ተዘክሮታት ሄሊኮፕተር ሒዙ ናብ ጂቡቲ ዝኸደ ካፒቴን በሃይሉ

ካፒቴን በሃይሉ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ ምስ ኣዲኡ ምስተራኸበ

ምንጪ ስእሊ, TARIKU DESALEGN FACEBOOK

1 ሰነ 1997 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ (2005) ንመንግስቲ ክቃወሙ ኣብ ልዕሊ ዝወፁ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተወሰደ ዓፀፋዊ ምላሽ ንብዙሓት ዘሰንበደ ነይሩ።

ካፒቴን በሃይሉ ገብሬ ሽዑ ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ ነይሩ። ናይቲ ዝተወልዐ ምንቅስቓስ ኣካል ኮይኑ'ውን ተሳቲፉ።

ነቲ ዝተወሰደ ስጉምቲ ብምቅዋም ምስ ካልእ ኣባል ሓይሊ ኣየር ሓለቓ ሚኢቲ ኣብዮት ማንጉዳይ ኮይኖም፡ MI35 ዝተባሃለት ሄሊኮፕተር ውግእ ሒዞም ካብ ድሬዳዋ ናብ ጂቡቲ ኣምሪሖም።

"ተቓውሞይ ንምግላፅ ዝመረፅኩ እቲ ሽዑ ዝነበርኩሉ ኩነታት ብዝፈቐደለይ መገዲ'ዩ። ቀልቢ ክስሕብ'ዩ ኢለ ስለዝኣመንኩ ሄሊኮፕተር ሒዘ ናብ ጂቡቲ ምኻድ መሪፀ" ይብል።

ይሰርሓሉ ኣብ ዝነበረ ሓይሊ ኣየር ብዙሓት ዘይፍትሓዊ ተግባራት ይዕዘብ ከምዝነበረ ዝዛረብ ካፒቴን በሃይሉ፡ ነቲ ስጉምቲ ዝወሰደ ግን ኣብ ጎኒ ህዝቡ ኮይኑ ተቓውምኡ ንምግላፅ ከምዝነበረ ይገልፅ።

ጂቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐረበት ምዃና ነታ ሃገር ከምዝመረፀን ጉዕዝኡ ምስጢራዊ ከምዝነበረን ይዛረብ።

ንዶብ ኢትዯጵያ ሰጊሩ ክሳብ ዝወፅእ በረርኡ ሕቡእ (ስዉር) ነይሩ። "ካብ ራዳር ንኽሕባእ ብዝተሓተ ብራኸ ይበርር ነይረ" ኢሉ።

ኣብ ጂቡቲ ምስ በፅሐ ድማ ዝመፀሉ ኩነታት ንትራፊክ ኣየር እታ ሃገር ኣፍሊጡ ንኽዓልብ ፍቓድ ሓቲቱ። ድሕሪ 10 ደቒቓ ፍቓድ ረኺቢ ክዓልብ ኪኢሉ።

ኣብ ጂቡቲ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ እንግሊዝ 'ኳ ዕቑባ እንተሓተተ ተቐባልነት ግን ኣይረኸበን።

ሽዑ "ኣብ ሶማሊላንድ ዝርከብ ኤምባሲ እንግሊዝ ክቕበለካ ፍቓደኛ ኮይኑ'ሎ" ዝብል መታለሊ ሓበሬታ ከምዝተውሃቦ ይዛረብ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ጂቡቲ ብምዝርራቡ፡ ንሱን ምስኡ ዝነበረ ሓለቓ ሚኢቲ ኣብዮትን ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልታት ፃንሒት፡ ጂቡቲ ንኢትዮጵያ ኣሕሊፋ ሂባቶም።

እዚ ግን ካብ ዝተፀበይዎን ዝገመትዎን ወፃኢ ነይሩ።

ፍትሓዊ ኣይኮነን ክብሉ ብዝቃወምዎ ስርዓት ክፍረዶም ድማ ግድን ኮይኑ። ኣብቲ ዝተትሓዙሉ እዋን መግረፍቲ፣ ስቅያትን ገልታዕታዕን ከምዝበፅሖም ይዛረብ።

ብፍላይ ኣብተን ናይ መጀመርታ ክልተ ዓመታት ኣብ ፀልማት ገዛ ካብ ምእሳሩ ብተወሳኺ፡ ናብ ቤት ፍርዲ'ውን ኣይቐረበን።

ካፒቴን በሃይሉ

ምንጪ ስእሊ, TARIKU DESALEGN FACEBOOK

ግዜ ማእሰርቲ

ንሱ ዕድመ ልክዕ፡ መሓዝኡ ድማ ማእሰርቲ 15 ዓመት ተፈሪድዎም ነይሩ። ድሕሪ ማእሰርቲ 13 ዓመታት ቅድሚ ሰሙናት እዩ ተፈቲሑ።

ኣብ ፀልማት ገዛ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነቲ ዘስካሕክሕ ኩነታት ካብ ምርሳዕን ምኽሓድን ወፃእ ካልእ ኣማራፂ ከምዘይነበሮ ይገልፅ።

"በሃይሉ ኣይተኣሰረን፤ ኣብዚ ዘሎ እሱር ኣነ ኣይኮንኩን እናበልኩ ንባዕለይ የፅናዕንዕ ነይረ" ክብል ተዛሪቡ።

ከምኡ ክገብር ምኽኣሉ ኩነታት ጥዕንኡ ንኽሕሎን ተስፋ ንከይቀብፅን ከምዘኽኣሎ ይገልፅ።

ማእሰርቱ ንዕኡ ጥራሕ ዘይኮነስ ንስድርኡ'ውን ከምዝፀለወ ይዛረብ።

"ይብፅሓዮም ኣይብፅሓዮም'ኳ እንተዘይፈለጥኩ ኣብኡ ኮይነ ግን ናብ ስድራይ መልእኽቲ ይልእኸ ነይረ" ይብል።

ብፍላይ ኣዲኡ ዘላትሉ ኩነታት ክፈልጥ ብዘይምኽኣሉ የጨንቖ ከምዝነበረ'ውን ይገልፅ።

"ኣነ ሓንሳብ ኣብ ፀገም ኣትየለኹ፤ ኣደይን ካልኦት ቤተሰበይን እንታይ ይሓስቡ ይህልዉ? ከመይከ ኣለዉ? ዝብል የሕስበኒ ነይሩ"

ናፅነት ካብ ማእሰርቲ

መንግስቲ ብምኽንያት ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝተኸበረ በዓል ዒድ ካብ ዝፈትሖም እሱራት ሓደ ካፒቴን ሃይሉ ነይሩ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዋይ ንውላዳ ትፅበ ዝነበረት ሓንቲ ኣደ እናነብዐት ተምበርኪኻ ትረአ ነይራ። ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ ኣብ ቅድሚኣ ተደፊኡ ንመሬት ዝስዕም ሰብ ድማ ወዳ ካፒቴን በሃይሉ'ዩ።

እዚ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ ገፃት ብብዝሒ ተዘርጊሑ ይርከብ።

ካፒቴን በሃይሉ ነቲ ኩነታት ክገልፅ ከሎ "እዛ መሬት ኣቕሊልካ እትረአ ኣይኮነትን። ብዙሕ መስዋእቲ ዝተኸፈለላ ሃገር ብምዃና፡ ዋላ እንተዘይተመቸወና ብናፅነት ወፂና እንኣትወላ ክትኸውን ግን ኣለዋ" ይብል።

ንመሬት እናሰዓመ ሓጎሱ ዝገለፀሉ መገዲ ብዝምልከት ድማ "ንሕና ንኽንፍታሕ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ኣሎ። ሰባት ወዲቖም፤ ደም'ውን ፈሲሱ። ነቲ መሬት ዝሰዓምክዎ'ውን ነቶም መስዋእቲ ዝኸፈሉን ንህዝቢ ኢትዮጵያን ንምምስጋን እዩ" ኢሉ።

"ካብ ስድራይን መሓዙተይን ካብ ዝርሕቕ ነዊሕ ግዜ ኮይኑኒ'ሎ። ንኹሎም ምርካበይ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሓጎስ ፈጢሩለይ" ክብል ተዛሪቡ።

ክፍትሕ'የ ዝብል ተስፋ ኣይነበሮን።

"እቲ ሕዚ ኣብዛ ሃገር ዝተፈጠረ ለውጥን ቃልሲ ህዝብን ዝፈጠሮ ማዕበል ካብ ማእሰርቲ ክወፅእ ኣኽኢሉኒ" ዝብል ካፒቴን በሃይሉ፡ ስድርኡን ነበርቲ ኣለም ጤናን (ስድርኡ ዝነብሩሉ ከባቢ) ወፂኦም ክቕበልዎ ከምዘይተፀበየ ይሕብር።

ነዚ ድማ ዝለዓለ ምስጋና የቕርብ። መፃኢ ግዜ ብሩህ ከምዝኾነ'ውን ይገልፅ። እቶም ይረኣዩ ዘለዉ ለውጥታት ክቕፀሉ ብምሕባር "እዛ ሃገር ሓደ ፓይለት ንምስልጣን ዝለዓለ ወፃኢ ይሓታ። ኩነታት እንተተቐይሩ ብሞያይ ንሃገረይ ከገልግል እደሊ" ክብል ይዛረብ።