ኣብ በረራ እናሃለዉ ዝተሃራረሙ ኣብረርቲ ካብ ስርሖም ተኣጊዶም

ነፋሪት መንገዲ ኣየር ፈረንሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክልተ ኣብረርቲ መንገዲ ኣየር ፈረንሳ፡ ኣብ 'ኮክፒት' እናሃለዉ ክሳብ ኣካላዊ ምትህርራም ብምጽሖም ካብ ስርሖም ከምዝተኣገዱ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ቀንዲ ኣብራሪን ተሓጋጋዚ ኣብራሪን ናይታ ኤርባስ A320 ዝዓይነታ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት፡ ካብ ጀነቫ (ስዊዘርላንድ) ናብ ርእሰከተማ ፓሪስ ኣብ ዝበርሉ ዝነበሩ እዋን ብጉስጢ ከምዝተሃራረሙ ሓደ 'ላ ትሪᎅን' ዝተባህለ ማዕከን ዜና ስዊዘርላንድ ሓቢሩ።

ኣብ 'ኮክፒት' (ናይ ኣብረርቲ ክፍሊ) ዋዕዋዕ ዝሰምዑ ተጓዓዝቲ፡ በቲ ኲነታት ብምሽቓል ናብቲ ክፍሊ ኣትዮም ገላጊሎሞም።

ድሕሪ'ቲ ባእሲ፡ እታ ነፋሪት ብሰላም ክሳብ እትዓልብ ሓንቲ ኣባል በረራ ምስቶም ዘይተቓደዉ ኣብረርቲ ክትጓዓዝ ከምዝተገብረ ተፈሊጡ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ንውሕስነት በረራ ናይታ ነፋሪት ኣብ ሓደጋ ከምዘየውደቖ እቲ መንገዲ ኣየር ንላ ትሪᎅን ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ሓደ መርማሪ ኣካል መንገዲ ኣየር ፈረንሳ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ነቲ ፍጻመ ብምጥቃስ እቲ መንገዲ ኣየር ንውሕስነት ዝምልከት ጉድለት ግቡእ ዕቱብነት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ኣብረርቲ ናይ ሓንቲ ካብ ሱዳን ዝተበገሰት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ “ድቃስ ስዒርዎም” ነቲ ክዓልብሉ ዝግብኦም መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ፡ ከምዝሓለፍዎን ብሰንኩ ካብ ስርሖም ተኣጊዶም ክጸንሑ ከምዝተገብረን ይዝከር።