ኢትዮጵያ፡ ምቕያር ባጤራ ዘኸተሎ ልዑል ወሰኽ ዋጋ ወርቂ

ካብ ወርቂ ዝተሰርሐ ገይጺ

ምንጪ ስእሊ, NurPhoto

ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ መደብራት መሸጣ ወርቂ ዝለዓለ ወሰኽ ዋጋ ከምዝተረኣየ ነጋዶን ዓደግትን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ቢቢሲ ኣብ ማእኸል ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከቡ መደብራት ብምንቅስቓስ ከምዝተዓዘቦ፤ ኣብ መዕደግን መሸጥን ዋጋ ወርቂ ወሰኽ ተራእዩ'ሎ።

ብፍላይ ኢትዮጵያ ነቲ ሓድሽ ባጤራ ወግዓዊ ካብ ዝገበረትሉ መዓልታት ጀሚሩ እቲ ዋጋ ወሰኽ ከምዘርኣየ ኣብ ንግዲ ወርቂ ካብ ዝተዋፈሩን ነጋዶን ሰራሕተኛታትን ክነረጋግጽ ክኢልና።

ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ 17 መስከረም 2013 [ኣ.ኢ] ዘቐመጦ መዕደጊ ዋጋ በዓል 21 ካራት ወርቂ ንግራም 2012 ብርን 64 ሳንቲምን እዩ። በዓል 24 ካራት ድማ 2300 ብርን 16 ሳንቲምን ከምዝኾነ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ብርግጽ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዋጋ ወርቂ ወሰኽ ክረኣዮ ከምዝጸንሐ ቢቢሲ ካብ ዘዘራረቦም ወነንቲን ሰራሕተኛታትን መደብራት ወርቂ ይገልጹ።

እቲ ሓድሽ ባጤራ ወግዓዊ ካብ ዝተገበረሉ ግዜ ጀሚሩ ግን ዝለዓለ ወሰኽ ዋጋ ከምዝተረኣየ ኣብ ንግዲ ወርቂ ዝተዋፈሩ ነጋዶ ይዛረቡ።

"ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ጥራይ ኣብ ግራም ክሳብ 500 ብር ወሰኽ ተራእዩ'ሎ" ትብል ኣብ ሓደ መደብር ወርቂ እትሰርሕ ቢቢሲ ዘዘራረባ ውልቀሰብ።

ካብ ሰባት ዝዕድጎም ቀለበት፣ ሃብል፣ ናይ እዝኒን ካልእን ገይጽታት ቁሩብ ኣትሪፉ ብምሻጥ ዝመሓደር ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሓደ መንእሰይ ድማ እቲ ወሰኽ ኣብ መሸጢ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መዕደጊ'ውን ከምዝተርኣየ ሓቢሩና።

"ቅድሚ ሓደ ወርሒ ንበዓል 21 ካራት ሓደ ግራም 1000 ብር፤ እንተወሲኹ ድማ ክሳብ 1500 ብር ካብ ሰባት እገዝእ ነይረ" ዝብል እቲ መንእሰይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ግን ወሰኽ ከምዘጋጠመ ገሊጹ።

ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንሓደ ግራም ወርቂ ብ 2150 ብር ሒሳብ ዓዲገ ይብል።

ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ ኩነታት ወርቂ ዝዕድጉ ሰባት ቁጽሮም እናወሰኸ ብምምጽኡ ወሰኽ ዋጋ ከምዝተርኣየ ዝዛረብ እቲ መንእሰይ፤ ምስ ምምጻእ ሓድሽ ባጤራ ብዝተሓሓዝ ነቲ ኣብ ኢዶም ዝጸንሐ ጥረ ገንዘብ ብንብረት ክቕይሩ ዝደልዩ ሰባት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ግምቱ የቐምጥ።

"እቲ ወሰኽ ውጽኢት ለውጢ ባጤራ እዩ"

"እቲ ባጤራ ብሃንደበት ዝመጸአ ብምዃኑ ናይ ደንገርገርን ምጥርጣርን ስምዒታት ኣኸቲሉ እዩ" ይብል ድማ ተንታኒ ስነ-ቁጠባ ዓብዱልመናን መሓመድ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ እቶም ኣብ ኢዶም ጥረ ገንዘብ ሒዞም ዝጸንሑ ውልቀሰባት ነቲ ገንዘቦም ውሕስንኦም ብዝተረጋገጸ ዓይነታት ንብረት ክቕይሩ ብምድላዮም ኣብ ዕዳጋ ወርቂ ወሰኽ ንዝተረኣየሉ ኩነታት ከም ኣብነት ይገልጽ።

"እዚ ከም ሓደ ምኽንያት ወሰኽ ዋጋ ንብረታት ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል እቲ ተንታኒ።

ጥረ ገንዘብ ኣብ ከም መኪናን ገዛን ዝመሳሰሉ ቀወምቲ ንብረታት ከምኡ'ውን ወርቅን ካልእን ምውዓል ከም ኣማራጺ ስለዝውሰድ ተጠላብነቶም ክውስኽ ትጽቢት ዝግበር ምዃኑ ይዛረብ ዓብዱልመናን።

ንሱ ከምዝብሎ ወርቂ ነቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተረኸበ ጥረ ገንዘብ ንምኽዋል ዘኽእል ቀሊል መገዲ እዩ።

"ስለዚ ኣብ ዋጋ ወርቂ ወሰኽ ክረኣይ ዝኸኣለ ብምኽንያት ለውጢ ሓድሽ ባጤራ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን" ክብል ድማ እምነቱ ይገልጽ።