ምንባር ዓቐበት ዝኾኖም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኢትዮጵያ

ናብራ ዘማረረን ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ረድኤት፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እያ እትሰርሕ። ንሳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ያ ተወሊዳን ዓብያን።

[ኣብዚ ጸብጻብ ዝጥቀሱ ኩሎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ስርሖም ከይስእኑ ስለዝሰግኡ ኣስማቶም ተቐይሩ’ሎ።]

“ምስ ስድራይ ዝነብር እንተዘይከውን ነይረ ብወርሒ 2,700 ብር [ኣስታት 65 ዶላር] እናተኸፈለኒ ክነብር ኣይምኸኣልኩን” ክትብል ነቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝነበራ መበገሲ መሃያ ዘኪራ ትዛረብ። ሎሚ ግን 5,000 ብር ይበጽሓ።

ኣብ ቀረባ ሓዳር መስሪታ ካብ ገዛ ስድራ ቤታ ዝወጸአት ረድኤት ንገዛ ክራይ 7000 ብር ትኸፍል። ዕቁብ ኣለዋ፤ ነዚ ድማ 3,000 ብር ትኸፍል። እዚ ገንዘብ ነቲ ንመግቢ፣ ጥዕናን ካልኦት ኣገደስቲ ነገራትን ዝወጽእ ወጻእታትን ዝሓውስ ኣይኮነን።

“ምስ በዓልቤተይ እናተሓጋገዝና እምበር ንበይነይስ ኣይምኸኣልክዎን። መሃያ ምስተቐበልኩ ድሕሪ 15 መዓልታት ኣብ ኢደይ ገንዘብ ኣይተርፍን” ትብል።

ኣብቲ ንሳ ትሰርሓሉ ቤት ጽሕፈት ፈጠራ ዕድል ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሰርሑ ሓደሽቲ ቁጻር ሰራሕተኛታት ከቢድ ናብራ ይነብሩ ከምዘለዉ’ያ ትዛረብ።

“ኣይተኣኻኸለሎምን። ብጣዕሚ የሕዝኑኒ። ገዛ ክራይን መግብን ኪኢሎም ንምንባር ብጣዕሚ ይጽገሙ” ክትብል ነቲ ዝርከቡሉ ኩነታት ትገልጾ።

ኣሃዛት እንታይ የመልክቱ?

ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ብዝለዓለ መጠን ዕድል ስራሕ ዝፈጥር መንግስቲ እዩ። ብዝሒ ሰራሕተኛ መንግስቲ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ካብ ዝኸውን 10 ዓመት ክመልኦ ቀሪቡ’ሎ። መረዳእታ ባንኪ ዓለም ከምዘመልክቶ፡ ስርዓት ደርግ ኣብ ዝወደቐሉ እዋን 300,000 ዘይመልኡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ነይሮም።

ክንድዚ ዝኣክል ሓይሊ እምበኣር ብሰንኪ ምኽባር ናብራ ወይ ናህሪ ዋጋ ሸቐጣትን ኣገልግሎታትን ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኣትዩ ይርከብ።

ናህሪ ዋጋ ድማ መንቀሊኡ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ገንዘብ/ቅርሺ ናይ ምግዛእ ዓቕሙ ክዳኸም ከሎ ዘጋጥም’ዩ።

ካብ 1970 ክሳብ 2019 ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝለዓለ ዝበሃል ናህሪ ወይ ወሰኽ ዋጋ ዝተረኣየ ኣብ እዋን ሚለኒየም እታ ሃገር ከምዝነበረ መረዳእታ ባንኪ ዓለም ይሕብር።

ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበረ ናህሪ ዋጋ 44.4 ሚኢታዊት ኮይኑ ተመዝጊቡ። ስርዓት ደርግ ኣብ ዝወደቐሉ እዋን ድማ እቲ ናህሪ ዋጋ 36 ሚኢታዊት በጺሑ ከምዝነበረ ጸብጻብ ባንኪ ዓለም የመልክት። ካብ 2005 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ሓደ ዲጂት ጥራሕ ሃዲኡ ዝጸንሐ ወሰኽ ዋጋ ኣብ 2009 ኣ.ኢ ዓሰርተ ሚኢታዊት ኮይኑ ተመዝጊቡ።

ብፍላይ ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዝወሰኸ ናህሪ ዋጋ ብፍላይ መግቢ ተንከፍ ኣብ ዝኾኑ ሸቐጣት 28 ሚኢታዊት ወሰኽ ተራእዩ’ሎ።

ነዚ ወሰኽ ብዝቐለለ መገዲ ዘብርህ ተንታኒ ጉዳያት ቁጠባ ዓብዱልመናን መሓመድ “ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጥራሕ 40 ሚኢታዊት ካብ ማሃይኦም ንናህሪ ዋጋ ኣረኪቦም ኣለዉ ማለት’ዩ” ይብል።

እዚ ማለት ከኣ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት 10 ሽሕ ብር መሃያ ዝነበሮ ሰብ፡ በቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ ናህሪ መሃይኡ ናብ 6 ሽሕ ብር ኣንቆልቊሉ ኣሎ ከም ማለት ይኸውን።

'ናብራ ዓቐበት ኮይኑኒ'

ብመሰረት ኣወዳድባ ስራሕ መንግስቲ ‘ኣተሓባባሪ ከይዲ ስራሕ’ ብዝብል ዝጽዋዕ ሰራሕተኛ ዋና ሓለቓ ማለት’ዩ። ሰራሕተኛታት ከምዝግምትዎ እንተኾይኑ ናይቶም ኣብዚ ምድብ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መሃያ እኹል’ዩ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ሓደ ትካል መራሒት ጉጅለ ዝኾነት እመቤት ግን “ዝሓዝናዮ ደረጃ ስራሕ ዓብዪ እዩ፤ ግን ከኣ ንሕና’ውን ናብራ ከቢዱና’ሎ” ትብል። ንሳ’ውን መሃይኣ ካብ 15 መዓልታት ንደሓር ኣብ ኢዳ ኣይጸንሕን።

ናብ ኢዳ 7,000 ብር እንተበጽሓ’ውን ነታ “ኣዝያ ጸባብ” ክትብል እትገልጻ በዓልቲ ክልተ ክፍሊ ገዛ 5,000 ብር ትኸፍል። ክልተ ቆልዑ ኣለዉዋ። “ዝሓሸ ዋጋ ዘኽፍል” ዝበሃል ቤት ትምህርቲ ኣሊሻ ንሓደ ቆልዓ ወርሓዊ 750 ብር ትኸፍል።

“ሰራሕተኛ መንግስቲ እንተኾይንኪ ንቖልዑት እትሕልው ሰራሕተኛ ተድልየኪ እያ። ናይ ዘይትን ጣፍን ዋጋን ሰማይ ዓሪጉ’ሎ። ዋጋ ዘይወሰኸ ነገር እንታይ ኣሎ ኮይኑ? ናብራ ዓቐበት ኮይኑኒ’ሎ” ክትብል ንዘላትሉ ኩነታት ትገልጽ እመቤት።

ካብ ቅድሚ 8 ዓመታት ጀሚራ ዕጫ መንበሪ ገዛ [ብመንግስቲ ዝህነጽ ሓበራዊ መንበሪ] ክበጽሓ ተስፋ ብምግባር ገንዘብ ክትዓቁር’ኳ እንተጸንሐት፡ ሕልሚ ኮይኑ ተሪፉ’ሎ። ወሰኽ መሃያ ክግብር ድማ ብተስፋ ትጽበ።

ረድኤትን እመቤትን ዝሰማምዓሉ ሓደ ጉዳይ ኣሎ። ትምህርቲ ክቕጽላ ሓሳብ’ኳ እንተነበረን ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ግን ገዲፈንኦ ኣለዋ። ብፍላይ ረድኤት ጀሚራቶ ግን ከኣ ኣብ ሞንጎ ክትኸፍል ዓቕሚ ብምስኣና ክተቋርጾ ተገዲዳ’ያ።

ልክዕ ከም እመቤት ካልኦት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዓስቢ ረሃጾም ዝኾነ ማሃይኦም ንናህሪ ዋጋ ከረክቡ ከለዉ ውጽኢቱ ዘሻቕል ከምዝኾነ ተንታኒ ጉዳያት ቁጠባ ዝኾነ ዓብዱልመናን ይዛረብ።

“እዚ ኣብ ናብራ ዝለዓለ ጸቕጢ ኣለዎ። ብተወሳኺ’ውን ኣብ ስርሖም ምልዕዓል ከምኡ ድማ ሓጎስን ዕግበትን ከይረኽቡ ይገብር። በዚ ምኽንያት ንድኹም ኣፈጻጽማ ስራሕን ብልሽውናን ይቃልዑ” ክብል የረድእ።

እቲ ፍታሕ እንታይ’ዩ?

ንነዊሕ ዓመታት መንቀሊ ምኽባር ናብራ እቲ ኣብ ሰንሰለት ንግዲ ዘሎ ኩነታት ከምዝኾነ ሰብሞያ ብተደጋጋሚ ክገልጺ ጸኒሖም’ዮም። እዚ ከኣ ፍርያት ሕርሻ ካብ ሓረስታይ ናብ ሸማቶ ክሳብ ዝበጽሕ ኣብ ዘሎ ሰንሰለት ንዘለዉ ደለልቲ ተሓተትቲ ይገብር።

መንግስቲ ብፍላይ መግቢ ተንከፍ ኣብ ዘይኮኑ ናውቲ ንዝረአ ወሰኽ ዋጋ “ኢኮኖሚያዊ ምኽንያት ዘይብሉ፤ ሽርሒ ውሑዳት ኣካላት” ብዝብል ክገልጾ ይስማዕ። ካብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ጀሚሩ ኣብ 2013 ኣ.ኢ ዝተጋደደ ናህሪ ዋጋ መንቀሊታቱ ካብቲ ዝተለመደ ከምዝፍለዩ ዓብዱልመናን ይዛረብ።

“እቲ ሕዚ ዘሎ ናህሪ ዋጋ መንቀሊኡ ብር ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ገንዘብ ዘለዎ ዋጋ/ዓቕሚ ክንክይ ስለዝተገበረ እዩ። ከምኡ ተገይሩ ዘሎ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንዓሰርተ ዓመት ብወሰኽ ዋጋ ክናጋዕ ዝጸንሐን ኣብ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ዝርከብን ኢኮኖሚ እዩ” ክብል ነቲ ሓድሽ ዝበሎ መንቀሊ የረድእ።

ምምሕያሽ ምምጻእ እንተተደልዩ መንግስቲ ዋጋ/ዓቕሚ ብር ክደክም ናይ ምግባር ፖሊሲኡ ደው ከብል ከምዘለዎ እቲ በዓልሞያ ይምዕድ። ብተወሳኺ ድማ ኣብ ባንክታት ዝህሉ ውህሉል ገንዘብ ክብ ክብል ምግባርን ኣብ ከይዲ ጊዜ ድማ ወለድ ዕቋር ምውሳኽን ከምዘድልይ ይገልጽ።

ብር ኢትዮጵያ ዝነበሮ ዓቕሚ ምግዛእ ክዳኸም ካብ ዝኸኣለሉ ምኽንያታት እቲ ሓደ፡ መንግስቲ ከም ድላዩ ካብ ብሄራዊ ባንኪ ልቓሕ ብምውሳድ ፈሰስ ምግባሩ እዩ። ብዘይካ’ዚ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ብምሕታም ናብ ዕዳጋ ክኣትው ምግባር ንናህሪ ዋጋ ተደራቢ ምኽንያት ከምዝኾነ ሰብሞያ ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

ዓብዱልመናን ነዚ ጸገም ኣብ ምቁጽጻር ዓብዪ እጃም ዝህልዎ “መንግስቲ ካብ ብሄራዊ ባንኪ ብልቓሕ ዝወስዶ መጠን ገንዘብ ክንክይ ምግባር ከምዝኾነ” ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።