ቤት ፍርዲ እስራኤል መንግስቲ ወጢንዎ ዘሎ ስደተኛታት ናይ ምጥራዝ መደብ ክውንዘፍ ኣዚዙ

ቤት ፍርዲ እስራኤል መንግስቲ እታ ሃገር ወጢንዎ ዝነበረ ስደተኛታት ናይ መስጓግ ስጉምቲ ተወንዚፉ ክጸንሕ ኣዚዙ።
እዚ ዝኾነሉ፡ ሓደ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ዝቖፈ ጉጅለ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምውሳዱ ምዃኑ ተፈሊጡ።
እቲ ቤት ፍርድ መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ውጥን ተወሳኺ ሓበሬታ ክህቦ'ውን ጠሊቡ'ሎ።
ኣብ ወሽጢ'ዘን ዝሓለፋ ክልተ ሰሙን መንግስቲ እስራኤል ነቶም ኣብ መዳጎኒ ማእከል ሆሎት ሒዝዎም ዝጸንሐ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት ካብቲ ማእከል ከውጽኦም ጸኒሑ'ሎ።
እንተኾነ ግን ናብተን 7 ዝዓበያ ከተማታት እታ ሃገር ክኣትዉ ከም ዘይፍቀደሎም እቶም ስደተኛታት ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ጸገም ከም ዝኣተዉ'ዮም ዝዛረቡ።
እቲ ውሳነ ንባዕሉ ንኸይጥርነፉን ንምስጓግ ዝቐለለ ስለዝገብሮ፡ እቲ መንግስቲ መዳህለሊ ክጥቀመሉ ዝወሰዶ ከይከውን ኣብ ከቢድ ስግኣት ከም ዝኣተዉ'ውን ኣይሓብኡን።
ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያንን ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ከም ዘለዉ ይንገር።
መንግስቲ እስራኤል ከም ሓተትቲ ዑቕባ ዘይኮነስ ከም ናብታ ሃገር በዘይሕጊ 'ዝሰሎኹ' ገበነኛታት'ዩ ዝርእዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







