ሩዋንዳ፡ ዕጸ-ፋርስ ምፍራይን ምልኣኽን ክትጅምር እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሩዋንዳ፡ ንኣገልግሎት ሕክምና ዝውዕል ዕጸ-ፋርስ (ካናቢስ) ክተፍርን ናብ ወጻኢ ክትልእኽን ከም ዝፈቐደት ሰብ መዚ ገሊጾም።
እዚ ድማ፡ ኣታዊኣ ክብ ንምባል ዝዓለመ ከም ዝኾነ ተገሊጹ’ሎ።
እታ ሃገር፡ ብሰኑይ ኣኼባ ካቢኔ ዘካየደት ኮይና “መምርሒ ኣብ ምፍራይ፡ ምድላውን ምልኣኽን ልዑል ዋጋ ዘለዎም መድሓኒታዊ ዕጻት ኣብ ሩዋንዳ” ዝብል ሰነድ ጸዲቑ ኣሎ።
ሚኒስተር ጥዕና ናይ’ታ ሃገር፡ ዳኒኤል ኒጃሚጄ፡ ብሰሉስ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ክዛረብ እንተሎ፡ ካብቶም ኣብ ሩዋንዳ ክፈርዩ ምዃኖም ዝተገለጸ መድሓኒታዊ ዕጻት፡ ዕጸ ፋርስ (ካናቢስ) ሓደ ምዃኑ ገሊጹ።
ሩዋንዳ “ናብ ማእከል መጽናዕትታትን፡ ፋብሪካ ኣፋውስን፡ ጥረ ኣቑሑ ብምቕራብ፡ ገንዘብ ክትረክብ” ድልየት ከም ዘለዋ ድማ ተዛሪቡ።
ኣብ ሩዋንዳ፡ ብፍሉይ ፍቓድ ዝተውሃቦም ኣፍረይቲ እዮም ኣብ'ቲ ናይ ዕጸ-ፋርስ ንግዲ ክሳተፉ።
ኣብ ውሽጢ ሃገር ግን፡ ዕጸ-ፋርስ ምጥቃም ክልኩል ኮይኑ ከምዝቕጽል እዩ ተገሊጹ።
ፍቓድ ዘይብልካ ‘ካናቢስ’ ምፍራይን ምሻጥን ከቢድ መቕጻዕቲ ዘስዕብ ኮይኑ፡ ክሳብ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ክበጽሕ ይኽእል።
ዕጸ-ፋርስ ምጥቃም ድማ፡ እንተበዝሐ ክሳብ ክልተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ የቕጽዕ።
ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ባንኪ ባርክሌይስ ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ጠቕላላ ዋጋ ዓለማዊ ንግዲ ዕጸ-ፋርስ፡ ክሳብ 150 ቢልዮን ዶላር ይበጽሕ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







