ኣብ ልዝብ ግድብ ሕዳሰ ተራ ዝነበሮ ሚኒስትሪ ማይ፣ መስኖን ኢነርጅን ስለሺ በቀለ

ምንጪ ስእሊ, MINISTRY OF WATER, IRRIGATION AND ENERGY - ETHIOPI
ትማሊ ኣብ ዝተመስረተ ሓድሽ ካቢኔ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዘይተኻተተ ሚኒስትሪ ማይ፣ መስኖን ኢነርጅን ዝነበረ ስለሺ በቀለ [ዶክተር/ኢንጅነር] "ኣብ ቐጻሊ ሃገረይ ኣብ እትጠልቦ ኣገልግሎት ክዋፈር'የ" ክብል ብማሕበራዊ ሚዲያ መልእኽቲ ኣሕሊፉ።
ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዙርያ ህንጸትን ምምላእ ማይን ህጸት ግድብ ሕዳሰ ኣባይ ኣብ ዘካየዶም ዝርርባት ዓብዪ ተራ ዝነበሮ ዶክተር ስለሺ ኣብቲ ሓድሽ ካቢኔ ዘይተኻተተ ምዃኑ ብዙሓት ከዘራርብ ቀንዩ።
እንተኾነ ሎሚ ረፋድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ተወሳኺ ሓላፍነት ዝሃበ ኮይኑ ዶክተር ስለሺ በቀለ ብመዓርግ ሚኒስትር ዋና ተደራዳርን ኣማኻርን ዶብ-ሰገር ሩባታትን ግድብ ሕዳሰን ገይሩ ከም ዝሾመ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዘቕረቦም ኣባላት ካቢኔ ትማሊ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ሽመት ከም ዝጸደቐሎም ይዝከር።
እቲ ብስለሺ ዝምራሕ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ኣብቲ ሓድሽ ካቢኔ ሚኒስትሪ መስኖን ልምዓት ከባቢታት ቆላን ብዝብል ዳግም ተወዲቡ ኢንጅነር ኣይሻ መሓመድ ክትመርሖ ተሸይማ ኣላ።
እቲ ሚኒስትሪ ማይን ኢነርጅን ብዝብል ዝጽዋዕ ሚኒስትሪ ንክመርሕ ድማ ኢንጅነር ሃብታሙ ኢተፋ ተሸይሙ።
ዶክተር ስለሺ ነቶም ሓደሽቲ ሚኒስትራት እንኳዕ ደስ በለኩም ብምባል ሰናይ ተምኒቱ ክገልጽ እንከሎ፡ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ሰናይ ግዜ ተመንዩ።
ቅድም ኢሉ ሽልማት 'በጎ ሰው' ዝብል ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሽልማታት ዝተዋህቦ ዶክተር ስለሺ "ግድበይ'ዩ" ወይ'ውን "It's My Dam" ብዝብል ዘረብኡ ይፍለጥ።
ንሱ፡ ህንጸት እቲ ግድብ ምስ ተወድአ መን'ዩ ከመሓድሮ? ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ሕቶ ካብ ሓደ ጋዜጠኛ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን እዩ "Its My Dam" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
እዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ዘይምርድዳእ ኣብ ዝተላዕለሉ እዋን ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያን ካልኦት መድረኻትን ብሰፊሑ ዝተጠቐምሉ ኣበሃህላ ኮይኑ እዩ።
ግብጽን ሱዳንን ኣብ ዙርያ ህንጸትን ምምላእ ማይን እቲ ግድብ ዘለወን ቅርታ ናብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪበን ኣብ ዝተኻየዱ ክልተ መድረኻት ዘተ ተረኺቡ ምላሽ ዝሃበ ዶክተር ስለሺ ብዙሓት ክንእድዎ ተራእዩ'ዩ።
"ፈቲና ጸሊእና ካብ ሓደ ሩባ ማይ ስለ እንሰቲ ክንተሓባበር ይግባእ" ክብል ኣብቲ ባይቶ ተዛሪቡ ነይሩ።
ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ሚኒስትሪ ማይ፣ መስኖን ኢነርጅን ኮይኑ ዝመርሐ ዶክተር ስለሺ፡ "ንዝሓለፉ ዓመታት ዝመርሖ ዝነበርኹ ሚኒስትሪ በቲ ሎሚ ዝጸደቐ ኣወዳድባ ፈጸምቲ ስራሕ ሓደሽቲ ምሻሞም ሕጉስ'የ" ክብል ትማሊ ብፌስቡክ ጽሒፉ።
እቶም ክልተ ኣብያተ ጽሕፈት ሚኒስትሪ ንዕብየት ሃገር ኣገደስቲ'ዮም ብምባል "ንዝሓለፉ ዓመታት ብቕንዕና፣ ተኣማንነትን ብዝኽእሎን ኣገልጊለ'የ" ኢሉ።
ኣብ ቀጻሊ እታ ሃገር ኣብ እትደልዮም ግንባራት ተዋፊሩ ክሰርሕ ፍቓደኛ ከም ዝኾነ ብምግላጽ "ብዙሓት ፈተንቲ ግዜያት ሓሊፍና ኢና፤ ግድብና ድማ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ሓይሊ ከመንጪ'ዩ። ኣብዝን ካልኦት መዳያትን ዝነበረኒ ኣበርክቶ ኣብቶም ፈተንቲ እዋናት ንሃገረይ ዘኹርዐ'ዩ ኢለ ይኣምን" ክብል ገሊጹ።
ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ እዚ ዓመት ካብቶም 13 ተርባይናት ግድብ ሕዳሰ እቶም ክልተ ክሳብ 750 ሜጋ ዋት ሓይሊ ምምንጫው ከም ዝጅምሩ ንቢቢሲ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ኣባላት ካቢኔ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን ዝተዋህቦም ሓላፍነትን
1. ደመቀ መኮንን - ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተርን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻእን
2. ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) - ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር
3. ኣሕመድ ሽዴ - ሚኒስትር ገንዘብ
4. ሙፈሪያት ካሚል - ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን
5. ዑመር ሁሴን ኦባ - ሚንስትር ሕርሻ
6. ኣይሻ መሓመድ (ኢንጂነር) - ሚኒስትር መስኖን ከባቢታት ቆላን
7. ሃብታሙ ኢተፋ ገለታ (ኢንጂነር) - ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን
8. ብርሃኑ ነጋ ቦንገር - ሚኒስቴር ትምህርቲ
9. ዳግማዊት ሞገስ በቀለ - ሚኒስትር መጓዓዝያን ሎጀስቲክስን
10. ገ/መስቀል ጫላ ሞጣሎ - ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትሕብባርን
11.መላኩ አለበል - ሚኒስትር ኢንዳስትሪ
12. ብናልፍ አንዱዓለም - ሚኒስትር ሰላም
13. ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) - ሚኒስትር ፍትሒ
14. ዶ/ር ሊያ ታደሰ ገ/መድህን - ሚኒስትር ጥዕና
15. በለጠ ሞላ ጌታሁን - ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን
16. ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ - ሚኒስትር ቱሪዝም
17. ላቀ አያሌው አንተነህ - ሚኒስትር እቶት
18. ጫልቱ ሳኒ ኢብራሂም - ሚኒስትር ልምዓት ከተማ
19. ታከለ ኡማ በንቲ - ሚኒስትር መዓድን
20. ፍጹም ኣሰፋ ኣዴላ (ዶ/ር) - ሚኒስትር ልምዓት ፕላን
21. ኤርጎጌ ተስፋዬ - ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን
22. መርዳሳ ቱሉ - ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







