቶ፡ ንግረይስ ኣሞኣ ማለት'ዩ፡ ሓደ ሰብ ንዪቨስ ሒዛ ክትሃድም ዝረኣያ ሰብ ነይሩ'ዩ፣ ብዛዕባ ጓላ ሓበሬታ ከም ዘይነበረ ተዘንቱ።
ፖል ኪጋመ፡ መራሒ ናይ'ቲ ብዓሌት ቱትሲ ዝምራሕ ግንባር ሓርበኛታት ሩዋንዳ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ እቲ ህልቂት ብሓምለ 1994 ደው በለ።
"ሓደ ሰብ'ኳ ዝደሓነ ኣይመስለናን ነበረ፣ እኳ ድኣ እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝኽበር ዓመታዊ ተዝካር ንዝተቐትሉ ኣባላት ቤተ-ሰብና ብወግዒ ንዝክሮም ነበርና" ትብል መሪ ባኩራ።
ግረይስ ክትዓቢ ኸላ፡ ሓዋ ኣብ መዕቈቢ ዘኽታማት ዝሞተሉ እዋን፡ ብዛዕባ ሓዋ ዝረኸበቶ ሓበሬታ ኣይነበረን - እንትርፎ ካብ'ቶም ቀተልቲ ሚሊሽያ-ሁቱ ክሃድም ተወጊኡ ከም ዝነበረ፡ ቍስሉ ኸኣ ክሓዊ ስለ ዘይከኣለ ክድሕን ከም ዘይከኣለ ጥራይ'ዩ ተሓቢሩዋ።
ግረይስ ኣርባዕተ ዓመት ምስ መልአት ካብ'ቲ መዕበያ ዘኽታማት ወጺኣ ናብ ቱትሲ ዝዓሌቶም ዘኽታማት ዘዕብዩ ስድራ-ቤት ተላእከት። እቲ ቦታ ኣብ ደቡብ ሸነኽ ነበረ፣ እቶ ዘዕበይዋ ድማ ግረይስ ኡሙቶኒ ዚብል ስም ኣውጽኡላ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
"ቃዚነ እነብር ነበርኩ"
"ኣብ ካልኣይ ደረጃ ምስ በጻሕኩ እቶም ሓለፍቲ ቤት-ትምህርቲ ንክሕግዙኒ ኢሎም ናብቲ ዝነበርኩሉ መዕበያ ዘኽታማት ከይዶም ብዛዕባይ ሓበሬታ ደለዩ፣ ገለ'ኳ ክረኽቡ ኣይከኣሉን" ትብል ግረይስ።
"መበቆለይ ከይፈለጥኩ እነብር ስለ ዝነበርኩ ኩሉ ጊዜ እቓዝን ነበርኩ፣ ጸገመይ ብተኣምር መፍትሐ ንክርከበሉ ኸኣ ዘንት-እለት እጽሊ ነበርኩ" ኢላ ወሰኸትሉ።
"ዋላ'ኳ እቶም ዘዕበዩኒ ቤተ-ሰብ ብጽቡቕ ክንክን እንተ ኣዕበዩኒ፡ ብዛዕባ መበቆለይ ካብ ምሕሳብ ኣየዕረፍኩን፣ ካብ ስም ሓወይን ዝተወለድኩሉ ቦታን ሓሊፉ ሓበሬታ ኣይነበረንን - ናይ ሓቂ ዛንታይ ንምድህሳስ ዜኽእል ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይነበረንን።"
ግረይስ ብዛዕባ ወለዳ ንምፍላጥ ዘሎዋ ህንጥይና ዓቢዩ - ኣብ ዉሽጢ ሩዋንዳን ግዳምን ዝረከቡ ቤተ-ሰባ ንክተኣኻኸቡ መደብ ምስ ወጸ ብዝርጋሐ-ኮሮናቫይረሰ ተደናጎየ።
ንጊዜኡ ግረይስ ብዋትሳፕ ኣቢላ ንኣዝማዳን መቕርብኣንን ሓደ-ብሓደ ኣብ ምፍላጥ ትርከብ፣ ብሸነኽ ኣቦኣ ዝተወልደ ኣብ ኪጋሊ ዝነብር ዓቢ ሓው ከም ዘሎዋ'ውን ተሓበረት።
"ነቶም ዘዕበዮዋ ስድራ-ቤት ምስጋና ይብጻሓዮም"
ኣብ ሩዋንዳ፡ ካብ 1995 ጀሚሩ ማዕረ 20,000 ቈላዑ ብማሕበር ቀይሕ-መስቀል ኣቢሎም ምስ ስድራ-ቤቶም ክትኣኻኸቡ ክኢሎም'ዮም።
ኣፈኛ "ሩዋንዳ-ረይቸል-ኡዋሰ" ዝተባህለ ማሕበር ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ "ክሳብ ሕጂ ካብ'ቲ ህልቂት ኣምሊጦም ኣብ መዕቈቢ ዘኽታማት ዘጽለሉ ሰባት ብዛዕባ ሃለዋት ቤተ-ሰቦም ይውከሱና'ዮም" ይብል።
ኣብ ዉሽጢ 2020፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ካብ ቤተ-ሰቦም ተፈልዮም ዝነበሩ 99 ሰባት ብቀይሕ-መስቀል ኣቢሎም ምስ ሰቦም ክተኣኻኸቡ ክኢሎም'ዮም።
ንመሪ ባኩራ፡ ንግረይስ ብምርካባ ተመስግን ኢያ። "ነቶም ዘዕበይዋ ስድራ-ቤት ስም ሂቦም ተኸናኺኖም ስለ ዘዕበይዋ ድማ ምስጋና ይግብኦም" ትብል። ግረይስ ድማ ነቲ ዝተዋህባ ስማ ስለ ዘዕበያ ዘለውጥ ምኽንያት ከም ዘይብላ ትዛረብ።
ንማሕበራዊ-መራኸቢ ግን ምስ ሰባ ክትፋለጥ ስለ ዘኽኣላ ኣዝያ'ያ ተመስግን።
"ምስ ኵሎም ሰበይ ብዋትስኣፕ እራኸብ'የ - ምስ መቕርበይ፡ ሓትነታተይ፡ ሓወይ" ትብል ግረይስ።
"ምሉእ ህይወተይ መበቆለይ ከይፈለጥኩ'የ ነቢረ፣ ሕጂ ግን ብኣይ ዝግደሱ ዘዕበዩንን ናይ ሓቂ ወለደይን ብምፍላጠይ ዓቢ ጸጋ ምዃኑ ተረዲኡኒ" ትብል ግረይስ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







