'ጨኒኹም' ተባሂሎም ካብ ነፋሪት ክወርዱ ዝተገደዱ ስድራቤት ናብ ቤት ፍርዲ ከሲሶም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ኣመሪካ፡ ናብ ቦትኦም ዝኸዱ ዝነበሩ ስድራቤት፡ 'ጨኒኹም' ተባሂሎም ካብ ነፋሪት ክወርዱ ብምግዳዶም፡ ነቲ መንገዲ ኣየር ከሲሶሞ።
ዩሁዳ ዮሴፍ ኣድለ፣ ብዓልቲ ቤቱ ጀኒን ንእሽቶ ጓሎምን ናብቲ ዝነብርሉ ክፍለሃገር ሚሺጋን ንምብራር ኣብ ከተማ ማያሚ ኣብ ዝተበገሱሉ እዋን'ዮም እቲ ፍጻመ ኣጋጢምዎም።
ኣባላት በረራ ናይታ ነፋሪት፡ ነቲ ዝኽተልዎ ኣይሁዳዊ እምነት ('ኦርቶዶክስ ጂዊሽ') ዘነኣእስ ርእይቶ ከም ዝገለጹ ይኸሱ።
መንገዲ ኣየር ኣመሪካ (ኣመሪካን ኤየርላይንስ) ብወገኑ፡ እቶም ስድራቤት ብሰንኪ እምነቶም ካብታ ነፋሪት ክወርዱ ከም ዘይተገብሩ ገሊጹ።
ካልኦት ተጓዓዝቲ፡ ኣቶ ኣልደር 'ጨንዩና' ኢሎም ስለዘማረሩ'ዮም ክውረዱ ተገይሮም ይብል።
ይኹን እምበር፡ እቲ ስድራቤት፡ ኣብ ክፍለሃገር ቴክሳስ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ፡ ጸለመ፡ ስሚዒታዊ ጸቕጥን ኣድልዎን ከም ዘጋጠሞም ከሲሶም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣቶ ኣድለር ከም ዝበሎ፡ ስድራቤቱ ናብታ ነፋሪት ምስ ተሰቕሉ ድሕሪ ሓሙሽተ ደቒቕ ሓንቲ ካብ ኣባላት በረራ መጺኣ፡ ህጹጽ ('ኢመርጀንሲ') ነገር ከም ዘጋጠመ ብምሕባር፡ ካብታ ነፋሪት ክወርዱ ኣዚዛቶም።
ካብታ ነፋሪት ምስ ወረዱ፡ እቶም ኣባላት፡ ኣብራሪ ናይታ ነፋሪት ብሰንኪ ጨና ኣካላት ክወርዱ ኣዚዙ ኢሎም ከም ዝሓበርዎም፡ ኣቶ ኣድለር ተዛሪቡ።
እቲ ዘቕረብዎ ክሲ ከም ዝሕብሮ፡ ኣባላት በረራ "ተኸተልቲ 'ኦርቶዶክሳዊ' ኣይሁዳውነት ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ኣካላቶም ከም ዝሕጸቡ ከም ዝፈልጥ ዝገልጽ ዘከሻምሽን ኣነዋሪን ዘረባ ተዛሪቡና" ይብሉ።
ካብታ ነፋሪት ድሕሪ ምውራዶም፡ ነቶም ኣብ መእተዊ ኣፍደገ ዝነበሩ ሰባት፡ ሕማቕ ጨና እንተለዎም ንምርግጋጽ ክጨንውዎም ሓቲቶሞም።
ን20 ዝኾኑ ሰባት ሓቲቶም፡ ዋላ ሓደ ሕማቕ ጨና ዝሸተቶ ከም ዘይረኸቡ እቶም ስድራቤት ይገልጹ።
ሽዑ ንጉሆ ኣካሎም ከም ዝተሓጽቡ ድማ ኣድለር ጠቒሱ።
እቲ ስድራቤት፡ ድሕሪ'ቲ ፍጻመ፡ ናይ ሆቴል ክፍልን መግብን ከም ዝተዋህቦምን፡ ንጽባሒቱ ንጉሆ ምስ እትበርር ዝነበረት ነፋሪት ክጓዓዙ ከም ዝብገሱ ተገይሩ'ዩ።
ንብረቶም ምስታ ፈለማ ዝተበገሱላ ነፋሪት ስለዝኸዱ ግን፡ ሳንጣታቶም ምስኦም ኣይነበረን።
እቲ መንገዲ ኣየር፡ ንማዕከን ዜና ፎክስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ "ስድራቤት ኣድለር ካብታ ነፋሪት ከወርዱ ዝተገብረሉ ምኽንያት፡ ሓያሎ ተጓዓዝቲን ኣባላት በረራን ብዛዕባ ጨና ኣቶ ኣድለር ብምምራሮም'ዮም። እቲ ዝተወስደ ውሳነ ንምቾት ተጓዓዝትና ኣብ ግምእ ብምእታዉ ዝተወስደ'ዩ" ይብል።
"ነቲ ተነቃፊ ዝኾነ ኩነታት ኣብ ምእላይ፡ ኣባላትና ዝወሰድዎ ውሳነ ንሃይማኖት ኣድለር መሰረት ዝገበረ ኣይነበረን" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







