ብዓሌታዊ ህልቂት ሩዋንዳ፡ ፈረንሳይ ‘ተሓታትነት’ ኣለዋ ተባሂሉ

ሰነ 1994 ወተሃደራት ፈረንሳ ጎኒ ጎኒ ናይ ሁቱ ምልሻ ብመኪና እናኸዱ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ’ቲ ብ 1994 ኣብ ሩዋንዳ ዘጋጠመ ዓሌታዊ ህልቂት፡ ፈረንሳይ እትስከሞ “ከቢድን ብዙሕን ተሓታትነት ኣለዋ” ተባሂሉ።

ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት ሰብ ሞያ ታሪኽ ክገብርዎ ዝጸንሑ ዓሚዩቕ ጸብጻብ እዩ ነዚ ገሊጹ ዘሎ።

እንተኾነ ግን፡ ፈረንሳይ ኣብ ዓሌታዊ ህልቂት ሩዋንዳ ተሳታፍነት ነይርዋ ዝብል ዝኾነ መረዳእታ ኣይረኸቡን።

እቲ ብሰብ ሞያ ዝቖመ ኮሚሽን ነቲ ጸብጻቡ ናብ ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑዌል ማክሮን እዩ ኣቕሪቡዎ።

ፈረንሳይ ኣብ እዋን ዓሌታዊ ህልቂት ሩዋንዳ ምድላዋት እናተገበሩ እንከለዉ “ከምዘይረኣየት ኮይና” ይብል እቲ ጸብጻብ።

እቶም መጽናዕቲ ዝገበሩ ሰብ ሞያ ንመዛግብቲ መንግስቲ ፈረንሳይ ኣጽኒዖም እዮም።

ኣብ’ቲ ህልቂት፡ ካብ ዓሌት ሁቱ ዝኾኑ ጥሩፋት፡ ንዓሌት ቱትሲን ኣብ’ቲ መጥቃዕቲ ኢዶም ንዘይሓወሱ ሁቱን ዝጨፍጨፉ ኮይኖም፡ ብውሕዱ 800,000 ሰባት ሞይቶም።

ካብ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ዝደሓነ ተወላዲ ዓሌት ቱትሲ 11 ግንቢት 1994

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ዝደሓነ ተወላዲ ዓሌት ቱትሲ 11 ግንቢት 1994

ፈረንሳይ ኣብ’ቲ ህልቂት ኢዳ ሓዊሳ እያ ብዝብል ንነዊሕ እዋን ክትከስስ ዝጸንሐት ሩዋንዳ፡ ነቲ ጸብጻብ ብጽቡቕ ተቐቢላቶ ኣላ።

“ኣብ ልዕሊ ዓሌት ቱትሲ ኣብ ዝተፈጸመ ህልቂት፡ ግደ ፈረንሳይ እንታይ ነይሩ ዝብል ንምርዳእ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ዝወስደና እዩ” ኢሉ መንግስቲ ሩዋንዳ።

ካብ ሚያዝያ ክሳብ ሰነ 1994 ዓሌታዊ ህልቂት ሩዋንዳ ክፍጸም እንከሎ፡ ነታ ሃገር ዝመርሕዋ ዝነበሩ፡ ካብ ዓሌት ሁቱ ዝተመዙ ሰብ መዚ እዮም።

ደሓር ግን፡ ካብ ዓሌት ቱትሲ ዝኾነ ፕረዚደንት ፖል ካጋሜ ዝመርሖ ሰልፊ፡ ንሰበስልጣን ሁቱ ብምእላይ ስልጣን ጨቢጡ።

እቲ ሕዚ ወጺኡ ዘሎ ጸብጻብ፡ ኣብ’ቲ እዋን ፕረዚደንት ፈረንሳይ ዝነበረ ፍራንሷ ሚተራ፡ ኣብ ጉዳይ ዓሌታዊ ህልቂት ሩዋንዳ ቅኑዕ ፖሊሲ ኣይተኸተለን ክብል ይወቅስ።

እዚ ውጽኢት ምርመራ ዕላዊ ኮይኑ ዘሎ፡ ፈረንሳይ ንዓመታት ነቲ ምስ ሰብመዚ ሁቱ ሩዋንዳ ዝነበራ ርክብ ብምሽጥር ዓቂባቶ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ።

ፕረዚደንት ማክሮን ነዚ ምጽራይ ዝገብር 15 ኣባላት ዘለውዎ ኮሚሽን ቅድሚ ክልተ ዓመት እዩ ኣቑሙዎ።

ፕረዚደንታዊ፣ ዲፕሎማስያዊ፣ ወተሃደራውን ጸጥታውን መዛግብቱ ክምርምሩ’ውን ፈቒዱሎም።

ካብቶም መዛግብቲ ድማ፡ ኣብ’ቲ እዋን ንሩዋንዳ ይመርሕ ምስ ዝነበረ ካብ ዓሌት ሁቱ ዝኾነ ፕረዚደንት ጁቬናል ሃብያሪማና ጥቡቕ ርክብ ናይ ዝነበሮ ፕረዚደንት ፍራንሷ ሚተራ መዛግብቲ ይርከብዎም።