ዕጸ-ፋርስ፡ ኣብ ሲሸልስ ለበዳ 'ሄሮይን' ዓብይ ፀገም ኮይኑ'ሎ

ሲሸልስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምድራዊት ገነት ከምዝኾነት ዝምስከረላ ሲሽልስ፡ ኣብዚ እዋን ብለበዳ ዘደንዝዝ ዕጸ-ፋርስ፡ ኣብ ከቢድ ፀገም ተሸሚማ ከምዘላ ሓበሬታታት የመልክቱ።

በብዓመቱ 360 ሽሕ በጻሕቲ ዓዲ ናብታ ብዓበይቲ ስየታትን፣ ጻዕዳ ሑጻን ዝወቀበ ገማግም ባሕሪ እትውንን ሲሸልስ ይውሕዙ።

ይኹን'ምበር፡ ኣብ ድሕሪ እቶም ናይ ውልቀ (ብሕቲ) ደሴታት፣ መዘናግዒ ቦታታትን (ሪሶርትስ) ብሉጻት ሆቴላትን እንክትምልከቱ ግን፡ ዝበዝሕ ህዝባ ብወልፊ ዘደንዝዝ ዕፅ ዝተጸልወ ሃገር ኢኹም ትዕዘቡ።

ብመሰረት ሓበሬታ በዓል ስልጣን ቁጽጽር ኣፋውስ እታ ሃገር፡ ካብቲ ኣስታት 94 000 ዝበጽሕ ህዝቢ ሲሸልስ፡ ካብ 5000 ክሳብ 6000 ዝኣክል ብወልፊ ሓሽሽ ዝተቐየደ እዩ።

ብደረጃ ዓለም'ውን፡ ሲሸልስ ልዑል ወልፊ 'ሄሮይን' ዝተባህለ ሓደገኛ ዕጽ ዝተመዝገበላ ሃገር ከምዝኾነት፡ ሓበሬታታት የረድኡ።

ወዲ 34 ዓመት ጄድ ሌስፐራንስ፡ 20 ዓመቱ እንከሎ እዩ፡ ካናቢስ ምጥቃም ጀሚሩ። ድሕሪኡ ግን ኣብ መዓልቲ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ግዘ ሄሮይን ምጥቃም ጀሚሩ። ወልፉ ንምዕጋስ፡ ካብ ወላዲቱ ገንዘብ ይሰርቕ ከምዝነበረ ይገልጽ።

ጄድ ሌስፐራንስ

እታ ብ 115 ደሴታት ዝቖመት ሃገረ ሲሸልስ፡ ዶባታ ክፉታት እዮም። ናብታ ሃገር ዝኣቱ ሄሮይን፡ ካብ ማእከላይ ኤስያ ብፍላይ ከኣ ካብ ኣፍጋኒስታን ብምብጋስ፡ ብምብራቕ ኣፍሪቃ ኣቢሉ ነዊሕ ርሕቀት ኣቋሪጹ እዩ ዝኣቱ።

ብወልፊ ሄሮይን ዝተተሓዙ ዜጋታት እታ ሃገር ብዙሓት ብምዃኖም ድማ፡ ሰብመዚ እታ ሃገር፡ ነቲ ጉዳይ ክንዲ ከም ገበን ምርኣይ ከም ሕማም ብምርኣይ፡ ነቲ ወልፊ ምሕካም ዝብል መፍትሒ እዮም ኣናድዮም።

ብመሰረት እዚ ድማ፡ ውሉፋት ሄሮይን ንክሕከሙ ክልተ ኣማራጽታት ኣለዎም፤ ሕክምናን ድጋፍ ስነ-ልቦናን ክረኽቡ ይኽእሉ።

ኣብዚ ሕዚ ሰዓት፡ ኣስታት ክልተ ሽሕ ሲሸልሳውያን፡ ሕክምና ንምርካብ ተመዝጊቦም ኣለዉ።

ኩሉ ግዘ ንጉሆ፡ ከም ተንቀሳቐስቲ ክሊኒካት ኮይነን ኣብ ዘገልግላ ኣውቶቡሳት ዝስርዑ ተሓከምቲ ኣለዉ። ሓካይምን ሰብ ሞያ ስነ-ልቦናን ድማ፡ ነዞም ተሓከምቲ ካብ ወልፊ ንክድሕኑ ዝሕግዞም 'ሜታዶን' ዝተብሃለ መድሓኒት ይህብዎም።

ኣብ ደሴት ሲሽልስ ዝርከቡ ጀላቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብቲ ናይ ደገፍ ኣገልግሎታት ምሃብ ዝሳተፉ ሰባት፡ ኣቒዲሞም በቲ ወልፊ ተታሒዞም ዝነበሩን፡ ሓራ ዝወጹን ይርከብዎም።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብታ ሃገር ካብ ወልፊ ዘናግፉ ዓበይቲ መደባት ይዝርግሑ ብምህላዎም ድማ፡ ዋጋ ሄሮይን ከምዝነከየ ዝገልጹ መረዳእታታት ይሕብሩ።

ይኹን እምበር፡ ሓደስቲ ዝተሰንዑ (ሲንተቲክ) ደሮጋት ይራኣዩ ብምህላዎም ካልእ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ።