ኣብ ማያንማር ሓንቲ ነፋሪት መጓዓዝያ ብዘይ ናይ ቅድሚት ጎማ ዓሊባ
ማያንማራዊ ፓይለት፡ ነታ ዘብርራ ነፋሪት መጓዓዝያ ብዘይ ናይ ቅድሚት ጎማ ብሰላም ክትዓልብ ገይሩ።
ብመገዲ ኣየር ናሽናል ማያንማር እትውነን ነፋሪት መጓዓዝያ ኣብ መሬት ምስ ዓለበት ቅድሚ ደው ምባላ ኣብቲ መዕለቢ ኣንሸራሪታ'ያ።
ፓይለት፡ እታ ነፋሪት ብሰላም ክትዓልብ ብምግባሩ ክሽለም ከሎ፡ ካብ 89 ተጓዓዝቲ ዋላ ሓደ ጉድኣት ዝበፅሖ የለን።
እቲ መገዲ ኣየር ከም ዘፍለጦ፡ ካፒተን ምያት ሞ ኣውንግ፡ ብልዕሊ'ቲ መዓርፎ ነፈርቲ ክልተ ግዜ ብምዟር፡ ናይ ቅድሚት ጎማ ምውፅኡን ዘይምውፅኡን፡ ንተቖፃፀርቲ ትራፊክ በረራ ሓቲቱ'ዩ።
ካብ ያንጎን [ኣብ ማያንማር ዝዓበየት ከተማ] ዝተበገሰት ነፋሪት፡ ማንዳላይ ናብ ዝተበሃለት ካልእ ከተማ ምስ በፀሓት ናይ ቅድሚት ጎማኣ ክዝርጋሕ ኣይከኣለን።
ሽዑ እቲ ፓይለት ኣብ እዋን ሓደጋ ክፍፅሞም ዝግባእ ንጥፈታት ከተግብር ጀሚሩ። ክብደት እታ ነፋሪት ንምንካይ'ውን ሕልፊ ንዝነበረ ነዳዲ ክቃፀል ገይሩ።
ሚንስተር መጓዓዝያ ማያንማር ዊን ክሃንት "እቲ ፓይለት ዝነኣድ ተግባር ፈፂሙ" ክብል ንወኪል ዜና ሮይተርስ ተዛሪቡ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







