ሓደ ወርሒ ብዘይ ኣልኮላዊ መስተ፡ እንታይ ለውጢ ይህልዎ?

ምንጪ ስእሊ, iStock/Getty Images
ናይ መጀመርያ ሰሙን ብዘይ ኣልኮላዊ መስተ፤ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ፤ ጽቡቕ ትላመዶ። መበል ዒስራን ትሸዓተን መዓልቲ ወይ ከኣ መበል ሰላሳ መዓልቲ ድማ ነቲ ለውጢ ኣብ ኣካላትካ ትሪኦ።
እዚ መፅናዕቲ፤ ኣልኮላዊ መስተ ንሓፂር ግዜ ምቁራፅ ዝህልዎ ውፅኢት ብዕምቆት ዝተመርመረሉ እዩ።
ተመራመርቲ ዩንቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ካብዚ መፅናዕቲ ዝረኸብዎ ውፅኢት ከምዘመልክቶ፤ ብማእከላይን ብዝለዓለን መጠን መስተ ዝሰትዩ ሰባት ካብ ኣልኮላዊ መስተ እንትዕቀቡ፤ ኣብ ኮሊስትሮል፣ ክብደት ሰብነትን ፀቕጢ ልብን ኣዎንታዊ ውፅኢት ከምዘለዎ ተረጋጊፁ።
ኣብዚ መፅናዕቲ ዝተረኸበ ካልእ ዓብዪ ውፅኢት "ምንካይ ዕብየት ካንሰር ዘበራብሩ ነገራት" እዩ።
ኣብዚ መፅናዕቲ ዝተኣከበ ሓበሬታ ከምዘረጋግፆ፤ ኣብ መንጎ ምጥቃም ኣልኮላዊ መስተን ንሕማም ካንሰር ናይ ምቅላዕ ሓደጋን ርእሱ ዝኸኣለ ዝምድና ከምዘሎ እዩ። ምስ ምቅላዕ ሕማም ሽኮርን ምስባሕ ፀሊም ከብዲ 'ውን ዝምድና ኣለዎ።
ተሳተፍቲ
እዚ ብተመራመርቲ ገውታም ሜህታ፣ ስቴዋርት ማክዶናልድን አሌክሳንድራ ክሮንበርግን ዝተመርሐ መፅናዕቲ ከምዝሕብሮ፤ ኣልኮላዊ መስተ ብደረጃ ዓለም ቀንዲ ጠንቂ ኣካላዊ ስንክልናን ክውገድ ዝከኣል ሞትን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, iStock/Getty Images
"ውድብ ጥዕና ዓለም፤ ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ንኣልኮል ቀንዲ ጠንቂ ሕማም ካንሰር ካብ ዝኾኑ ውሁዳት ሓደ ገይሩ ዘርዚርዎ እዩ። ዓለማዊ ደገፍ ንመፅናእቲ ሕማም ካንሰር ከምኡ ድማ ትካል መፅናዕቲ ሕማም ካንሰር ኣመሪካ ድማ ኣልኮል ጠንቂ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሕማም ካንሰር ከምዝኾነ መረዳእታ ከምዘሎ ኣብሪሆም" ክብሉ እቶም ተመራመርቲ የቐምጡ።
ኣብዚ መፅናዕቲ ናይ ዝተሳተፉ ኣልኮላዊ መስተ ዝጥቀሙ ሰባት ደም፡ ኣብ መጀመርያን መወዳእታን እዚ መፅናዕቲ ክምርመሩ ተገይሩ፤ ኣብቲ ውፅኢት ንፅፅር ተገይሩ።
ሕማም ሽኮርን ክብደት ሰብነትን
ንሓደ ወርሒ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ጠጠው ዘበሉ ተሳተፍቲ ናይቲ መፅናዕቲ፤ ኣብ መስርሕ ኢንሱሊን ኣካሎም ኣዎንታዊ ለውጢ ተራእዩ።

ምንጪ ስእሊ, iStock/Getty Images
ሰብነትና ንኢንሱልን ግብረመልሲ ከይሃበ ክተርፍ ከሎ እዩ ምንፃግ ኢንሱሊን ዝኽሰት። ኢንሱሊን ድማ ግሉኮስ ናብ ዋህዮታት ክከፋፈልን ኣብ ደምና ዘሎ መጠን ሽኮር ዝቆፃፀርን እዩ።
እዚ ፀገም ምስዝኽሰት ድማ 'ዓይነት 2' ሕማም ሽኮር ይመፅእ።
"ዝኣከብናዮ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፤ ካብቲ ዝምከር ንላዕሊ ኣልኮላዊ መስተ ምጥቃም 'ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር' ናይ ምፍጣር ኣጋጣሚ የበርኾ" ይብል ተመራማራይ ሜህታ ከምፀብፃብ 'ኒው ሳይንቲስት'።
ኣልኮላዊ መስተ ንኣካላዊ ክብደት ደቂሰባት ከምዝፀሉ ኣብቶም ተሳተፍቲ ተራእዩ እዩ። ኣልኮል ምኽንያት ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ከምዝኾነ ድማ ቅድሚ ሕዚ 'ውን ክግለፅ ፀኒሑ እዩ።
ኣልኮል "ባዶ" ካሎሪታት ብብዝሒ ዝሓዘ እዩ። እዚ ማለት ድማ ንኣካልና ካብ ምስባሕ ብዝሰገረ ዋላ ሓንቲ ንጥዕናን ዕብየትን ረብሓ ዘይብሎም ካሎሪታት ዝመልኦ እዩ።
ሓደ ናይ ቢራ ብርጭቆ ኣስታት 200 ኪሎ ካሎሪ ይሕዝ። እዚ ድማ ዳርጋ ናይ ሓደ ጥማር ቃቖ ድንሽ መጠን ካሎሪ እዩ።
መፅናዕቲ ሕማም ካንሰር ዓዲ እንግሊዝ ከምዝብሎ፤ መዓልታዊ ሓደ ዓብዪ ብርጭቆ ወይኒ ዝሰቲ ሰብ ንሓደ ወርሒ ጠጠው እንተቢሉ ኣስታት 10,000 ካሎሪ እዩ ዘወግድ።
ፀገም ኣጠቓቕማ ኣልኮላዊ መስተ ኣለኒ ኢልካ ትሓስብ እንተደኣኾይንካ፤ መጠን ኣሰታትያኻ ብኸመይ ከምእትቕንስ ውሕሉል ማዕዳ ናብ ዝህበካ ሓኪም ኪድ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







