ልዕሊ 7 ቢልዮን ሽሊንግ ኬንያ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኮይኑ

መተዓዳደጊ ገንዘብ ኬኒያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኬንያ ብልሽውናን ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብን ንምዕጋት ብዝተወስደ ስጉምቲ፡ ልዕሊ 95 ሚኢታዊት ባጤራ (ኖት) ሓደ ሽሕ ሽሊንግ ብሓድሽ ተቐይሩ'ዩ።

ኣብዚ መስርሕ ግን፡ ገና ዘይተኣከበ ገንዘብ ከም ዝህሉ ማእኸላይ ባንኪ ኬኒያ ገሊጹ።

"እዚ ማለት 7.3 ቢልዮን ሽሊንግ ካብ ጥቕሚ ወጻእ ኮይኑ ኣሎ፤ ከም ወረቐት'ዩ ዝቑጸር እምበር ገንዘብ ኣይኮነን" ኢሉ ኣመሓዳሪ እቲ ባንኪ ፓትሪክ ጆረጌ።

እቲ ኣረጊት ናይ ሓደ ሽሕ ባጤራ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ከምዝኸውን ኣብ ዝተገለጸሉ ሓደ ሰነ፡ ኣስታት 217 ሚሊዮን ሽሊንግ ይዘዋወር ነይሩ።

ካብ 20 መስከረም 2019 ጀሚሩ፡ እዚ ኣረጊት ገንዘብ ካብ ጥቕሚ ወጸእ ኮይኑ'ሎ።

እቲ ኣረጊት ባጤራ ኣብ ዝቕየረሉ ዝነበረ እዋን፡ 3,172 ዘጠራጥሩ ምዝውዋራት ገንዘብ ከም ዝነበሩን ዝምልከቶ ኣካል መንግስቲ ምጽራይ ከም ዝግበርን እቲ ባንኪ ገሊጹ።

እዚ ስጉምቲ፡ ዘይሕጋዊ ፋይናንሳዊ ዝውውር ንምዕጋት ዝዓለመ ኮይኑ፡ ኣፍሪካ ታክስ ጀስቲስ ኔትዎርክ ዝተብሃለ ትካል ከምዝብሎ፡ ኬኒያ ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ዝውውር ፋይናንስ፡ ካብ 2011 ጀሚሩ ዓመታዊ 400 ሚሊዮን ዶላር ትስእን።