ቅልውላው ትግራይ፡ ብሰንኪ ኲናት ዘንቆልቆለ ቁጠባ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ ዓሰርተ ኣዋርሕ ዘቑጺሩ ዘሎ ኲናት ኢትዮጵያ ምኽንያት ሞት ኣሽሓት ኮይኑ ሚልዮናት ንምምዝባልን ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤትን ክኾኑ ብምግባር ሓያሎ ሰብኣዊ ዋጋ የኽፍል ኣሎ።
እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ እታ ኣብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ካልአይቲ ዝኾነት ሃገር ብሰንኪ እቲ ኲናት ንክጽገን ዓመታት ክወስድ ዝኽእል ዓብዪ ቁጠባዊ ክሳራ ስዒቡላ'ዩ።
ሙሉእ ሽማ ክንጥቀም ዘይደለት ጓል 26 ዓመት ትዕግስቲ ነባሪት ከተማ ኣዲስ ኣበባ'ያ።
ኣብዚ እዋን ብኽልተ ምኽንያታት ማለት እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናትን ለበዳ ኮሮናቫይረስን ወርሓዊ ወጻኢታታ ከም ብኽልተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ትዛረብ።
"ቅድሚኡ ናይ ግሮሰሪ ወጻኢታተይ ሓደ ሽሕ ብር ነይሩ፤ ሕጂ ግን ክልተ ሽሕ ብር የውጽእ። ኩሉ ከቢሩ፤ ቴሌፎን፣ መግቢ፣ ክዳን . . . " ትብል።
ኣብ ኢትዮጵያ ዋጋ ሃለኽቲ ጠለባት ዚያዳ ከም ዝንሃረ ወግዓዊ መረዳእታታት የመልክቱ።
ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር ከሎ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ብማእኸላይ ገምጋም ብኸባቢ ሓደ ርብዒ ዝኸበረ ነይሩ።
ትዕግስቲ ስድራቤታ ንምሕጋዝ ኣብ ሱፐርማርኬት ተሓዚት ገንዘብ ኮይና ትሰርሕ ኣላ።
ሓዋ ገዛ ክራይ ክሽፍን እንከሎ፡ ንሳ ናይ መግቢ ወጻእታት ክትሽፍን ሓላፍነት ኣለዋ።
"እቲ ሸርፊ ወጻኢ ንርእሱ ጽቡቕ ኣይነበረን፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓደ ዶላር 35 ብር ነይሩ፡ ሕጂ ግን 45 በጺሑ ኣሎ" ኢላ።
ፋይሰል ሮብለ ኣብ ኣመሪካ ማእከሉ ዝገበረ ክኢላ ቐርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ፡ ኣብቲ ኲናት ዝወጽእ ዘሎ መዋእለ ንዋይ "ብሓቂ ኢትዮጵያ ሸርፊ ወጻኢ ናይ ምርካብ ዓቕማ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ'ዩ" ክብል እንከሎ፡ እዚ ድማ ነቲ ተመን ሸርፊ ወጻኢ ክንህር ከም ዝገበሮ የረድእ።
እቲ ኲናት ክንደይ ወጻኢታት ከም ዝሓተተ'ኳ ብግልጺ እንተዘይተፈልጠ፡ ብመሰረት ትንበያ ትሬዲንግ ኢኮኖሚክስ ግን ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ወተሃደራዊ ወጻኢታት እታ ሃገር 502 ሚሊየን ዶላር ክበጽሕ'ዩ ይብሉ።
እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 460 ሚሊየን ዶላር ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተሬስ እዚ ኲናት "ልዕሊ ሓደ ቢሊየን ዶላር ገንዘብ ካብ ግምጃ እታ ሃገር ወጻኢ ክግበር ጠሊቡ'ዩ" ኢሉ።
ቅድሚ እቲ ዓለማዊ ለበዳን ኲናትን፡ ቑጠባ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ቕልጡፍ ዕብየት ካብ ዘርእዩ ሓደ ነይሩ።
ከም ጸብጻብ ባንኪ ዓለም፡ ክሳብ 2019 ዓ.ም ኣብ ዘለው ዓሰርተ ዓመታት ብማእከላይ 10 ሚኢታዊት ዕብየት ክተመዝግብ ጸኒሓ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትዕግስቲ ኣብ ባንኪታት ዘሎ ዋጋ ሸርፊ ወጻኢ'ያ ጠቒሳ።
ስሩዕ ኣብ ዘይኮነ ዕዳጋ ግን ዋጋ ብር ኣንቆልቊሉ ሓደ ዶላር ብብር 65 ይሽረፍ ምህላው ፈይሰል ተዛሪቡ።
ወሲኹ ኣብታ ሃገር ዘለው ነጋዶ እቲ ኲናት ካብ ትግራይ ሓሊፉ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒኹ ብምህላዩ ድሕነት ዚያዳ የተሓሳስቦም ኣሎ።
መብዛሕትኦም ካብ ባንኪ ሕሳቦም ገንዘብ ብምውጻእ ንርእሳ ናጻ ሃገር ኢላ ናብ እትጽውዕ ሶማሊላንድ ብምኻድ ገንዘቦም ይቕይሩ ብምህላዮም ዓቕሚ ምዕዳግ ብር ዚያዳ ክዳኸም ከም ዝገበሮ ይገልጽ።
ምዕጻው ባንክታት ትግራይ
ገዛኢ ሰልፊ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኢህወደግ ብምፍራሱን እዋን መረጻ ብምንውሑን ኣብ ሞንጎ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ምምሕዳርን ህወሓትን ዝነበረ ዘይምቅዳው ኣብ ዝኸረረሉ ግዜ ንህወሓት ምእዙዛት ዝኾኑ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ፈጺሞም ምስ ተባህለ'ዩ እቲ ኲናት ተላዒሉ።
ካብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሕዳር [2020] ጀሚሩ ሰራዊት ምክልኻል፣ ወተሃደራት ኤርትራ፣ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ኣምሓራ ብሓባር ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ደማዊ ኲናት ከካይዱ ጸኒሖም።
ኩሎም ወገናት ጾታዊ ዓመጽን ጃምላዊ ቕትለት ሰላማውያን ሰባትን ሓዊሱ ግፍዕታት ብምፍጻም ይኽሰሱ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ምስ ተቖጻጸሩ መንግስቲ ፌደራል ኣገልግሎታት ስልክን ባንክን ሓዊሱ ኣብቲ ክልል መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክቋረጹ ገይሩ'ዩ። ትግራይ ድማ ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ከበባ ትርከብ።
ኣብቲ ክልል ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ኣለው። ተበጻሕነት ሰብኣዊ ረድኤት ብዝኸፍአ ደረጃ መንሚኑ ቐረባት ኤሌክትሪክን ነዳድን ብዘይምህላዮም ዋጋ ሸቐጣት ክውስኽ ገይሩ'ዩ።
ነባሪ መቐለ ዝኾነ ፊልሞን ብርሃነ ኣብ ዋጋታት መግብን ክራይ ገዛን ልዑል ወሰኽ ከም ዘሎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።
"ኩሎም ባንክታት ተዓጽዮን ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ደሞዝ ስለ ዘይኸፍሉ ገንዘብ የለን" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ጨረታ ቴሌኮም
ብደረጃ ዓለም እቲ ኲናት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዙርያ ኢንቨስትመንት ዘለዋ ሽም ከቢድ ጽልዋ የሕድር ኣሎ ክብል ኣማኻሪ ጉጅለ ኢኮኖሚ ኣፍሪቃ ኤን.ኬ.ሲ ዝኾነት ክኢላ ስነ ቑጠባ ኢርማጋርድ ኢራስመስ ትዛረብ።
"ተጠቀምቲ ከቢድ ጽልዋ ዝቕባበ እንተኣጋጢሙዎም ከምቲ ኣብ ኣመሪካ ወይ'ውን ኣብ ዞባ ኤውሮጳ እንርእዮ ብኣሕለኽቲ ዝምራሕ ዕብየት ኣይርእዩን። እዚ ማለት ብሓፈሻ እቲ ቑጠባዊ ዕብየት ብናይ ወጻኢ ኢንቨስትመንት ዝምራሕ ይኸውን" ትብል።
ንሳ ኣብ ቀረባ ዓብዪ ኩባኒያ ቴሌኮም ደቡብ ኣፍሪቃ ሓዊሱ ብዙሓት ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ዝስሓበ ፍቓድ ዓውዲ ቴሌኮም ኢትዮጵያ ብኣብነት ትጠቅስ።
ዋላ'ኳ ኣብ መጀመርታ ዙርያ ብዙሓት ዓለምለኻዊ ኩባኒያታት ድልየት ኣርእዮም እንተነበሩ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ንኽልተ ናይ ቴሌኮም ፍቓድ ሓደ ጨረታ ጥራሕ'ዩ ወጺኡ።
ኣብዚ ድማ ብሳፋሪኮም ዝምራሕ ልፍንቲ 850 ሚሊየን ዶላር ብምቕራብ ተዓዊቱ።
ናይ ሞባይል ስርዓት ገንዘብ ከይሰርሕ ዝግድቡ ሕግታት ምስቲ ፍቓድ ብዝተኣሳሰር ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሕዲሮም እንተተባህለ'ውን፡ ድልየት እቶም ኩባኒያታት ግን በቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ከም ዝነከየ ምንጭታት እቲ ዓውዲ የረድኡ።
እቲ ኲናት ጠጠው ክብል ዝግበሩ ዘለው ጸቕጢታት
ሓፈሻዊ ቑጠባዊ ዕብየት እታ ሃገር ኣብ 2020 ካብ ዝነበሮ 6 ሚኢታዊት ኣብዚ ዓመት ብ2 ሚኢታዊት ጥራሕ ከም ዝዓቢ'ዩ ዝግመት።
እዚ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ዝተራእየ እቲ ዝተሓተ ከም ዝኾነ ኣይኤምኤፍ ይገልጽ።
እታ ሃገር ኣብ ዓመት ኣስታት 14 ቢሊየን ዶላር ዝግመት ኣቕሓ ካብ ወጻኢ ከተእቱ እንከላ፡ 3.4 ቢሊየን ዶላር ጥራሕ ዘውጽእ ኣቕሓ ከኣ ናብ ወጻኢ ትልእኽ።
ብተወሳኺ ዘለዋ ዕዳ 60 ቢሊየን ዶላር ከም ዝኾነ ወይ'ውን ካብ ሓፈሻዊ ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ 70 ሚኢታዊት ከም ዝበጽሕ ይንገር።
እዚ ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦም ክኢላታት ቑጠባ ይዛረቡ።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ኲናት ትግራይ ተሳቲፎም'ዮም ዝበለቶም ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ናይ ቪዛ እገዳ ከተንብር እንከላ፡ ዝተወሰነ ሓገዝ'ውን ኸልኪላ።
ክሳብ ሕጂ ግን ማሕበረሰብ ዓም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ከቢድ ቑጠባዊ ጸቕጢ ንምግባር ወይ'ውን ዓበይቲ ፕሮግራማት ረድኤት ክቋረጹ ፍቓደኛታት ኣይኮነን።
ኣስታት ርብዒ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ጽፍሒ ድኽነት ዝነብር ኮይኑ፡ ማእከላይ ዓመታዊ ኣታዊ ሓደ ውልቀሰብ 850 ዶላር ጥራሕ'ዩ።
"ቅድሚ ክልተ ዓመት ሽልማት ኖቤል ዝወሰደ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ እቲ ኲናት ጠጠው ከብሎ እንተዘይክኢሉ እቲ ማዕቐብ ክሰፍሕ" ተኽእሎ ከም ዘሎ ኣብ ዋሽንግተን ፌሎው ቲንክ ታንክ ዊትኒ ሸኔይድማን ይዛረብ።
ምምሕዳር ጆ ባይደን ሙሉእ ንሙሉእ ካብ ዓለም ከይተነጸለት እቲ ኲናት ጠጠው ንክብል ኣብ ልዕሊ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ጸቕጢ ክግበር ኣለዎ ክብል'ውን ይገልጽ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ "ኩሎም ኣማራጺታት ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ኣለው፤ ግን ድማ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 110 ሚሊየን ህዝቢ ኣሎ። ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ጠቓሚት፣ ኣገዳሲትን ስትራቴጂካዊትን ስለ ዝኾነት ስቕ ኢልካ ከተግልላ ኣይትኽእልን" ይብል ዊትኒ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







