ኣብ ክንፊ ነፋሪት ተወጢሑ ክጓዓዝ ዝሓሰበ ናይጄርያዊ ተቐይዱ

ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, Instagram/otto_orondaam

ትማሊ ዓርቢ፡ ኣብ ከተማ ሌጎስ ካብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ሙርታላ ሙሓመድ ሓንቲ ነፋሪት ክትብገስ ትዳሎ ነበረት።

ኣብ መንጎ እዚ ግን፡ ተሳፈርቲ ኣብ ክንፊ እታ ነፋሪት ዝደየበ ሓደ ሰብ ተራኣዮም።

ተሳፈርቲ ጥራይ እንተይኮኑስ፡ ኣብረርትን ሰራሕተኛታትን እቲ መገዲ ኣየር'ውን በቲ ኩነታት ሰምቢዶም።

ሽዑ ንሽዑ፡ እቲ ኣብራሪ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ንተቖጻጸርቲ ስለዘፍለጠ፡ እቲ ኣብ ክንፊ እታ ነፋሪት ዝተወጠሐ ሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

በዓልመዚ መዕርፎ ነፈርቲ ናይጄርያ፡ ብዛዕባ እቲ ኣጋጣሚ ምጽራይ ይግበር ከምዘሎ ገሊጹ።

Skip Instagram post
ንትሕዝቶ Instagram ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Instagram ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Instagram ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of Instagram post

እታ ናብ ከተማ ፖርት ሃርኮርት ክትበርር ትዳሎ ዝነበረት ነፋሪት ድማ፡ ከምብሓድሽ ካብ እግራ ክሳብ ርእሳ ተፈቲሻ ጉዕዞኣ ቀጺላ።

መንነት ናይቲ ውልቀሰብ ኣይተገለጸን።