ስእልታት ገንዘብ ብመልክዕ'ዶ ብትርጉም?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ 'ውሜንስ ኦን 20 ስ'ዝተባህለ ማሕበር፡ ኣብ ናይ ኣመሪካ 20 ዶላር ኖት፡ ኣሜሪካዊት ጓለንስተይቲ ክትህሉ ኣለዋ ዝብል ጎስጋስ የካይድ ኣሎ።
ሓላፊት እቲ ጎስጓስ ሱዛን ስቶን "ዶላር ኣሜሪካ፡ ንሕብረተሰብና ዝገልጽን ዘንጸባርቕን እዩ ካብ በልና፡ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮን ኣምር ብዙሑነትን ነኽብር ኣለና ክንብል እንተደኣኸይና፡
ኣብቲ ናይ ወረቐት ገንዘብና፡ ምስሊ ደቂ ኣንስትዮ ክንጥቀም ኣለና" ትብል።
እቲ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ኣብ ካናዳ እውን ተዛማዲ ጎስጓስ ይካየድ ከምዘሎን፡ ዛጊድ፡ ኣብ ሃገረ ኢንግሊዝ ብዝተገበረ ጎስጓስ ድማ ማእከላይ ባንኪ እታ ሃገር፡ ካብ 2017 ጀሚሩ፡
ንስምይቲ ፀሓፊት ጃኔ ኣውስተን ኣብ 10 ፓውንድ ገንዘብ እታ ሃገር ንኽሕትማ ከምእተሰማምዐ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መብዛሕተአን ሃገራት ዓለም፡ ኣብ ናይ ወረቓቕቲ ገንዘበን፡ ኣብ ታሪኽ ሃገረን ልዑል ኣበርክቶ ናይ ዝነበሮም ውልቀ ሰባት ኣሳእል ከምዘሕትማ ዝሓበረ እቲ ፀብፃብ፡
ኣሜሪካ፡ ኣብ ናይ ሸውዓተ ኖት ገንዘባ፡ ዋላ ሓንቲ እውን ትኹን ምስሊ ጓለንስተይቲ ዘይምህላዋ እዩ እቲ ጎስጓስ ከምዝለዓል ገይርዎ ዘሎ።
ነቲ ብቕትለትን ምፍንቓልን ቀዳሞት ኣመሪካውያን ዝፍለጥ መባል ሻብዓይ ፕሬዚደንት ሃገረ ኣሜሪካ፡ ኣንድሪው ጃክሰን፡ ካብቲ ናይ 20 ዶላር ኖት ኣውፂእካ፡
ተሓለቕቲ መሰል ደቂ ሰባት ናይ ዝኾና፡ ከም እኒ ሮዛ ፓርክስን ካልኦትን ዝኣመሰላ ሰባት ምስለን ኽሕተም ይግባእ እዮም ዝብሉ እቶም ጎስጎስቲ።
ነቲ ሓሳብ ከኣ ኣስታት ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ዜጋታት ይድግፍዎ ኣለዉ። ሃገረ ቻይናን ህንድን፡ ኣብ ናይ ወረቐት ገንዘበን፡ ናይ መራሕተን ነበር ማኦ ዘዳንግን ማህተማ ጋንዲን ጥራሕ እምበር
ምስሊ ደቀንስትዮ ሃገረን ብዘይምጥቃመን ካብ ዝንቀፋ ሃገራት እየን። ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንተመጺእካ ግን ኣብ ሓያሎ ናይ ወረቐት ገንዘበን ምስሊ ደቀንስትዮ ሃገረን ኣለዎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ሓሙሽተ ናይ ወረቐት ኖት ኣብ ሓንቲ ጥራይ ክህሉ እንከሎ፡ ንኤርትራ እንተወሲድና ግን ናቕፋ ኣብ ዝስመ፡ ካብ ሓደ ክሳብ ሚእቲ ኣብ ዘሎ ሽዱሽተ ናይ ወረቐት ገንዘባ፡
ምስሊ ትሽዓተ ብሄራት እታ ሃገር ብደቀንስትዮ ተወኪሉ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







