መዓስከር ስተትሆፍ፡ ጓል 95 ዓመት ሰበይቲ ብጃምላዊ ቕትለት ናዚ ተኸሲሳ

ጓል 95 ዓመት ሰበይቲ ፡ ብጃምላዊ ቕትለት ናዚ ተኸሲሳ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ሰሜን ጀርመን ኣብ መዳጐኒ ደምበ ናዚ ትሰርሕ ዝነበረት ጓል 95 ዓመት ሰበይቲ ኣብ ጃምላዊ ቅትለት እቶም እሱራት ብምስታፋ ተኸሲሳ ።

እታ ኣብ ጥቓ ሃምቡርግ ኣብ ዝርከብ ፒነበርግ ኣብ ዝርከብ ቤት እትነብር ኢርምጋርድፊ ተባሂላ እትጽዋዕ ሰበይቲ ብ "ልዕሊ 10,000" ጉዳያት ተኸሲሳ ኣላ ።

ንሳ ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣብቲ ኣስታት 65,000 እሱራት ዝሞቱሉ፡ ኣብ ስተትሆፍ ኣብ ጥቓ ዘመናዊ ጊዳንሳክ ዝርከብ መዳጎኒ መዓስከር ጸሓፊት (ሰክረታርያ) ናይቶም ኤስ.ኤስ ዝበሃሉ ጨካናት ኣዘዝቲ እያ ነይራ።

መዳጎኒ መዓስከር ስተትሆፍ ብ1939 እዩ ተመስሪቱ።

ሽዑ ናዚ ድሮ ንፖላንድ ተቖጻጺሩዋ ነይሩ።

ኣብ ሰነ 1944 ከኣ ሓለዋ እቲ ስርዓት ነቲ ብጋዝ ሰብ ዘጥፍእ ክፍልታት ክጥቀምሉ ጀሚሮም።

እቲ ውግእ ኣብ ዘብቅዓሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ግንቦት 1945 ሰራዊት ሶቭየት ነቲ ቦታ ሓራ ኣውጽእዋ።

ኣብቲ መዳጎኒ መዓስከር ኣስታት 100,000 እሱራት ብዘስካሕክሕ መገዲ ተታሒዞም ነይሮም።

መብዛሕትኦም ብሕማምን ብጥሜትን ሞይቶም፣ ገሊኦም ከኣ ብጋዝ ተዓፊኖም ተቐቲሎም፤ ብመርፍእ ዝተቐትሉ እውን ውሑዳት ኣይነበሩን።

መብዛሕትኦም እቶም ግዳያት ኣይሁድ እዮም ነይሮም።

ካብ ዓሌት ኣይሁድ ዘይኰኑን ምሩኻት ወተሃደራት ሶቭየት እውን ነይሮም።

እዛ ሕጂ ብገበን ናዚ ተኸሲሳ ዘላ ጓል 95 ኣደ ሸልስዊግ ሆልስተይን ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክትቀርብ እያ።

እቲ ቤት ፍርዲ ከኣ ክትክሰስ ትኽእል እንተኾይና ክውስን እዩ።

እታ ጸሓፊት ኣብቲ ግዜ እቲ ትሕቲ 21 ዓመት ስለ ዝነበረት ከም ትሕቲ ዕድመ እያ ትቝጸር ።

ንሳ ኣብቲ ሰፈር ሰባት ብጋዝ ምቕታሎም ከም ዘይትፈልጥ እያ ትዛረብ።

ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ናዚ ብዘጋጠመ ግፍዒ ዝተኸሰሳ ኣንስቲ ውሑዳት ኣይኮናን።

መብዛሕትኡ እቲ ጉዳያት ግን ኣብተን ኣብ ሓለዋ ዝነበራ ዋርድያታት እምበር ኣብ ጸሓፍቲ ከም ዘየተኩር ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዳምየን ማክ ጊዩነስ ካብ በርሊን ይጽብጽብ።

እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ንኢርምጋርድ ኤፍ ይምርምሩዋን ነቲ ኣብ 2016 ኣብ ኤስ ኤስ ዝነበረ መዝገባ ክምርምርዎ ጀሚሮም ኣለዉ።

ሓደ ኣኽባሪ ሕጊ ከኣ ነቶም ሕጂ ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ዘለው ግዳያት መዳጎኒ ማእከል ስቱትሆፍ ቃለ-መጠይቕ ይገብረሎም ኣሎ።

ንሳ ብቕትለት ንልዕሊ 10,000 ጉዳያት ቅትለት ከም ዘተሓባበረትን ኣብ ሕልኽላኽ ፈተነ ቅትለት ከም ዝነበረትን እያ ትኽሰስ ።

ኣብቲ ካብ ሰነ 1943 ክሳብ ሚያዝያ 1945 ከም ጸሓፊት ዝሰርሓትሉ መዳጎኒ መዓስከር፡ ኣብ ልዕሊ እሱራት ኣይሁድን፡ ፖላንዳውያን እሱራትን፡ ሩስያውያን ምሩኻትን ተሓባባሪት ገበን ነይራ ዝብል ክሲ እዩ ቐሪቡዋ ዘሎ።

ኣብቲ መዳጎኒ መዓስከራት ቦቹም ኣዛዚ ዝነበረ ፖል ወርነር ሆፕፔ ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ተፈጺሙ ብዝተባህለ ግፍዒ ኣብ 1957 ንትሽዓተ ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ወዲ 93 ዓመት ብሩኖ ደይ ኣብ ሃምቡርግ ብጃምላ ቅትለት ተኸሲሱ ንኽልተ ዓመት ክእሰር ተፈርዱ።

ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ከኣ ንግዳያት ጃምላዊ ቅትለት ይቕረታ ሓቲቱ ።