ካፒቴን ተስፋይ ኣምባየ፡ ኣብ 45 ዓመታት፡ 27 ሽሕ ሰዓታት ተጓዒዙ

ምንጪ ስእሊ, CAPITAIN TESFAY
- Author, ግርማይ ገብሩ
- Role, ጋዜጠኛ ቢቢሲ
ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ን45 ዓመታት ፓይለት ኰይኑ ዝሰርሕ ዘሎ፡ ካፒቴን ተስፋይ ኣምባየ፡ ውልቀ ህይወቱ፣ ዓሚቝ ፍልጠቱ፣ ተጓንፎታቱን ሞያዊ ልምዱን ኣካፊሉና ኣሎ።
ካፕቴን ተስፋይ ኣምባየ፡ ብተወሳኺ ሓላፊ መምርሒ ክፍሊ በረራ ኮይኑ እውን ንሓሙሽተ ዓመታት ኣገልጊሉ እዩ።
ወላዲኡ ኣብ ዘበነ ሃይለስላሰ ኣብ ቦጅሩንድ (ሚኒስትሪ ገንዘብ) ሹም ኣታዊ ውሽጢ ዓዲ ስለ ዝነበሩ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብምዛዋር ይሰርሑ ነበሩ።
ንሱ ድማ ኣብ ራያ ከተማ ማይጨው ተወሊዱ።
ወላዲኡ ብስራሕ ስለ ዝዛወሩ፡ ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ምስበፀሐ ድማ ናብ ተንብየን ዓብዪ ዓዲ ከይዱ።
ኣብ ዓብዪ ዓዲ ክሳብ 4ይ ክፍሊ ተማሂሩ።
ብድሕሪኡ ድማ ወላዲኡ ብዕብየት ስራሕ ናብ መቐለ ተዛዊሮም፤ ኣብ መቐለ ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰረተ ትምህርቱ ቀፀለ።
ካልኣይ ብርኪ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ተማሂሩ ሃገራዊ ፈተና ብፅቡቕ ውፅኢት ሓሊፉ።
ብ1966 ዓ.ም ናብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ከደ። እቲ ግዜ ንጉስ ሃይለስላሰ ወዲቖም ግዚያዊ ወታሃደራዊ መንግስቲ ስልጣን ዝሓዘሉ ወቕቲ እዩ ነይሩ።
ካብ ትምህርቲ ቦዅሩ ምስ ሓዉ ኣብ ገዛ ኮፍ በለ።
ሓደ መዓልቲ፡ ወዲ ጎረቤቶም፡ ንፓይለት ስልጠና ዝሓትት ምልክታ ወፂኡ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ኣምፀአ። ተስፋይ ብዙሕ ባህ ኣየበሎን፡ ግን ካብ ኮፍ ምባል ዘይፍትን ኢሉ ተመዝገበ።
ካብቶም ዝተመዝገቡ 600 መናእሰይ ተፃርዮም እንተሓደጉ፡ ኣብ መወዳእታ ብመንፊት ዝሓለፉ 8 ጥራይ ተቝፂሮም። ካብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝተረፈት ዲሲ ስሪ (ዳኮታ) ዝዓይነታ ነፋሪት ምዝዋር ጀሚሩ።
ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ንሓደ ዓመት ሓጋዚ ኮይንካ ኢዩ ዝፅናሕ፤ ፀኒሑ። ኣብዚ ሕዚ እዋን 'ትሪፕል ሰቨን' (ቦይንግ 777) ዝዓይነታ ነፋሪት የሐምብብ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, CAPITAIN TESFAY
"ነፋሪት ሰማይ ተማልእኒ ኣጣል ምሕላው ተመንዩኒ"
ከም ወዮ ቅሙጥስያ ሰማይ ቀረባኡ ከምዝበሃል፡ ነፋሪት ሰማይ ምዝዋር ኣፀጋሚ ኣይኰነን፤ ሓደ ግዜ እንተተኣዚዛ ባዕላ ሸደድ ኢላ እያ ትዕዘር፤ ኣብ ምብጋስን ምዕላብን እዩ ፈታኒ እንትበሃል ንሰምዕ።
እዚ ዘረባ'ዚ ሓቅነት ከምዘለዎ 'ካፒቴን' ተስፋይ ይምስክር።
'ኣውቶ ፓይለት' ዝበሃል ሜላ ኣሎ።
ነዊሕ መገዲ ብኣእዳውካ ምዝዋር ስለዘድክም፡ ባዕላ ከምትኸይድ ምእዛዝ ይከኣል እዩ።
ነገር ግን ንፀጋም ወይ ንየማን ዘውር ዝብል መልእኽቲ ኣብ ዝሰማዕኻሉ ብኣእዳውካ ምትንካፍ ኣይተርፍን።
ኣብተን ዓበይቲ ነፈርቲ ግን ዳርጋ 90 ኢድ ሚኢታዊት ኣብ ባይታ እዩ ዝውዳእ፤ ኩሉ ትእዛዝ መሊእኻ ኢኻ ንሰማይ ትሕምበብ፡ ደሓር ምቁፅፃር እዩ እምበር ተማእዚዛ እያ ትኸይድ።
ነፋሪት ሰፈፍ ኣቢሉ ክትነፍር ዘኽእላ ምሽጥር እንታይ እዩ?
እታ ዓባይ እንብላ ነፋሪት 400 ሰባት ኣሳፊራ እሞ ድማ መምስ ሻናጥኦም ተዳዕኒና ግን ድማ ኣብ ሰማይ ብዘይ መደገፊ ከመይ ኣቢላ ሰፈፍ ኢላ ክትከይድ ክኢላ? ዝብል የተሓታትት እዩ።
ካፒቴን ተስፋይ ሓደ እዋን ኣብዱል ዝብሃል መሓዝኡ ዝነገሮ ተጓንፎ ይገልጽ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቈልዑ ገዛውቲ፡ "ነፋሪት እባ ከመይ ኢላ እያ ትነፍር?" ኢሎም ብምሕታት ይካትዑ ነበሩ።
ገሊኦም ብሳላ መንፈራ ኢያ ሰፈፍ ትብል ይብሉ፤ ገሊኦም ድማ ብሞተራ እባ ይብሉ።
ኣብ መንጉኡ ንቶም ኣብ ጥቓኦም ዝነበሩ ሽምግል ዝበሉ ዋርድያ ንሕተቶም ኢሎም ከዱ።
እቶም ዋርድያ ኩሉ ነገር እፈልጥ እየ በሃሊ እዮም። እቶም ቈልዑ ቅርብ ኢሎም ሓተትዎም።
ኩሎም ዘቕረብዎ መካትዒ ሓሳቦም እውን ነገርዎም።
ሰብኣይ ትቕብል ኣቢሎም "ኩልኹም ኣይትፈልጥዎን፤ ክልተ ጋኔናት ኣለዉ፤ እቲ ሓደ ናይ መሬት እቲ ካልኣይ ድማ ናይ ሰማይ ጋኔን ይበሃሉ።
እቲ ናይ መሬት ጋኔን ካብ መሬት ኣሐምቢቡ የበግሳ እሞ፡ ናዓ እንካ ተቐበል ኢሉ ነቲ ናይ ሰማይ የረክቦ። ጋኔን ሒዙዋ ሰማይ ንሰማይ ይዕዘር፤ ክትዓልብ እንከላ በል ንስኻ ድማ ተቐበለኒ ኢሉ ነቲ ናይ መሬት የቐብሎ፡ ኣብ ዘይትፈልጥዎ ነገር ኣይትካትዑ" ኢሎም መልሲ ሃቡ።
ናብቲ ቅዉምነገር እንትንምለስ፡ ብመሰረት ሞያዊ መብርሂ ካፒቴን ተስፋይ ኣምባየ፡ እቲ ምሽጥር ኣብ ሞተርን ኣብ መንፈር እታ ኣውሮፕላን ዝህሉ ሕጊ 'ኤሮ ዳይናሚክስ' ምዃኑ ምፍላጥ ይከኣል።
45 ዓመታት ኣብ ሰማይ

ምንጪ ስእሊ, CAPITAIN TESFAY
ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓደ ካፒቴን ቅድሚ ሎሚ፡ ኣብ 60 ዓመቱ ጥሮታ ይወፅእ ነይሩ።
ደሓር ኣብ 65 ዓመታት ክኸውን ኣለዎ ተባሂሉ። ስለዝዀነ እምበኣር፡ ካፒቴን ተስፋይ ኣምኣየ ኣብዛ ሒዝናያ ዘለና ወርሒ ጥቅምቲ 65 ዓመቱ መሊኡ፡ ብጥሮታ ነፋሪት ካብ ምዝዋር ዕረፍቲ ክገብር እዩ።
45 ዓመታት ብዘይምቁራፅ ነፋሪት ኣብሪሩ። ኣብ ውሽጢ 45 ዓመታት፡ 27 ሽሕ ሰዓታት ተጓዒዙ ልዕሊ 100 ሃገራት ረጊፁ።
"ኣነ ልዕሊ ዕድመይ እየ ዝነብር ዘለኹ፤ ዳርጋ ናይ ካልእ ሰብ ዕድመ እየ ዝነብር ዘለኹ ኢለ እሓስብ። ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ኣብታ ዘላቶ ዕድመ፡ ዝተወሰኑ ነገራት ጥራይ እዩ ክገብር ዝኽእል። ኣነ ግን ካብቲ ዝተወስነ ነገራት ንላዕሊ ስለዝረኣኹ፡ ካብቲ ዝተፈቐደለይ ዕድመ ንላዕሊ ዝነበርኩ ይመስለኒ" ይብል ካፒቴን ተስፋይ።
ሓደ ሓደ እዋን፡ እቲ ኢትዮጵያ ምስ ማዕበለት ድሕሪ 50 ዓመታት ክትበፅሖ ዝግመት ኣብ ካልእ ሃገር ስለዝርእዮ፡ እቶም ኣብ ሃገርና ዘለዉ ሰባት ክሳብ ዝርእይዎስ ኣነ ኣቐዲመ ርእየዮ ኣለኹ ዝብል ስምዒት ይሓድሮ።
ወግሐ ፀብሐ ካብ ገዛ ናብ ስራሕ ኢልካ ወፂእኻ፡ ናብ ሰማይ ምድያብ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። "ዝርደአካ ቤተሰብ ክህልው ኣለዎ፤ ካብታ ዘላትካ ግዜ ቆንጢርካ ድማ ምስ ቤተሰብ ከተሕልፍ ኣለካ። ከምቲ ናይ ካልእ ሰብ እውን ማሕበራዊ ህይወትካ ዝተረጋገአ ኣይኸውንን። ኩሉነገር ሕማቕን ፅቡቕን ጎንታት ኣለዎ ኢልካ ትሓስብ እሞ ትቕበሎ" ይብል።
ኣብ ውሽጢ 45 ዓመታት ወላ ብጣዕሚ ብዙሕ ፀገማት እንተጓነፎ፡ እዚ እዩ ዝበሃል ዝኸፈአ ሓደጋ ግን ኣይበፀሖን፤ እኳ ደኣስ ንባዕሉ ሓደ ካብቶም ዕድለኛታት ገይሩ ይቘፅር።
ሓደ ሞተር ምጥፋእ ዳርጋ ልሙድ እዩ። ሓደ መዓልቲ ካፒቴን ተስፋይ ኣምባየ ነፋሪት ኣሕምቢቡ ይለዓል። ሸውዓተ ደቓይቕ ምስተጓዓዙ ኣብ ዘይቲ ሞተር ዋዒ ይፍጠር እሞ ዘይቲ ይጐድል።
እቲ ሓበሬታ ካብ ሓጋዚኡ እዩ ሰሚዒዎ። ብድሕሪኡ ምልክት መጠንቀቕታ ቀይሕ እንተይበርሀ ሞተር ኣጥፊኦምዎ። ካብ ክልተ ሞተር ሓንቲ እንተጠፊኣ ጉዕዞ ምቕፃል ዝበሃል ኣይሕሰብን። ቅልጥፍ ኢሎም ናብታ ዝነበርዋ ናብ ባይታ ተመሊሶም። ብኸምዚ ህይወት ብዙሓት ድሒኑ።
"ኣብ ሰማይ እንተለኻ ሓንቲ ሞተር እንተጠፊኡ ቀሊል እዩ፤ ነፋሪት ካብ ባይታ ንኽትለዓል ኣብ ትገብሮ ናህሪ ሞተር እንተጠፊኡ ግን ከቢድ እዩ። ኣብ መወዳእታ 'ኪድ ኣይትኺድ' ትበሃል ፃት ኣላ። ኣብታ ቅፅበት እቲኣ ወላ ሞተር ይጥፋእ ደው ምባል ኣይሕሰብን፤ ብግድን ካብ ባይታ ክትለዓል ኣለካ። ምስተለዓልካ ግን ኣይትቕፅልን፤ ዘይርካ ብቕልጡፍ ናብ ባይታ ክትምለስ ኣለካ። እዚ ግን ሓልሓሊፉ ዘጓንፍ ፀገም እዩ።
ከምቲ ኣብ መኪና ዘጓንፍ ኣብ ጉዕዞኻ ነዳዲ ናይ ምውዳእ ቀይሕ ምልክት ምርኣይ ብስሩ ኣየዛልቕን። ኩሉ ምድላው ኣብ ባይታ ስለዝውገን እኹል መሐለውታ ነዳዲ ሒዝካ ኢኻ ትጓዓዝ።
ኣብዚ ሎሚ እዋን፡ ካብ መኪና ምዝዋር፡ ነፋሪት ምሕባብ ይቐልል፥ ካብ መኪና ዝያዳ ኣብ ነፋሪት ድሕንነትካ ዝተሓለወን ውሕሱን እዩ ይብል ካፒቴን ተስፋይ።
ሕሉፍ ሓሊፉስ ኣብቲ ሎሚ በፂሕዎ ዘሎ ረቂቕ ቴክኖሎጂ መንገዲ ኣየር፡ ክልተ ነፈርቲ ከይላተማ፡ ኣቐዲሙ ዝሕብር ዘበናዊ ስርዓት ኣለወን። ክልቲኤን ተናቢበን እታ ሓንቲ ልዕል እታ ካልአይቲ ድማ ትሕት ኢለን ንኽመሓለፋ ዝነግር ቴክኖሎጂ ተግባራዊ ይኸውን ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, CAPITAIN TESFAY
ምስለ በረራ
ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተቘፂሩ ዝሰርሕ ኣብራሪ በብሽድሽተ ኣዋርሕ፡ ናብ ምስለ በረራ ብግድነት ይኣትው። ናብ'ታ ኣብ መሬት ዘላ ነፋሪት ትኣትዉ እሞ ኣብ ሰማይ ዘለኻ ክሳብ ዝመስሎ ይሕንበብ።
እቶም ከጓንፉ ዝኽእሉ ሓደጋታትን መፍትሒኦምን ብዝምልከት ይፍተን።
ካብ'ኡ ብተወሳኺ በብሽድሽተ ኣዋርሕ፡ ጥዑይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ንምርግጋፅ ሕክምናዊ መርመራ ይግበረልካ።
ከምታ መርከብ ኣብ ባሕሪ ዘጓንፋ ማዕበል እሞ እናተላገዐት ትጓዓዝ፤ ነፋሪት እውን ሓጐፅጐፅ የጓንፋ። ብሰንኪ ዋዕን ዛሕልን ንፋስ ዝፈጠር ሓጐፅጐፅ እዩ።
መቸስ ፍርሒ ዘየምፅኦ የብሉን እሞ፡ ብዛዕባ ነፋሪትን ዘወርታን ብዙሕ እዩ ዝዝረብ። ክእለት ዘዋሪ ነፋሪት (ፓይለት) ኣብ ምልዓልን ምዕላብን እዩ ይበሃል። ብፍላይ ክትዓልብ እንከላ ሰተት ኣቢሉ ዘዕለበ ዘዋሪ፡ ንፉዕን ምኩርን ይበሃል። እንተደኣ ዱጭ ኣቢሉ ኣውዲቕዋ ግና ኣይመለኻን ማለት እዩ ዝበሃል ግምታዊ ዘረባ፡ ብዓይኒ በዓል ሞያ ከመይ ኰን ይረአ?
"መግለፂ ክኢላን ዘይክኢላን ኣይኰነን፤ መፈተኒ እውን ክኸውን ኣይኽእልን" በለ ካፒቴን። ነፋሪት ብሃበተረኽበ ኣይኰነትን ትዓልብ፤ ኣበይ ክትዓልብ ከምዘለዋ ፍሉጥን ሕንፁፅን እዩ። ማቻ ዝህብ ኣተዓላልባ 'ስሙዝ ላንዲንግ' ክመርፅ ኢልካ ናብ ገደል ምእታው እውን ኣሎ።
"መመዘኒና ማቻ ይሃሉ ኣይሃሉ ብዘየገድስ፡ ኣብታ ክዓልበሉ ዝግባእ ዝተወሰነ ቦታ ተንኪፋ ዶስ ኣይተንከፈትን እዩ። ከምቲ ብልምዲ ዝርከብ ፅቡቕ ኣተዓላልባ፤ ዝተጋነነ ሓፍ ኮፍ እንተዀይኑ ድማ ካብ ልምዲ ምንኣስ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ"
'ብላክ ቦክስ' (ቁራዕ ሓበሬታ) እንታይ እዩ?
'ብላክ ቦክስ' ነፋሪት ተሓምሺሻ እንትበሃል፡ ከም ቁራዕ ሓበሬታ ተወሲዳ፡ ጠንቂ ምሕምሻሽ እታ ነፋሪት መረዳእታ ዝርከበላ ማዕኸን ምዃና ንሰምዕ።
ካፒቴን ተስፋይ ኣምባየ "ሰብ ቅድሚ ምሟቱ ተናዚዝዎ ዝኸይድ፤ ከምቲ እንታይ ኰን ሓዲጉ ከይዱ እንብሎ ዓይነት ገይርና ንውሰዶ።
ብፍላይ ቅድሚ ምዕራፉ ኣብ ዝነበራ 30 ደቓይቕ እንታይ ኢሉ ይነብር ዝብል ሓበሬታ ዝህብ እዩ" ይብል።
'ብላክ ቦክስ' ቅድሚ 30 ደቕይቕ ዝነበረ ሓበሬታ እናሓዘ እናጥፍአ እዩ ዝከይድ።
ኣብታ ናይ መወዳእታ 30 ደቓይቕ ንዝነበረ ኩነት ዝመዝገቦ ሓበሬታ ትርኽበሎ ማዕከን እዩ።
ኣብታ ነፋሪት ቅድሚ ሓደጋ ምብፅሑ፡ እንታይ እዩ ኣጓኒፉ? ድምፅን ዳታን እዩ ዝምዝግብ።
ኣብቲ ድምፂ እቶም ዘወርቲ ነፋሪት እንታይ ይዘራረቡ ነይሮም ዝብል ቀሪፁ የፅንሕ።
ኣብቲ ዳታ ድማ ብጣዕሚ ብዙሓት መረዳእታ መዝጊቡ ዝሕዝ እዩ።
እዚ ኣገዳሲ መረዳእታ ዘፅንሕ 'ቁራዕ' ምእንቲ ብቐሊሉ ከይበላሾ ተባሂሉ ኣብ ጭራ እታ ነፋሪት እዩ ዝቕመጥ።
ምክንያቱ እቲ ኣብ ከባቢ ጭራኣ ዘሎ ኣካል ካብ ሓደጋ ናይ ምትራፍ ዕድል ስለዘለዎ። ስለ'ዚ ክኢላታት ነታ መረዳእታ ዝቛፀረት ቁራዕ ወሲዶም መርመራ ብምክያድ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ንኽፈልጡ ይሕግዞም።
ሓደ ካፒቴን ዝፀረየ ስነ ምግባር ክህልዎ ይግባእ።
ካፒቴን ኮይንካ ኣብ ትሰርሐሉ እዋን መስተ፣ ጫት፣ መዐወኒ እፅ ምውሳድ፣ ሽጋራ ምስታይ ዝኣመሰሉ፡ 'ውጉዝ ከም ኣርዮስ' እዩ።
ስርዓት ኣመጋግብኡ ዝተሓለወ፣ እኩል ድቃስ ዝወስድን ግቡእ ኣካልዊ ምውስዋስ ዝገብርን ክኸውን ይግባእ።
ስነ ምግባር ፓይለት ብዝግባእ ክትግበር ኣለዎ። መንገዲ ኣየር ኢዮጵያ ድማ፡ ኣብ መትከል ሓለዋ ስነ ምግባር ፓይለት ኣይዋገን ይብል ካፕቴን ተስፋይ።
ብፅፈት ዝሰረሐ ዝሽለመሉን ዝዓበየሉን፡ ዘጥፈአ ብዘይንሕስያ ስጉምቲ ዝውሰደሉን ዓብዪ ትካል እዩ ይብል።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓደጋ ብዙሕ ዘየጓንፎ፣ ብዙሓት ዝመርፅዎ፣ ውሕሱን ዘተኣማምንን ምዃን ድማ ብዙሓት ይምስክሩ።
ነዚ ድማ ብቐዳምነት ዝስራዕ ስነ ምግባር ሰብ ሞያ እቲ ትካል ምዃኑ ካፒቴን ተስፋይ ይገልፅ።
ኣብ ዘበነ ህይወቱ ከምቲ ሕጉስ ኰይኑ ሃገራት ዘቋርፀሉ፡ ከብዱ ዝበልዕ ሓዘን እውን ኣጓኒፍዎ እዩ።
ኣብ ደሴት ኮሞሮስ ተጨውያ ዝተሓምሸሸት፣ ኣብ ቤይሩት ዘጓነፈ ሓደጋ የሕዝንዎ።
ልዕሊ ኹሉ ግን ይብል፡ "ኣብ ቀረባ ኣብ ደብረዘይት ዘጋጠመ ሓደጋ፡ እሞ ድማ እቶም ፓይለታት ወላ ሓንቲ ክገብሩ ብዘይምኽኣሎም ዘጓነፈ ምስ'ቲ ምዃኑ ካብ ከብድኻ ብቐሊሉ ዘይወፅእ ሓዘን እዩ ይብል።
እቲ ዋና ፓይለት ምስ ካፒቴን ተስፋይ ተሓጋጋዚ ኰይኑ ይሰርሕ ምንባሩ ብምዝካር፡ ንመፃኢ ተስፋ ዝነበሮ ንፉዕን እርኑብን እዩ ነይሩ ብምባል ይገልፆ።
ካፒቴን ተስፋይ መቸስ ኣብ ጉዕዞ 45 ዓመታት ምስ ክንደይ ፍሉጣት ሰባት ተራኺብካ ኢልካ ምሕታት ይኸብድ እዩ።
ምስ ብዝሖም ዘይዝክሮም ስሙያትን ለባማትን ሰባት ተራኺቡን ኣብ ከይዲ ጉዕዝኡ ዘትዩን እዩ።
ብፍላይ ምስ ነብስሄር ቀዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊ ሰለስተ ግዜ ዝኸውን ተራኺቦም።
"ምስ መለስ ተራኺብካ ምውጋዕ እናደለኻ ኰይኑ ግና መለስ መጽሓፍ እናንበበ ስለዝኸይድ፡ ንወግዒ ዝኸውን ዕድል ኣይርከብን። ሓደ እዋን ግን መጽሓፍ ኣቕምጥ ኣብ ዘብለላ ሒደት ደቒቕ ኣዛሪበዮ ነይረ" ይብል።
ካፒቴን ንመለስ እንትገልፆ፡ ወላ እውን ኣብ ጉዕዞ ኰይኑ ብዛዕባ ስራሕ ምሕታት ይመርፅ።
ንኽተውግዖ ድማ ባህሪኡ ኣዝዩ ምቕሉል እዩ ይብል።
ጅግና ሲኤን ኤን 2019 ፍረወይኒ መብራህቱ፡ ሓንቲ ካብቶም 10 ጀጋኑ ኰይና ኣብ ዝተሓረየትሉን ንናይ መወዳእታ ውፅኢት ናብ ኣመሪካ ኣብ ተምርሐሉን ግዜ ዋና ካፒቴን ኰይኑ ነፋሪት ሒዙ ጎፍንጎፍ ተራኺቦም።

ምንጪ ስእሊ, CAPITAIN TESFAY
ካብ ኣዲስ ኣበባ ብዳብሊን ኣየርላንድ ኣቢላ ናብ ዋሽንግተን ኣብ ትጓዓዝ ነፋሪት፤ ክሳብ ዳብሊን ባዕሉ ሒዙ ካብ ዳብሊን ክሳብ ዋሽንግተን ድማ ከም ተጓዓዛይ ኰይኑ ስለዝኸደ ምስ ፍረወይኒ ተላልዮም፤ ብዙሕ ኣዋጊዖም።
ብስም መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ንፍረወይንን ስድራኣን ልዑል ክብሪ ብምሃብ ፍረወይኒ ምሉእ ዓወት ንኽትረክብ ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁላ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ቀዳመይቲ ኰይና ዓወት ምጽምባላ ሰሚዑ፡ ዝተኣማመነላ እኳ እንተነበረ ዝያዳ ልዑል ሓበን ተሰሚዕዎ።
ካብ ነፋሪት ሰማይ "ኣውርዱኒ" ዝብል መሊኡ
ካፒቴን ተስፋይ ነፋሪት ካብ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ ኣበጊሱ፡ ኣጋይሽ ኣሳፊሩ ናብ ቦምበይ ህንዲ ይሕምበቡ ኣለዉ።
ካብ ምዕራብ ኣፍሪካ ዝተሳፈሩ ብዙሓት ገያሾ ነይሮም።
ኣብ ወያ ነፋሪት ሓደ ህንዳዊ ምስ ናይጀራዊ ተባኢሶም፡ ሕልኮን ቅልስን ክጅምሩ እንትብሉ፡ ካፒቴን ገላገሎም።
እቲ ናይጀራዊ "ደሓን ናብ ቦምበይ ንብፃሕ እሞ ከርእየካ እየ" ኢሉ ተሓነየ።
ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ሽንኩርሒት ዝገጥም ጥራይ እንተይኰነስ ሰኺሩ 'ላልምባየ ላሎ' ዝደርፍ መሊኡ።
ኣብ መንጎ ብር ኣቢሉ ኣሕልፉኒ ክወርድ እየ ኢሉ ብሓዞ ትሰዶ ኮፍ ዝብል: ንእሽተ ተበላሽያ ኣላ ኣዐሪናያ ክንቅፅል ኢና እንተኢልካ፡ ኣነ ቀደሙ እውን ነብሰይ ነጊሩኒ እዩ ኣእጋረይ ይሰበራ ደጊመ ኣይሳፈርን ዝብል የጓንፍ።
ካፒቴን ተስፋይ ኣምባየ፡ ኣብ 45 ዓመታት ዝረኣዮም ተጓንፎታት ኣብ ሓፂር ግዜ ተዛሪብካ ኣይውዳእን።
ደጊም ብጥሮታ ተሰናቢቱ፡ ባይታ ሒዙ ልምዱ ንመናእሰይ ዘሕልፈሉ ግዜ ክህልዎ እዩ። ታሪኹ ንምስናድ እውን መዲቡ ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







