ሓድሽ ካቢኔ ኢትዮጵያ ለውጢ ክገብረሎም ዝኽእል 5 ዓበይቲ ኣብያተ ጽሕፈት ሚኒስትራት

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ

ምንጪ ስእሊ, HOPR

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ድሕሪ ዝተኻየደ 6ይ ሃገራዊ መረጻ ዓብላላይ ድምጺ ብምርካብ ብዝሒ ወናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌደራል ዝሓዘ ሓድሽ መንግስቲ ብ24 መስከረም 2014 ዓ.ም ከም ዝተመስረተ ይፍለጥ።

እቲ ባይቶ ብሰኑይ ኣብ ዘካየዶ ፈላማይ ኣኼባ ንኣብዪ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ ዝሸመ ኮይኑ ንቐጻሊ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ መሪሕነት ንክጸንሕ ኣጽዲቑ ኣሎ።

በዚ መሰረት እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ላዕለዎት ፈጸምቲ ስራሕ እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ወግዓዊ ክገብር ትጽቢት ይግበር።

ሎሚ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ድማ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝኾኑን ወሰንቲ ቦታታት ሚኒስትርነት ዝሕዙን ውልቀሰባት ብምምራጽ ናብቲ ባይቶ ብምቕራብ ክሽየሙ ክገብር'ዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ቅድም ኢሉ ከም ዝገለጾ ኣብቶም ዝተፈላለዩ ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ካብ ሰልፊ ብልጽግና ወጻኢ ካብ ተነሓናሕቲ ውድባት ዝመጽኡ ውልቀሰባት ክካተቱ ትጽቢት ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ሽም እቶም ዝጸንሑ ሚኒስትሪ ኣብያተ ጽሕፈት ለውጢ ከም ዝህሉን ናይ ኣወዳድባ ምትዕርራይ ከም ዝግበርን ይግለጽ።

ንምዃኑ እቶም ሓሙሽተ ዓበይቲ ኣብያተ ጽሕፈት ሚኒስትራት መነ መን'ዮም?

Short presentational grey line

ሚኒስትሪ ገንዘብ

ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝጀመረቶ ኲናት ቁጠባኣ ኣብ ከቢድ ፈተና ኣትዩ ይርከብ፡፡

እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ጽላታት ቁጠባን ትሕተ ቕርጽን ዕንወት ኣብጺሑ እዩ፤ ካብዚ ብዝብገስ ነታ ሃገር ገንዘባዊ ሓገዝ ዝገብሩ ዝነበሩ ምዕራባውያን ኣእዳዎም ናይ ምስሓብ ኩነታት የርእዩ ኣለዉ፡፡

ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዋጋ ሸርፊ ወጻኢ ብተኸታታሊ እናወሰኸ ብምኻዱ፡ ኣብ መንጎ ስሩዕ ዕዳጋን ጸሊም ዕዳጋን ዘሎ ፍልልይ ዋጋ ሸርፊ ወጻኢ ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን ሰፊሑ እዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ብምውሳኹ ድማ ዋጋ ሸቐጣትን ኣገልግሎታትን ኣዐርዩ ወሲኹ፡፡

ሃገራት ምዕራብን ዓለም ለኻዊ ትካላት ገንዘብን ኣብቲ ነታ ሃገር ዝገብርዎ ሓገዝ ለውጢ ዝገብሩ እንተኾይኖም፡ በቲ ዘሎ ሕጽረት ዶላርን ምኽባር ዋጋ መሰረታዊ ሃለኽቲ ሸቐጣትን ቁጠባ እታ ሃገር ብዝኸፈአ ክፍተን ይኽእል እዩ ተባሂሉ ይስጋእ።

ሚኒስትሪ ሰላም

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ኣብ ደቡብን ምዕራብን ዘሎ ዘይምርግጋእን ገለ ካብቶም ሰላምን ድሕነትን እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእተዉ ጉዳያት እዮም፡፡

ለውጢ ክግበረሎም ካብ ዝበሃሉ ኣብያተ ጽሕፈት ሓደ ዝኾነ እዚ ቤት ዕዮ ነቶም ዘጋጠሙ ዕግርግራት ንምፍታሕን ዘላቒ ዕልባት ንምሃብን ክሰርሕ ከም ዘለዎን እዚ ድማ ቀንዲ ኣጀንዳ እቲ ሓድሽ መንግስቲ ክኸውን ከም ዝግባእን ሰብ ሞያ ይገልጹ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኣሕመድ ኣብ ጽምብል ምስረታ ሓድሽ መንግስትን በዓለ ሽመት ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታት እታ ሃገር ምርድዳእ ንምፍጣር ንኹሉ ዘካትት ሃገራዊ ዘተ ከም ዝካየድ ተዛሪቡ እዩ፡፡

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ

ኢትዮጵያ ምስ ኲናት ትግራይን ግድብ ህዳሰን ተተሓሒዙ ገዚፍ ዕዮ ርክብ ወጻእን ዲፕሎማስን እዩ ዝጽበያ፡፡

ኣብ ትግራይ ብዝተወለዐ ኲናት ምዕራባውያንን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝተፈላለየ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ይገብሩ ኣለዉ፡፡

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ሰብኣዊ ቅልውላውን ግድብ ህዳሰን ነታ ሃገር ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ተዘራሪቡላ እዩ፡፡

ኣብ ቀረባ ኣብ ጉዳይ እታ ሃገር ኢድ ኣትዮም ብዝብል ሓለፍቲ ኤጀንሲታት ሕቡራት ሃገራት ካብ ግዝኣታ ክወጽኡ ምግባራ ካብ ምዕራባውያን ዓብዪ ተቓውሞ ኣስዒቡ እዩ፡፡

እዚ ድማ ኣብቲ ምስ ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ርክብ ኣሉታዊ ውጽኢት ክህልዎ ስለ ዝኽእል ኣብዚ እውን ከቢድ ዕዮ ክጽበያ እዩ፡፡

ኣብዚ መንጎ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ቁጠባዊ ጸገማት ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዘለዉዋ 60 ቤት ጽሕፈታት ቆንስላን ኤምባሲታትን እቶም ፍርቂ ንምዕጻው ትልሚ ሓንጺጻ ናብ ተግባራዊ ስጉምቲ ኣትያ ኣላ፡፡

ዓቃቢ ሕጊ

ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓሉ ዓሌት መሰረት ዝገበሩ ጎንጺታትን ፖለቲካዊ ተቓውሞታትን ኣብ ቀይዲ ዝውዕሉ ውልቀ ሰባት፡ ኣብ ስርዓተ ፍትሒ እታ ሃገር መረረት ከስምዑ ልሙድ እዩ፡፡

አብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ፍትሒ ኣካል ዘይሻራዊ፣ ተኣማንን ብቑዕን ኣይኮነን ዝብል ተደጋጋሚ ነቀፌታ ይቐርብ።

ብተወሳኺ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ፍትሒ ዝደልዩ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ፍትሒ ይጽበዩ ኣለዉ፡፡

በዚ መንጽር እቲ ናይ ሽም ለውጢ ክግበረሉ ከም ዝኽእል ዝተገለጸ ቀንዲ ትካል ፍትሒ እታ ሃገር፡ ብዙሓት ስራሕቲ ይጽበይዎ፡፡

ሚኒስትሪ እቶት

ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝተዘሓሐለ ምንቅስቓስ ንግዲ ኣብ ቁጠባ ኢትዮጵያ ቀሊል ዘይበሃል ጸቕጢ ፈጢሩ እዩ፡፡

መሓውራዊ ለውጢ ከም ዝግበረሎም ካብ ዝተገለጹ ቤት ጽሕፈታት ሓደ ዝኾነ ሚኒስትሪ እቶት፡ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ርኡይ ተራ ካብ ዘለዎም ትካላት ሓደ እዩ፡፡

እታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እተውዕሎ ገንዘብ ካብ ዝተፈላለዩ ፍልፍላት ዝእክብ እቲ ቤት ጽሕፈት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ጸቕጢ በጺሕዎ ዘሎ ቁጠባ ኣብ ምድጋፍ ወሳኒ ኣበርክቶ ክህልዎ እዩ፡፡