ኣልኮላዊ መስተ ዘይሽየጠሎም ባራት

እንዳ መስተ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣልኮል ዘይሽየጠሎም ግሮሰሪታት ምርካብ ልሙድ ኣይኮነን። ኣብ ከም ኒውዮርክን ለንደንን ዝበሉ ከተማታት ግን ኣልኮላዊ መስተ ዘይሽየጠሎም እንዳመስተታት እናተለመዱ እዮም።

ሳሚ ቶኒስን መሓዝኡ ረጂና ደሊያን 'ጌትወይ' ዝተብሃለ፡ ኣልኮላዊ መስተ ዘይሽየጠሉ እንዳመስተ ከፊቶም።

ሳም ከም ዝብሎ ከምዚ ዓይነት እንዳ መስተ ናይ ምኽፋት ሓሳብ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት እዩ መጺኡሉ።

ሳምን ሓውን ኣብ ከተማ ኒውዮርክ፡ ኣልኮላዊ መስተ ዘይሽየጠሉ እንዳመዘናግዒ ደልዮም ከምዝሰኣኑ ይዝክር።

'' ውጽእ ኢልና ኣልኮላዊ መስተ ከይሰተና ምዝንጋዕ 'ኳ እንተደለና፡ ምርካብ ኣይከኣልናን። ሰባት እንትሓትት ድማ፡ ብዝገርም ኩነታት ናይ ብዙሓት ሰባት ድልየት ከምዝኾነ ተረዲአ።''

ካብዚ ተበጊሶም 'ዮም ምንም ዓይነት ኣልኮላዊ መስተ ዘይሽየጠሉ ንኡሽተይ ግሮሰሪ ከፊቶም። ዋላ ኣዝዩ ንኡሽተይ መጠን ኣልኮል፡ ዘለዎ መስተ ኣይሸጡን።

ብመሰረት ሕጊ ኣመሪካ፡ ትሕቲ 0.5 መጠን ኣልኮል ዘለዎም መስተታት፡ ካብ ኣልኮል ነጻ ተባሂሎም እዮም ዝፍለጡ።

ባር ጌትወይ ልክዕ ከም ካልኦት ባራት፡ ኣማስዩ እዩ ዝኽፈት።ድብዝዝ ዝበለ መብራህቲ ኣለዎ።ናብ ውሽጢ እንትትኣቱ ድማ ዋላ ሓደ ፍሉይ ነገር ኣይትርእይን።

ናብቲ ባር ዝመጽእ ሰብ ኩሉ ኣልኮላዊ መስተ ዘይለክፍ ኣይኮነን። ገሊኡ ንጉሆ ስራሕ ስለዝኣቱ፡ ገሊኡ ድማ ካብ ስኻርን ዝሰኸረ ሰብ ምርኣይን ክርሕቕ ዝደለየ ክኸውን ይኽእል።

ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታውን ባዕላውን ምኽንያታት፡ ኣልኮልን ኣልኮላዊ ሽታን ዝርብሾም ሰባት ከምዘለዉ ዝገልጽ ሳም፡ ናሃቶም ድልየት ምምላእ 'ውን ከምዘድሊ ይዛረብ።

ሰኺራ ዝደቀሰት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጓል 32 ዓመት ዝኾነት ሎሬሊ ባንድሮቭስኪ፡ ከም 'ጌትወይ' ዝኣመሰሉ እንዳመስተታት ከምእተበረታትዕ ትገልጽ።

''እንዳ መስተታት መዘናግዒ እዮም ክኾኑ ዘለዎም። ምዝንጋዕ እንትበሃል ኩሉ ሻብ ምስ መስተን ስኻርን እዩ ዝተሓሓዝ። ዘይንዝክሮምን ዘጣዕሱናን ኣጋጣሚታት እንፍጽሞም ኣልኮል እንትንሰቲ እዩ። እዚታት እንተዝተርፍ ይመርጽ'' ትብል።

መጽናዕቲታት ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘለዉ መናእሰይ ዝወስድዎ መጠን ኣልኮል እናቐነሱ እዮም።

ናይ እንግሊዝ ስታቲክስ ቢሮ ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ፡ ንሓደ ሰሙን ኣልኮላዊ መስተ ዘይሰተዩ መናእሰይ፡ 56.9 ሚእታዊት መናእሰይ በጺሑ ነይሩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ኣመሪካ 52 ምኢታዊ ዝኾኑ ዓበይቲ፡ መጠን ዝወስድዎ ኣልኮል ከምዝቐነሱ ወይ ክቕንሱ ከምዝሓሰቡ ይገልጹ።

ሰባት ክዘናግዑ፡ ናይ ግድን ኣልኮል መስተ ክሰትዩ የብሎምን ዝብል ሓሳብ፡ ተቐባልነት እናረኸበ ዝመጽእ ዘሎ ይመስል።