246 ኣናእሽቱ ከረጺት ኮከይን ዝወሓጠ ጃፓናዊ ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
246 ኣናእሽቱ ከረጺታት ኮከይን (ዕጸ-ፋርስ) ዝወሓጠ ጃፓናዊ፡ ኣብ ውሽጢ ካብ ሜክሲኮ ተበጊሳ እትበርር ዝነበረት ነፋሪት ሞይቱ።።
እታ ናብ ጃፓን ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ናርሻ እትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት፡ እቲ ሰብኣይ ምንፍርፋር ምስ ጀመረ፡ ኣብ ሜክሲኮ ግዝኣት ሶኖራ ክትዓርፍ ተገዲዳ እያ።
እቲ ኡዶ ኤን ዝበሃል ጃፓናዊ፤ ልዕሊ ዓቐን ዕጽ ብምጥቃም ብዝመጽእ ሕማም 'ሰረብራል ኢደማ' ንሞት ከምዝተቓለዐ ሰብ መዚ ገሊጾም።
ጉዕዞኡ ካብ ርእሰ ከተማ ኮሎምቢያ ባጎታ ዝጀመረ እዚ ጃፓናዊ፤ 2.5 ሰሜ ቁመትን 1 ሰሜ ስፍሓት ዘለዎም ከረጺታት ኣብ ከብዱን መዓንጥኡን ሓቢኡ ከምዝተረኸበ፡ ሰብ መዚ ሶኖራ ገሊጾም።
እቶም ዝተረፉ ተጓዓዝቲ መንገዶም ዝቐጸሉ እንትኾን፤ ሰበስልጣን ሜክሲኮ ምርመራ ከምዘካይዱ ገሊጾም።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







