ኣብ ኣውስትራልያ 'ዝደቀሰ' ፓይለት ንመዕለቢኡ ሓሊፍዎ ከይዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣውስትራልያ፡ ፓይለት ናይ ሓንቲ ንእሽቶ ነፋሪት ብምድቃሱ፡ ካብ መዕለቢኣ ኣስታት 50 ኪሎሜትር ሓሊፋ ከምዝኸደት ሰብመዚ ገሊፆም።
ኣብታ ነፋሪት ዝነበረ ብሕታዊ ሰብ፡ እቲ ኣብራሪ ክኸውን ከሎ፤ እታ ነፋሪት ድማ ናይ ኣቑሑት ፅዕነት እተመላልስ እያ።
እቲ ፍፃመ 8 ሕዳር ከምዘጋጠመ ድማ ሰብ መዚ ኣፍሊጦም።
እዚ ኣጋጣሚ ከም ድኽመት ተራእዩ፡ ብቢሮ ድሕነት መጓዓዝያ ኣውስትራልያ (ATSB) ምጽራይ ይግበረሉ ኣሎ።
ይኹን እምበር እዚ ፓይለት ከመይ ኣብ መሬት ቅድሚ ምዕራፉ ክንቅሕ ከምዝኸኣለ፡ ሰብመዚ እታ ሃገር ዝሃብዎ ሓበሬታ የለን።
እዛ ስርሓት ቮርቴክስ (Vortex) ዝኾነት PA-31 ዝዓይነታ ነፋሪት 240 ኪሎሜትር ርሕቐት ተጓዒዛ ብኣቆፃፅራ ሰዓት እቲ ከባቢ 07:15 ክትዓርፍ ይግባእ ነይሩ።
በዓልሞያ ኣቭየሽን ኒል ሃንስፎርድ፡ ኣውስትራልያ ኣብ ጉዳይ ስምዒት ድኻም ዝተሰምዖም ፓይለታት፡ ስጡም ሕጊ ከምዘለዋ ገሊፆም።
"ኣብ መላእ ዓለም ዝደኸሞ ፓይለት፡ ነፋሪት ከብርር ኣለዎ ዝብል መስርሕ የለን" ክብሉ ድማ ንኮርፖሬሽን ብሮድካስት ኣውስትራልያ ተዛሪቦም።
ቢሮ ድሕነት መጓዓዝያ ኣውስትራልያ ግና ናይ ዝቕፅል ዓመት ፀብፃብ ቅድሚ ምድላዉ፡ ነቲ ፓይለት ከምዘዘራርቦ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ናብ ኪንግ ኣይስላንድ እተምርሕ ዝነበረት ነፋሪት ተሓምሺሻ ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም እዮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







