ኬንያውያን ንደቂ 10 ዓመት ደቆም መከላኸሊ ጥንሲ የውግኡ'ለው

ምንጪ ስእሊ, TONY KARUMBA/Gettyimages
ኣብ ኬኒያ ገለ ስድራታት፡ ደቂ 10 ዓመት ደቆም ካብ ቤት ትምህርቲ ከይቦኽራ መከላኸሊ ጥንሲ ክወስዳ ይገብሩ ኣለው።
ኣብ መላእ እታ ሃገር፡ ካብ 15 ክሳብ 19 ዓመት ዕድሚአን ንኡሳት ነፍሰ ጹራት ወይ ወላዳት'የን።
ብፍላይ ክዋሌ ኣብ ዝተብሃለ ክልል ድማ፡ ብምኽንያት ጥንሲ ትምህርቲ ዝተርፋ ቁጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ልዑል'ዩ ተባሂሉ።
ሓደ በዓል ሞያ ሕክምና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 10 ሚኢታዊት ዝኾና መከላኸሊ ጥንሲ ክውግኣ ዝመጽኣ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 14 ዓመት ቆልዑ'የን ኢሉ።
ንሱ፡ እቶም ስድራ ብኤችኣይቪ ወይ ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ብዛዕባ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከየገደሶም ጥንሲ ጥራሕ ምሕሳቦም ዘተሓሳስብ'ዩ ኢሉ።
ትምህርቲ ጾታዊ ርክብ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ክወሃብ ኣለዎ ተባሂሉ ዝቐረበ ምኽረ ሓሳብ፡ ብፖለቲካዊ መራሕቲ ተነቒፉ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ድማ ስነ ምግባር ዝጎደሎ ክብሉ ነጺገምዎ'ዮም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







