ብነፋሪት፡ ንብሕቱ ዓለም ዘይሩ ክብረወሰን ዝሰበረ ወዲ 17 ዓመት

ማክ ዘብረራ ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, REUTERS/STOYAN NENOV

ዜግነት ብሪጣንያን ቤልጅምን ዘለዎ መንእሰይ ማክ ሩተረፎርድ፡ ንእሽቶ ነፋሪት ኣብሪሩ ዓለም ብምዛር ክብረወሰን ሰይሩ ኣሎ።

ማክ፡ በዛ ንእሽቶ ነፋሪት ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ንብሕቱ ብምብራር ኣብ 52 ሃገራት በጺሑ'ዩ ተመሊሱ።

እዚ ኣብ ብሪጣንያ ተወሊዱ ኣብ ቤልጅም ዝዓበየ መንእሰይ፡ ጕዕዞኡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ካብ ቡልጋርያ ጀሚሩ ኣብ ቡልጋሪያ እዩ ዛዚሙ።

ይዅን’ምበር፡ ብርክት ዝበሉ ሓደጋታት የጓንፉዎ ከም ዝነበሩ ኣይሓብአን።

ንኣብነት፡ ኣብ ሱዳን ህቦብላ ሓሸዋ ከም ዘጋጠሞ፡ ኣብ ፓስፊክ ውቅያኖስ ድማ ሓደ ለይቲ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ከባቢ ከም ዘሕለፎ ተዛሪቡ።

ሓፍቱ ዛራ’ውን፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ዓለም ንብሕታ ነፋሪት ብምብራር ዓለም ዝዞረት ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ መንእሰይ እያ።

ንሳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ እዚ ዓመት ዓለም ዘይራ ምስ ወድአት፡ ንንእሽቶ ሓዋ ማክ ተመኵሮኣ ከም ዘካፈለቶ ገሊጻ።

ማክ ምስክር ወረቐት ክብረወሰን ዓለም ተዋሂቡዎ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS/STOYAN NENOV

ቅድሚ ሕጂ፡ ትራቪሰ ሉድሎው ዝተባህለ ን150 መዓልታት ዝተጓዕዘ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ ነዚ ክብረወሰን ሒዙ ጸኒሑ።

እቲ ሕጂ ሓድሽ ታሪኽ ዘጽሓፈ ማክ ድማ፡ “ሕልምኹም ዋላ ሓደ ደው ከብሎ ኣይግባእን” ክብል ንመናእሰይ መልእኽቲ ኣሕሊፉ።

ማክ፡ ኣብዚ በረራ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ኤስያን ከምኡ’ውን ክልቲኦም ውቅያኖሳት በጺሑ።

ኣብዚ በረራ፡ ኣዝዮም ምዕሩጋት ቦታታት ኢሉ ካብ ዝጠቐሶም ከባቢታት ሃገራዊ ሕዛእቲ ኬንያን ሰማያት ከተማ ኒውዮርክን እዮም።

እዚ መንእሰይ፡ ኣብ ቀጻሊ’ውን ነፋሪት ከም ዘብርርን ኣብ ሓይሊ ኣየር ክጽምበር ድሌት ከም ዘለዎን ተዛሪቡ።

ማክ፡ ዘብረራ ንእሽቶ ነፋሪት ሻርክ ተባሂላ እትጽዋዕ ኰይና፡ ኣብ ሰዓት 300 ኪሎ ሜትሮ ናይ ምብራር ዓቕሚ ኣለዋ።

እዚ መንእሰይ፡ ቈልዓ ሰለስተ ዓመት እንከሎ ኣብራሪ ክኸውን ድሌት ከም ዝሓደሮን ኣብ መበል 15 ዓመቱ ነዚ ሕልሙ ዘዐውት ፍቓድ ኣብራርነት ከም ዝረኸበን ይገልጽ።

ስድራ ማክ፡ ኣብ ኢንዳስትሪ ኣቪየሽን ዘለው እዮም። ኣቦኡ ሩተርፎርድ ሞያዊ [ፕሮፈሽናል] ኣብራሪ ኰይኑ፡ ኣደኡ ቢያትሪስ ድማ ኣብራሪት ነፋሪት ብሕቲ እያ።

ኣቦ ሓጎታቱ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብረርቲ ነፈርቲ ነይሮም።