በረራ ዘይተማህረ ተሳፋሪ፡ ነፋሪት ብሰላም ኣዕሊቡ

ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, CBS

ማዕከናት ዜና ግዝኣት ፍሎሪዳ፡ ብዛዕባ ሓደ ኣብራሪ ድሕሪ ምሕማሙ ብዘይ ዝዀነ ጸገም ነፋሪት ከዕልብ ዝኽኣለ ተጓዓዚ መንነቱ ንምፍላጥ ይጽዕራ ኣለዋ።

እዚ መንነቱ ዘይተገልጸ ተጓዓዚ፡ ምስ ተቘጻጸርቲ በረራ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝገበሮ ናይ ድምጺ ዝርርብ፡ ቅድሚኡ ዝዀነ ዓይነት ልምዲ ምብራር ነፋሪት ከም ዘይብሉ የመልክት።

ኣብቲ ዝተቐድሐ ድምጺ፡ "ነፋሪት ከመይ ከዕርፋን ደው ከብላን ከም ዘለዎ" ከም ዘይፈልጥ ክዛረብ ይስማዕ።

ኣብታ ካብ መሬት 2750 ሜትሮ ርሒቓ ኣብ ኣየር ዝነበረት ነፋሪት ዝነበረ ተጓዓዚ፡ "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኵነታት ገጢሙኒ ኣሎ፥ እቲ ፓይለት ጥዕና የብሉን፡ ሃለዋቱ ከይጥፍአ ኣይተርፍን፡" ይብል።

ሓደስቲ ኣብረርቲ ብምልምማድ ዝፍለጥ ሓደ ተቘጻጻሪ በረራ፡ እቲ ተጓዓዚ ነታ ነፋሪት ተቘጻጺሩ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ፓልም ቢች ከዕርፋ ከም ዝሓገዞ ተገሊጹ።

እዚ ትማሊ ሰሉስ ዘጋጠመ ክስተት ከም ዝዀነ'ውን ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቲ ውልቀሰብ ነታ ነፋሪት ሒዙ ብሰላም ምስ ዓረፈ፡ ምስቲ ዝመርሖ ዝነበረ ተቘጻጻሪ፡ በረኻ ተራኺቡ ከም ዝተሓቛቘፉ ተገሊጹ፤ ንሓድሕዶም ግን ኣስማት ኣይተወሃሃቡን።

እቶም ተቘጻጸርቲ በረራ ብመራኸቢ ራድዮ ኣቢሎም ኵነታት እታ ነፋሪት ነቲ ተጓዓዚ ክሓትዎ እንከለው፡ ዝፈልጦ ነገር ከም ዘይብሉን ገምግም ባሕሪ ፍሎሪዳ ጥራይ ይርኣዮ ከም ዘሎን ተዛሪቡ።

"ከመይ ኣቢለ ደው ከም ዘብላ ኣይፈልጥን፣ ዝፈልጦ ነገር የብለይን፣ ሓግዙኒ፡" ክብል መልእኽቱ ኣሕሊፉ።

ሮበርት ሞርጋን ዝተባህለ ተቘጻጻሪ በረራ እዚ ክስተት ከጋጥም እንከሎ ኣብ ዕረፍቲ እዩ ነይሩ፤ ግን መሳርሕቱ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ክነግሮ እንከሎ እናተጻደፈ መጺኡ ሓጊዝዎም።

ተመኵሮ ልዕሊ 20 ዓመታት ዘለዎ ሞርጋን፡ "እታ ነፋሪት ካብተን ካልኦት ዝተፈለየት ከም ዝዀነት እፈልጥ'የ። ግን፡ እቲ ተጓዓዚ ከይሰናበድ ሃዲኡ እታ ነፋሪት ከብርራ ክሕግዞ ነይሩኒ። ብራድዮ፡ ብኸመይ ሓይሊ ነክዩ ናብ መሬት ክወርድ ከም ዝኽእል ሓጊዘዮ" ይብል።

በቲ ዝተቐድሐ ድምጺ'ውን፡ ሞርጋን እቲ ውልቀሰብ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ዝህቦ ዝነበረ መምርሒታት ይስማዕ።

ድሕሪኡ፡ እታ ነፋሪት ብሰላም ከም ዝዓረፈት ክነግሮ እንከሎ ንምእማን ተጸጊሙ ምንባሩ ንሲኤንኤን ተዛሪቡ።

እታ ነፋሪት ኣብ መሬት ምስ ዓለበት'ውን ክልቲኦም ተራኺቦም ብሓደ ተሳኢሎም። እንተኾነ፡ ሞርጋን በቲ ኵነታት ኣዝዩ ተገሪሙ ስለ ዝነበረ ሽሙ ከም ዘይሰምዖ ተዛሪቡ።

"ኣብ ጭንቂ ስለ ዝነበርኩ ብሰላም ምስ ረኸብክዎ፡ ንብዓት መጺኡኒ። ብጣዕሚ ስምዒታዊ ህሞት'ዩ ነይሩ፤ ንሱ'ውን ናብታ ነፍሰ ጾር ዝኾነት በዓልቲ ቤቱ ክኸይድ ኣለኒ ኢሉ። ኣነ ስርሐይ'የ ዝሰርሕ ነይረ፤ ንሱ ግን ጀግና እዩ፡" ይብል።

ምምሕዳር መጓዓዝያ ኣየር ኣመሪካ ብወገኑ፡ እታ ካብ ዝዀነ ዓይነት ሓደጋ ዝተረፈት ነፋሪት ናይ ውልቂ ከም ዝኾነትን ዘተሓሳስብ ጉድኣት ከም ዘይበጽሓን ገሊጹ።

ነታ ነፋሪት እናብረረ እንከሎ ጥዕናዊ ጸገም ዘጋጠሞ ካፒተን ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስደን፡ እንተዀነ፡ ስሙን ዘለወሉ ኩነታትን ዝምልከት ግን ብወግዒ ዝተባህለ ነገር የለን።