ጅምላዊ ቅትለት ሩዋንዳ፡ መበል 25 ዓመት ጃምላዊ ህልቂት ተዘኪሩ
ፕረሲደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋም ኣብ መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ 800,000 ሰባት ዝቐዘፈ ጃምላዊ ቅትለት፡ "ደጊምና ስድራቤት ኮይና" ኢሉ።
ፖል ካጋመ ንመዘከርታ እቲ ፍጻሜ ኣብ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ሽግ ወሊዑ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ሩዋንዳ ማዕረ መዓልታት ናይቲ ኣብ 1994 ነቲ ቅትለት ዝወሰደ፡ ማለት ናይ 100 መዓልታት ሓዘን ክጅመር ኢዩ።
ሽዑ ዝሞቱ ቱትሲ ኮይኖም ገለ ውሑዳት ሁቱ ውን ነይሮም። ቀተልቲ ድማ ኣኽረርቲ ሁቱ ኢዮም።
''ኣብ 1994 ብጀካ ጸላም ካልእ ኣይነበረን፡ ሕጂ ግና ኣብዚ ቦታ ብርሃን በሪሁ ኣሎ ናይዚ ምኽንያት ድማ ሩዋንዳ ደጊማ ስድራቤት ስለ ዝኾነት ኢዩ'' ክብል ፖል ካጋም ነቶም ኣብ ዝኽሪ እቲ ቅትለት እተኣክቡ ቃል ኣስሚዑ።
እቲ ዝኽሪ፡ ብምውላዕ ሽግ ዝጀመረ ኮይኑ፡ እዚ ሽግ ን100 መዓልታት ዝቕጽል ኢዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
2,000 ዝኸውን ህዝቢ ዝተሳተፎ ካብ ቤት ጽሕፈት ባይቶ'ታ ሃገር ናብቲ ዝኽሪ ሽምዓ ዝተገብረሉ ስታዲዮም ኣማሃሮ ጉዕዞ እግሪ ተኻይዱ።
ኣብቲ ዝኽሪ ልቢ ዝትንክፍ ናይ ስድራቤታት ዛንታ ምስ ቀረበ ህዝቢ ስምዒቱ ኣብ ውሽጡ ክገብር ኣይከኣለን ብኽያቱ ዶርጊሕዎ ኢዩ።
ኣብቲ ስነስርዓት ዝኽሪ፡ ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተሳተፉ ኮይኖም፡ ቀዳማይረ ሚኒስተር ቻርለስ ሚሸል ድማ ንናይ ቅድም ባዕዳዊ ግዝኣት ቤልጁም ወኪሉ ተሳቲፉ። ፕረሲደንት ኣውሮጳዊ ኮምሽን ውን ካብ ተሳተፍቲ ኢዩ ነይሩ።
መራሒ ናይታ ኣብቲ ጃምላዊ ህልቂት ኢድ ከም ዝነበራ ትኽሰስ ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮ ካብቲ ዝኽሪ ዋላ እኳ እንተ ቦኸረ፡ ኢድ ፈረንሳ ኣብቲ ህልቂት ዝምርምር ጉጅለ ግና ኣቒሙ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







