ቨይራ ቪካ-ፍሪበርጋ፡ ካብ ስደተኛ ናብ ፕረዚደንት ሃገረ ላቲቭያ ዝበጽሐት ኣደ

ቨይራ ቪካ-ፍሪበርጋ፡ ኣብ 2003 ንካልኣይ ግዜ ንፕረዚደንትነት ምስ ተመረጸት ቃለ መሓላ ንምፍጻም እናተፈዳለወት ምስ ብዓል ቤታ ዝተሳኣለቶ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ቨይራ ቪካ-ፍሪበርጋ፡ ኣብ 2003 ንካልኣይ ግዜ ንፕረዚደንትነት ምስ ተመረጸት ቃለ መሓላ ንምፍጻም እናተፈዳለወት ምስ ብዓል ቤታ ዝተሳኣለቶ

እታ ጓል ሸውዓተ ዓመት ቨይራ ቪካ-ፍሪበርጋ ምስ ወለዳ ኮይና ናብ ስደት ኣምሪሓ፡ ድሕሪ ኣስታት 50 ዓመታት ኣብ ስደት ምንባር ድማ ናብ መበቆል ሃገራ፡ ላቲቭያ ብምምላስ፡ ኣብ 1999 ቀዳመይቲ ጓልንስተይቲ ፕረዚደንት ሃገረ ላቲቭያ ኮይና።

ክልተ እብረ ተመሪጻ ድማ ንሃገራ ንሸሞንተ ዓመታት ፕረዚደንት ብምዃን ኣገልጊላ። ሕጂ ጓል 82 ዓመት ክንሳ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያታት ኣብ ጉዳይ ሓርነት ማዕርነትን ማሕበራዊ ፍትሕን እትነጥፍ ኣደ ኢያ።

ኣብ 1941 ጀርመናውያን ናብ ላቲቭያ ብምእታው ብዙሓት ሶቨየታውያን ወተሃደራታ ማሪኾም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1941 ጀርመናውያን ናብ ላቲቭያ ብምእታው ብዙሓት ሶቨየታውያን ወተሃደራታ ማሪኾም

"ወለደይ ጓል ላቲቭያ ከምዝኾንኩ ከይርስዕ ኢዮም ኩልሳዕ ዝምዕዱኒ ነይሮም" ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ።

እታ ኣብ ግዝኣት ባልቲክ ትርከብ ላቲቭያ፡ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብመንግስቲ ናዚ ናይ ጀርመንን ሕብረት ሶቭየትን ተወሪራ ዝነበረት ሃገር ኢያ።

ቨይራ፡ ናይቲ ህውከት ዝመልኦ እዋን ድሙቕ ዝኽርታት ኣለዋ። ብፍላይ፡ ኣብ 1944፡ እቲ ቀይሕ ሰራዊት ናይታ ዴሳዊት ሃገር ሩስያ፡ ናብ ላቲቭያ ዝተመልሰሉ እዋን።

"በቲ ቀይሕ ባንዴራ ዝሓዙን ናይ ዓወት ምልክት [ዝተጨበጠ ኢድ] ዘርእዩ ዝነበሩ ወተሃደራት ሩስያ ኣዝየ ይምሰጥ ነይረ። ኣብ ሓደ ህሞት፡ እቶም ወተሃደራት ብጥቓና ክሓልፉ ከለው፡ የእዳወይ ብምዝርጋሕ ናይ ታሕጓስን ደገፍን ድምጺ ብዓውታ ኣቃሊሐ" ኢላ ቨይራ።

"ሽዑ ኣደይ፡ ኣብ ሓደ ፓሎ ናይ መብራህቲ ተጸጊዓ፡ ብጓሂ ዝርንዝሕ እናነብዓት 'እዛ ጓለይ ከምኡ ኣይትግበሪ። እዛ መዓልቲ ንላቲቭያ ናይ ሓዘን መዓልቲ ኢያ' " ኢላትኒ።

1949 ቨይራ ቪካ-ፍሪበርጋ፡ ኣብ 1949 ኣብ ጀርመን መዓስከር ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Vaira Vike-Freiberga

መግለጺ ስእሊ, 1949 ቨይራ ቪካ-ፍሪበርጋ፡ ኣብ 1949 ኣብ ጀርመን መዓስከር ስደተኛታት

ሕሱም ተመክሮ

እታ ጓል ሸውዓተ ዓመት፡ ቨይራ፡ ምስ ስድራቤታ እቲ መስገደል ዝመልኦ ጉዕዞ ናብ ሃገራት ምዕራብ ጀሚራ። ፈለማ ናብታ ብዂናት ዝዓነወት ጀርመን፡ ካብኡ ናብታ ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ሞሮኮን ካናዳን ከይዳ።

ስጋብ 1998፡ ጓል 60 ዓመት ትኸውን ናብ ላቲቭያ ኣይተመልሰትን። ሸሞንተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምምላሳ ድማ ኣብ 1999 እታ ቀዳመይቲ ጓልንስተይቲ ፕሬዚደንት ላቲቭያ ኮይና።

ኣብ 1944፡ ኣቦኣ እቲ ኲናት ከመይ ይምዕብል ከምዝነበረ ንምክትታል ሪድዮ ቢቢሲ ይሰምዕ ከምዝነበረ ትዝክር። ሽዑ ኢዩ ድማ ወለዳ እናሓዘኑ ሃገሮም ገዲፎም ክስደዱ ዝወሰኑ።

ቨይራ ቪካ-ፍሪበርጋ፡ ጓል 11 ዓመት እንከላ ኣብ ሞሮኮ

ምንጪ ስእሊ, Vaira Vike-Freiberga

መግለጺ ስእሊ, ቨይራ ቪካ-ፍሪበርጋ፡ ጓል 11 ዓመት እንከላ ኣብ ሞሮኮ

ኣብታ ናይ 1945 ሓድሽ ዓመት ለይቲ [ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ] ድማ ሃገሮም ገዲፎም ብመርከብ ናብ ጀርመን ተጓዒዞም።

"ኣብ ናይ ጀርመን መደበር ዕቑባት ተዓቚብና፡ እቲ ሂወት ኣብቲ መደብር ዕቑባት ኣዝዩ ሕማቕ ኢዩ ነይሩ።" ትብል ቨይራ ቪካ-ፍሪበርጋ፡ እታ ጓል ዓሰርተ ኣዋርሕ ንእሽቶ ሓብታ፡ ነድሪ ሳምቡእ [ኒሞንያ] ትሓምም`ሞ፡ ትመውት።

ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ኣዲኣ ወዲ ትወልድ። ሓዋ ክውለድ ከሎ፡ ቨይራ ብኻልእ ኣብ ሂወታ ዝጓነፈ ሕሱም ተመክሮ ተዋሒጣ ነይራ።

"ጓል 18 ዓመት መንእሰይ ኣብታ ኣደይ ዝነበራት ክፍሊ ነይራ። እታ መንእሰይ ጓል ተገላጊላ ነይራ፡ እንተኾነ ነታ ናጽላ ክትሪኣ ኣይትደልን ነይራ። ነታ ጓላ ስም ከተውጽኣላ ኣይትደልን'ውን ነይራ። ኮታ ምስታ ናጽላ ህጻን ዝኾነ ምትእስሳር ክህልዋ ከቶ ኣይትደልን ነይራ። ምኽንያቱ፡ እታ ናጽላ ህጻን ውጽኢት ናይቲ ወተሃደራት ሩስያ ብዕስለ ኣብ ልዕሊኣ ዝፈጸምዎ ምግሳስ ስለዝነበረት" ኢላ ቨይራ።

ቨይራ ቪካ-ፍሪበርጋ፡ ኣብ 1957 ኣብ ዩኒቨርስቲ ቶሮንቶ

ምንጪ ስእሊ, Vaira Vike-Freiberga

መግለጺ ስእሊ, ቨይራ ቪካ-ፍሪበርጋ፡ ኣብ 1957 ኣብ ዩኒቨርስቲ ቶሮንቶ

ብድሕሪኡ፡ ቨይራ ጓል 11 ዓመት ምስኮነት፡ ናብ ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ከተማ ካዛብላንካ፡ ሞሮኮ ምስ ስድርኣ ይኸይድ። ኣብቲ ዝነብርሉ ቦታ፡ ድማ ካብ ዝተፈላላያ ሃገራት - ስጳኛ ጥልያን ሩስያን ካልኦት ሃገራትን ዝመጹ ስደተኛታት ነይሮም።

ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ሓደ ሞሮካዊ ንኽምርዓዋ ነቦኣ ሓቲቱ ከምዝነበረ ቨይራ ትዛረብ።

ብዝኾነ፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ግና ናብ ካናዳ ኣቕኒዖም።

ብጾታዎ ኣድልዎ ዝኣምን ፕሮፌሰር

ካናዳ ምስ ኣተው፡ እታ ጓል 16 ዓመት ቨይራ ኣብ ባንክ ስራሕ ጀሚራ።

ምሸት ምሸት እናተማህረት ድማ ኣብ መወዳእታ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ዩኒቨርስቲ ኣትያ። ኣብቲ ዩኒቨርስቲ እናተማህረት እንከላ ድማ ኢማንትስ ፍሪበርግ ዝተባህለ ከምኣ ኣብ ስደት ዝነብር ወዲ ላቲቭያ ተመርዒያ።

ንዶክተሬት ዲግሪ ኣብተጽንዓሉ ዝነበረት እዋን፡ ሓደ ካብቶም መማህራና ዝኾነ ፕሮፌሰር፡ "ኣብዚ ክፍሊ ሰለስተ ዝተመርዓዋ ደቀንስትዮ ንዶክተሬት ድግሪ የጽንዓ ኣለዋ።

ክሳራ ድማ ኢየን፡ ምስ ወለዳ ኣብ ደቀን ምዕባይ ክጽመዳ እየን። እዚ ንሳተን ረኺበንኦ ዘለዋ ዕድል ንኣወዳት ተዋሂቡ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ሊቃውንቲ ስነፍልጠት ምኾኑ ነይሮም ኢሉ" ኢላ ቨይራ።

"እተን ኣብቲ ክፍሊ ዝነበርና ደቀንስትዮ ተማሃሮ ድማ ንምሉእ ሂወተን ዘይንርስዖ ዘረባ ስለዝነበረ ድማ ነቲ ብጾታዊ ኣድልዎ ዝኣምን ፕሮፌሰር ደቀንስትዮ ልዕሊ እቶም ምሩጻት ደቂተባዕትዮ ዕዉታት ከምዝኾኑ ንምርኣይ ወሲና" ኢላ ቨይራ።

ቨይራ ቪካ-ፍሪበርጋ፡ ኣብ 1978 እናምሃረት

ምንጪ ስእሊ, Vaira Vike-Freiberga

መግለጺ ስእሊ, ቨይራ ቪካ-ፍሪበርጋ፡ ኣብ 1978 እናምሃረት

ኣብ 1965፡ ብስነ ኣእምሮ [ሳይኮሎጂ] ብዶክተሬት ዲግሪ ተመሪቓ።

ቨይራ ምሉእ ምልከት ናይ ሓሙሽተ ቋንቋታት ክህልዋ እንከሎ፡ ኣብተን 33 ዓመታት ኣብ ሞንትሪያል ዩኒቨርስቲ ዘሕለፈተን ዓመታት10 መጽሓፍቲ ድማ ጽሒፋ ።

ኣብ መወዳእታ ሃገራ ተመሊሳ

ኣብ 1998፡ ጓል 60 ዓመት ምስ ኮነት ሓንቲ ካብቶም ምስጉናት ፕሮፌሰራት ኮይና ተመሪጻ፡ ሽዑ ኢያ ድማ ጡረታ ክትወጽእ ዝወሰነት።

ሓደ ምሸት፡ ቀዳማይ ምኒስተር ላትቪያ ቴሌፎን ይድውለላ'ሞ ሓደ ኣብ ላቲቭያ ዝቖመ ሓድሽ ትካል ክትመርሕ ይሓታ።

"ከምኣ ኣብ ስደት [ዲስፖራ] ዝነብርን ምልከት ናይ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዘለዎን፡ ናይ ምዕራባውያን ኣተሓሳስባን ናይ ላቲቭያ ባህልታት ዝርዳእን ሰብ ከምዝደልዩ ነጊሮምኒ" ኢላ ቨይራ።

ድሕሪኡ ነዊሕ ከጸንሐት ድማ ኣብቲ ናይ ላቲቭያ ፕሬዚደንታዊ ውድድር ተጸንቢራ።

ቨይራ ቪካ-ፍሪበርጋ፡ ኣብ 1942 ጓል ሓሙሸተ ዓመት እንከላ'ያ ስደተኛ ኮይና

ምንጪ ስእሊ, Vaira Vike-Freiberga

መግለጺ ስእሊ, ቨይራ ቪካ-ፍሪበርጋ፡ ኣብ 1942 ጓል ሓሙሸተ ዓመት እንከላ'ያ ስደተኛ ኮይና

ኣብቲ ፕሬዚደንታዊ ምርጫ ንምክፋል ድማ እቲ ዝነበራ ናይ ካናዳ ዜግነት ብምርካብ ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ ናብ ሃገራ፡ ላቲቭያ፡ ድሕሪ ምምላስ እታ ቀዳመይቲ ጓልንስተይቲ ፕሬዚደንት ላቲቭያ ኮይና ተመሪጻ።

ኣብ ሓደ እዋን ተቐባልነታ ብህዝቢ ስጋብ 85% ደይቡ ነይሩ።

ኣብ ግዜ ምምሕዳራ፡ ላቲቭያ ኣብ 2004 ኣባል ኖርዝ ኣትላንቲክ ትሪቲ ኦርጋናይዘሽንን [ናቶ] ሕብረት ኤውሮጳን ክትከውን ንጡፍ ተራ ተጻዊታ።

ቨይራ ቪካ-ፍሪበርጋ ምስ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆርጅ ቡሽ ኣብ 2006

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቨይራ ቪካ-ፍሪበርጋ ምስ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆርጅ ቡሽ ኣብ 2006

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ መበል 70 ዓመታ ምጽምባላ ድማ ኣብ 2007 ድሕሪ ካልኣይ ናይ ስልጣን ዘመና ምውድኣ፡ እቲ ብናይ ማድሪድ ክላብ ዝፍለጥ ናይ መራሕቲ ነበር ውድብ መስሪታ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣብ ምሕያል ተሳታፍነት ደቀንስትዮ ኣብ ፖለቲካ ኣተኲራ ትነጥፍ ኣላ።