ኣብረርቲ ነፋሪት፡ ቅድሚ በረራ ኣብ ግላስጎው ተኣሲሮም

ምንጪ ስእሊ, Spindrift
ክልተ ኣብረርቲ ነፋሪት ዩናይትድ ኤይርላይንስ ካብ ግላስጎው ናብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተመደበ በረራ ናይ እስትንፋስ መርመራ (መርመራ መስተ) ብዘይምግባሮም ተኣሲሮም።
እቶም ወዲ 45ን ወዲ 61ን ክሲ እኳ እንተዘይተመስረተሎም ኣብ ቀይዲ ከም ዘለዉን ንሰሉስ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ትጽቢት ከም ዝግበርን ይግለጽ።
ፖሊስ ስኮትላንድ እቶም ኣብረርቲ ብኣቆጻጽራ እንግሊዝ 07፡35 ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝተጸውዑ ኣረጋጊጹ።
እቶም ኣብረርቲ ንነፋሪት UA162 ከብርሩ ኣብ ዝተዳለውሉ ኢዮም ተኣሲሮም።
እታ ነፋሪት ከባቢ ሰዓት 09፡00 ናብ ኒዮርክ ኣሜሪካ ክትበርር እኳ መደብ ተታሒዙላ እንተነበረ፡ እቲ በረራ ተሰሪዙ።
ዩናይትድ ኤይርላይንስ ዘውጽኦ መግለጺ "ድሕነት ዓማዊልናን ሰራሕተኛታት በረራን ኩሉ ግዜ ቐዳምነትና ኢዩ" ይብል።
ንሱ ብተወሳኺ "ኩሉም ሰራሕተኛታትና እቲ ዝለዓለ ከማልእዎ ዝግብኦም ኢዮም ዝሕተቱ፡ ኣብ መስተ ዘለና ፖሊሲ ድማ ፍጹም ሕድገት ዘይገብር ኢዩ። እዞም ኣብረርቲ ሽዑ ንሽዑ ኢዮም ካብ መዝነቶም ተኣልዮም። ምስ ሰብ መዚ ድማ ዘድሊ ምትሕብባር ንገብር ኣሎና። ኣብዚ እዋን ዓማዊልና ብኸመይ ቀልጢፎም ጉዕዞኦም የሰላስሉ ኢና ንሓስብ ዘሎና" ኢሉ።
ፖሊስ ስኮትላንድ ብወገኑ ክልተ ኣብረርቲ ንሕጊ መርመራ መስተ ስለ ዘፍረሱ ከም ዝተኣስሩን ሰሉስ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐርቡን ኣረጋጊጹ ኢዩ።
ብመሰረት ሕጊ ስኮትላንድ፡ መጠን ኣልኮል ኣብ ኣብረርቲ ነፋሪት፡ ካብ ዘወርቲ መኪና ብትሕቲ ፍርቂ ክኸውን ኢዩ ዘለዎ።
ኣብ 2017 ውን ክልተ ኣብረርቲ ዩናይትድ ኤርላይን ልዕሊ እቲ ዝፍቀድ መጠን ኣልኮል ስለ ዝተረኽቦም ኣብ ግላስጎው ተኣሲሮም ነይሮም።
ኣብቲ ግዜ፡ ቀዳማይ ኣብራሪ ፖል ገሪበንክ 10 ወርሒ ማእሰርቲ ክፍረዶ ከሎ፡ ብጻዩ ካልኣይ ኣብራሪ ሮቦርቶ ሊኮና ድማ 15 ወርሒ ተኣሲሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







