ዛንታ ኣፍሪቃዊ ወተሃደር ሓይሊ-ኣየር ኣብ ካልኣይ ዉግእ ዓለም

ምንጪ ስእሊ, Eddy Smythe
ብ 1943፡ ብዘበን ካልኣይ ዉግኣ-ዓለም ምዃኑ'ዩ፡ ናይ በረራ ለፍተናንት ጆን ሄንርይ ስሚዝ፡ ኣባል ዘውዳዊ ሓይሊ ኣየር እንግሊዝ (RAF)፡ ነፋሪቱ ኣብ ሰማያት ናዚ-ጀርመን ተሃሪማ ወደቐት። ተማሪኹ ኣብ ኢድ ወትሃደራት ናዚ ከኣ ወደቐ።
እቲ ዘገርም ሸነኽ ዛንታ ጆን ሄንርይ ስሚዝ፡ ካብቲ ዓዘቕቲ ወጺኡ ንህይወቱ ዳግም ሰሪዑ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ስራሕ ብምብጻሕ ንሃገሩ፡ ሴራሊዮን፡ ኣበርኪቱ ብምሕልፉ'ዩ።
ንሱ፡ ካብ ማዓስከር ምሩኻት ዉግእ ምስ ወጸኣ፡ ኣብ "ኢምፓየር ዊንድራሽ" ዝተባህለት፡ ናታ ታሪኽ ዘሎዋ መርከብ-ባሕሪ፡ ከም መኰነን ኰይኑ ከገልግል በቕዐ። ብድሕሪኡ'ውን ብባህሪኡ ኣብ ቤት ፍርዲ ናይ ምጥባቕ ዓቕሚ ስለ ዝነበሮ ብመንግስቲ እንግሊዝ ተዓዲሙ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ክቐስም ተገብረ።
ዛንታ ጆን ሄንርይ ስሚዝ ኣብኡ ኣየብቅዐን። ናይ ሕጊ ትምህርቱ ድሕሪ ምዝዛሙ ንሃገሩ ተመሊሱ ኣኽባር ሕጊ ሴራልዮን ኰነ። ምስ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ፡ እንኮላይ ኣብ ዋይት-ሃውስ ምስ ፕረዚደንት ጆን ኤፍ. ከነዲ፡ ምርኻብ ዝበቕዐ በዓል ታሪኽ ሰብ'ዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስሚዝ ከመይ ኢሉ ኣብ ውትህድርና ኣተወ?
ኣብ ጊዜ ካልኣይ ዉግእ ዓለም እንግሊዝ ዋሕዲ ወትሃደራት ስለ ዝነበራ ካብ'ቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሑ ዝነበረ ግዝኣታ ወትሃደራት ንኽትምልምል ጻውዒት ዘርገሐት።
በቲ ጻውዒት መሰረት ከኣ ካብ ሃገር ሰኔጋል ጆን ሄንርይ ስሚዝ ኣብ ዉትህድርና ሓይሊ ኣየር እንግሊዝ ተኸትበ።
ንሱን ብጾቱን ኣብ ዝተመልመልሉ እዋን እቲ ዉግእ ድሮ ናብ ራብዓይ ዓመቱ ይሰጋገር ነበረ። ጆን ሄንርይ ስሚዝ ታዕሊሙ ወዲኡ ብናይ በረራ ለፍተናንት መዓርግ ተመረቐ፣ ተልእኾኡ ኸኣ ናብ ጀርመን ኰነ ብጀርመን ዝተታሕዛ ሃገራት ኤውሮጳ ብምብራር ደብዳባት ከካይድ ተመደበ።
ስሚዝ፡ ኣብ 623 ስኳድሮን ተመዲቡ ኣብ "ሾርት ስቲርሊንግ" እትጽዋዕ ዝነበረት ዓባይ ናይ ዉግእ ነፋሪት ኰይኑ ስርሑ ጀመረ።

ምንጪ ስእሊ, Eddy Smythe
"ሾርት ስተርሊንግ"
"ሾርት ስቲርሊንግ" ኣርባዕተ ሞተር ዝነበራ ናይ ሃገረ እንግሊዝ ናይ ደብዳብ ነፋሪት ኰይና ብ7 ሰባት እትእለ ከቢድ ጽዕነት እትስከምን ንነዊሕ መንገዲ እትበርርን ነበረት።
እቶም ኣለይቲ'ታ ነፋሪት ዝተፈላለየ ስርሓት ዝነበሮም ኰይኖም 2 ፓይሎታት፡ ምስ'ቶም ፓይሎታት ዝተሓባበር መራሕ-ነፋሪት (ናቪገይተር)፡ ተኳስ-ብረት/ኦፐረይተር፡ ክልተ ተወሰኽቲ ተኰስቲ፡ ከምኡ'ውን መሃንዲስ በረራ ነበሩ።
ሓላፍነት ናይ በረራ ለፍተናንት ጆን ሄንርይ ስሚዝ ነታ ነፋሪት ንምምራሕ ነበረ - መገዳ ከም እትሕዝ ምግባር - እዚ ማለት ካብ መደበራ ተበጊሳ፡ ዕላማኣ ሃሪማ ክሳብ እትምለስ ኣጥቢቑ ኣብ መገዳ ናይ ምትሓዝ ሓላፍነት ነበሮ። ምስኡ ኸኣ ተወሳኺ ሓልፍነት ነበሮ፣ እታ ነፋሪት እተውድቖም ዓበይቲ ነተጕቲ ዒላምኦም ንምጭማት ናቱ ሓላፍነት ነበረ።
26 ዕዉታት ናይ ደብዳብ ተልእኾታት
ጆን ሄንርይ ስሚዝ 26 ጊዜ ናብ ዉሽጢ ሰማያት ኤውሮፓ ኣትዩ - ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ ብጀርመን ተጐቢጠን ስለ ዝነበራ - ዕላማታት ጸላኢ ሃሪሙ ንመደበሩ ክምለስ በቒዑ'ዩ።
ብዙሕ ጊዜ ተልእኾእ ንምፍጻም ብኣየር ንመትርብ-እንግሊዝ ሰጊሩ ብፈረንሳ ኣቢሉ ናብ ጀርመን ይኣቱ ነበረ፣ ኣዝዩ ሓደገኛ ተልእኾ።
ኤዲ ዝተባህለ ወዱ ድሒሩ ከም ዘዘንተዎ፡ "እቲ ዝኸፍአ በረራ ኣብ ከባቢ በርሊን ነበረ" ይብል። ምኽንያቱ በርሊን ርእሲ-ከታማ ጀርመን ስለ ዝነበረት ብጸረ-ነፈርትን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ተኸቢባ ነበረት ኢሉ የዘንቱ።
ኣቦኡ ከም ዘዘንትወሉ፡ "ኣብ ሃዋህው በርሊንን ከባቢኣን ብጸልማት ምዝንባይ እቲ ዝኸፍአ ተልእኾ ነበረ" ይብል። "ብኣማኢት ዝቕጸሩ ጸረ-ነፈርቲ ስኣን ቝሩብ ሸፈፍ ኢሎም ክሓልፉኻ ምርኣይ ኣዝዩ ሓደገኛ ምንባሩ ኣቦይ የዘንትወልና ነይሩ" ይብል።
ኣብ መበል 27 ተልእኾኡ ግን እታ ነፋሪት ስለ ዝተሃርመት ኣብ ዉሽጢ ጀርመን ወደቐት። ስሚዝ ቅድሚኡ ኣብ ብርክት ዝበሉ እዋናት ነፋሪቱ'ኳ እንተ ተሃርመት ዝገበረ ጌሩ፡ ሓድሓደ እዋን ከኣ ብዕድል፡ ካብ ሓደጋ ከምልጥ ክኢሉ'ዩ። እንተ ሽዑ ግን ዕድሉ ስለ ዝተጸንቀቐ ክድሕን ኣይከኣለን።

ምንጪ ስእሊ, RAF/PA Media
ዕለቱ 18 ሕዳር 1943 ነበረ። እታ ነፋሪት ኣብ ጥቓ በርሊን ምስ በጽሐት ሞቶራ ተሃሪሙ ተተኰሰ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ ሰንከልከል ክትበል ጀመረት። ኣብታ ምሸት'ቲኣ ስሚዝ ክልተ ጊዜ ተወግአ - ኣብ ረቃቒቶኡን ጐኑን ተወግአ። እታ ነፋሪት ተሰኪማቶ ዝነበረት ቦምባታት ዋላ'ኳ ትፈንዎ እታ ነፋሪት ግን ዒላማ ጸላኢ ዀነት።
ኤዲ ከም ዘዘንተዎ፡ "ሓንቲ ናይ ጀርመን ናይ ዉግእ ነፋሪት ነታ ኣቦይ ዝነበራ ነፋሪት ኣብ ሓደጋ ከም ዝነበረት ብምፍላጥ ክትኮላ ጀመረት፣ ደጋጊማ ኸኣ ብጥይት ዘበጠታ። ሽዑ እቲ ብሸነኽ ላዕሊ ዝነበረ ተኳሳይ ተሃሪሙ ብኡ-ንብኡ ሞተ፣ ኣቦይ ተወግአ፣ ጸኒሑ ኸኣ ካልኣይ ሞቶረ ምስ ተሃርመ እቶም ክልተ ፓይሎታት ነታ ነፋሪት ክቈጻጸርዋ ኣይከኣሉን። እቲ ቀንዲ ፓይሎት እታ ነፋሪት ምጽዳፋ ከም ዘይተርፋ ርእዩ ንብጾቱ ካብ'ታ ነፋሪት ተፈንጢሮም ብምውጻእ ህይወቶም ከድሕኑ ኣዘዘ" ኢሉ የዘንቱ።
ስሚዝ ካብታ ትወድቕ ዝነበረት ነፋሪት ኣምሊጡ ኣብ በረኻ ወደቐ። ድሮ ብዙሕ ደም ስለ ዝኸዶ ኣዝዩ ተዳኺሙ ነበረ፣ ንፈውሲ ቓንዛ ኸኣ ሞርፊን ስለ ዝተወግአ ዳርጋ ምስ ምሉእ ሃለዋቱ ኣይንበረን። "ዝገበረ ገይሩ ኣብ ከባቢኡ ሓደ ጋህላ (መጽለሊ) ርእዩ ናብኡ ገጹ ኣምርሐ። እንተዀነ ግን ኣብቲ ጋህላ ክኣቱ ኸሎ ተገሪሁ ሽጋራ ስለ ዝወልዐ ሓይልታት-ናዚ ኣብቲ ቦታ ደበኽ በሉ" ኢሉ ኤዲ የዘንቱ።
ጸሊም ምሩኽ ወትሃደር
ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት፡ ስሚዝ ባዕሉ ምስ ቢ.ቢ.ሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት ከም ዝበሎ፡ "ምሩኽ ኵሉ ጊዜ ምሩኽ'ዩ። ንጀርመን ክድብድብ ዝነበርኩዋ ናይ ዉግእ ነፋሪት ተወቒዓ ብምውዳቓ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ክሳብ ክንደይ ሕርቃን ከም ዝነበሮም ርዱእ'ዩ። ንዓዶም ክድብድብ'የ ተማሪኸ። ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ወትሃደራት ናዚ ከም ዘይምሕሩኒ ርዱእ'ዩ ነይሩ" ይብል።
"ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ጸሊም ዝቖርበተይ ሰብ ስለ ዝነበርኩ ንኵነታተይ ኣግዲዱዎ'ዩ" በለ። "ንኽቐትሉኒ ድልየት ከም ዝነበሮምን ንወስታኦም እርእዮ ነይረ'የ፣ ይቕተሉኒ ኢለ ወዲአዮ ነይረ፡ ግን ዕድል ጌረ ኣባላት ወትሃደራዊ-ፖሊስ መጺኦም ኣድሓኑኒ" ኢሉ ወሰኸሉ።
ስሚዝ ኣብ መርመራ ኣተወ፡ ብዙሕ ከኣ ተጋፍዐ፣ ይዅን'ምበር ሕክምና ክረክብ ከኣለ። መርመራን ሕክምናን ወዲኡ ኸኣ ኣብ ሰሜን ጀርመን ዝርከብ "ስታላግ-ሉፍት" ዝበሃል መዓስከር-ምሩኻት ተሰጋገረ። ኣብኡ ንዓሰርተ-ሸሞንተ ኣዋርሕ ተኣስረ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስሚዝ ኣብ መዓስከር-ምሩኻት
"ኣብ መዓስከር-ምሩኻት ዝነበርኩሉ እዋን ጸሊም ብምዃነይ ብዙሕ ከማርር ኣይግባእን፣ ሕማቓት ኣቕዋማት እርኢ ነይረ፡ ግናኸ ኵላህና ምሩኻት ወትሃደራት ስለ ዝነበርና ኣብ ሓደ መኣዲ'ና ነርና" ይብል ስሚዝ።
"እቲ ኣውራ ዝዝከረኒ ግን" ይብል ስሚዝ፡ "እቶም ጀርመናውያን ኣሰርትና ሞራልና ምእንቲ ክወድቕ ሓይልታት-ኪዳን ይሰዓሩ ከም ዝነበሩ ፕሮፓጋንዳ ኣብ ሞንጎና ይነዝሑ ነበሩ፣ እንተ ንሕና ግን ብሕቡእ እንረኽቦ ሓበሬታ ስለ ዝነበረ ዕሽሽ ንብሎም ነበርና" ይብል።
ኤዲ፡ ወዱ ንስሚዝ ከም ዘዘንተዎ፡ "ሓደ ንግሆ ኵሎም እቶም ሓለውቲ ጽርግ ኢሎም ይኸዱ፣ ወትሃደራት ሶቬት-ሕብረት ሒደት ሰዓታት ኣብቲ ካምፕ ንክበጽሑ ተረፎም ... እዚ ብ30 ሚያዝያ 1945 ነበረ" ይብል። ስሚዝ ዕድሉ ንኽጽብቕ እቲ መዓስከር-ምሩኻት ሓራ ወጸ፣ ድሕሪ ሒዶት ሰሙናት ከኣ ስሚዝ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክምለስ ከኣለ።
ስሚዝ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ
ስሚዝ፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ለንደን ሰፈረ። መንግስቲ እንግሊዝ ከኣ ኣብ ቤት-ጽሕፈት መግዛእቲ-ባዕዲ (Colonial Office) ንክሰርሕ መደቦ። እቲ ቀንዲ ስርሑ ዝተሰናበቱ ወትሃደራት ካሪብያውያንን ኣፍሪቃውያንን ንምንባይ ነበረ።
ብ 1948 ስሚዝ ብመዚ ገዲም መኰነን ኣብ "ኢምፓየር-ዊንድራሽ" ዝስማ፡ ካብ ጀርመናውየን ዝተመንዝዐት ዓባይ መርከብ፡ ክሰርሕ ተመደበ። ሓላፍነቱ ኸኣ በታ መርከብ ካብ ዉትህድርና ንዝተገላገሉ ካሪብያውያን ንዓዶም ምምላስ ነበረ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ካሪብያውያን ኣብ ጃመይካ ምስ በጽሑ እቲ ዓዲ ብቝጠባ ኣዝዩ ተዳኺሙ፡ ነቶም ዝተመልሱ ወትሃደራት ዝኸውን ስራሕ ከም ዘይነበረ ድሕሪ ምፍላጥ፡ ስሚዝ፡ ምስ ሓለፍቲ ጃማይካ ተዘራሪቡ፡ ካብ ቤት-ጽሕፈት መግዛእቲ-ባዕዲ ፍቓድ ሓቲቱ፡ ነቶም መንገደኛታቱ ንዓዲ እንግሊዝ ምምላስ ይሕሸኩም ኢሉ ኣረዲኡ፡ ንኵሎም መንገደኛታት ሒዙ በታ መርከብ ንዓዲ-እንግሊዝ ተመልሰ።
እታ መርከብ ኣብ ቲልበሪ (አሰክስ) ዝበሃል ወደብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ በጽሐት እቶም መንገደኛታት ንእንግሊዝ ወኪሎም ዝተዋግኡ ወትሃደራት-ነበር ምዃኖም ምስ ተፈልጠ ድሙቕ ኣቐባብላ ተገብረሎም።
ታሪኽ ናይ "ኢምፓየር-ዊንድራሽ" ነዊሕን ሕልኽልኽ ዝበለን ኰይኑ ክሳብ ሕጂ እቲ ዛዕባ ናይ'ቶም ሽዑ ንዓዲ እንግሊዝ ዝኣተዉ ካሪብያውያን ኣብ ክትዓት-ሎሚ ይስማዕ'ዩ።
ስሚዝ ከም ኣኽባር ሕጊ
ስሚዝ ካብ ሓላፍነት "ኢምፓየር ዊንድራሽ" ምስ ተገላገለ ኣብ ስርሓት ሕጊ ኣትኰረ። ብኣጋጣሚ ሓደ መዓልቲ ስሚዝ ንሓደ ከምኡ ወትሃደር ዝነበረ ሰብ ኣብ ወትሃደራዊ ቤት-ፍርዲ ክቐርብ ስለ ዝተኣዘዘ ንክሕግዞ ቀረበ። ሽዑ ንኽጣበቕ ድኣ'ዩ ዓቕሚ ነይሩዎ'ምበር ብቑዕ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ኣይነበሮን።
ስሚዝ ብዝከኣሎ መጠን ሰነዳት ኣዳልዩ ነቲ ወትሃደር-ነበር ወኪሉ ኣብ ቤት-ፍርዲ ቀረቡ ተማጐተሉ፣ ስዓረ ኸኣ። እቲ ፈራዳይ ንጥበብን ዓቕምን ስሚዝ ርእዩ ሕጊ ንክምሃር ደፍኦ፣ ስሚዝ ከኣ በቲ እቲ ፈራዲ ዝጸሓፈሉ ደብዳቤ መሰረት ኣብ "ኢንስ ኦፍ ኮርት" (Inns of Court) ተመዝገበ።
ትምህርቱ ምስ ጨረሰ ንሃገሩ ተመሊሱ ምስ ዓውደ-ሕጊ ዝተኣሳሰር ስራሕ ንክሰርሕ ወሰነ። ብንጉስ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ሕጊ ኣማኻሪ መዚ (QC) ተቐቢሉ ንፍሪታውን ተመልሰ። ብድሕሪኡ ናይ ሴራሊዮን ኣኽባር-ሕጊ ዀይኑ ንነዊሕ እዋን ኣገልገለ።
ስሚዝ፡ ጥሮታ ምስ ወጸ ናብ ወዱ ዝነብረሉ ዝነበረ ቦታ (ኦክስፎድሺር) ዓዲ እንግሊዝ ተመልሰ። ብ 1996 ኣብ ሰማንያ ዕድሚኡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዓረፈ። ኣብኡ ኸኣ ተቐብረ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







