ናይ ባዕሉ ዘርኢ ተባዕታይ ተጠቒሙ፡ 49 ኣንስቲ ዘጥነሰ ዶክተር

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኔዘርላንድ፡ ሓደ በዓል ሞያ ስነ-ተዋልዶ ብናይ ባዕሉ ዘርኢ፡ 49 ኣንስቲ ከምዘጥነሰ ተገሊጹ።
እተን ኣንስቲ፡ ካብ ወለንተኛታት ለገስቲ፡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ደልየን ዝመጻ እኳ እንተነበራ፤ እቲ በዓል ሞያ ግን እተን ኣንስቲ እንተይፈለጣ፡ ናይ ባዕሉ ዘርኢ ብምጥቃም ክጠንሳ ገይሩወን።
ቅድሚ ክልተ ዓመታት ብሞት ዝተፈለየ እዚ ጃን ካርቦት ዝተብሃለ ዶክተር፡ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣገልግሎት ዝሃበ እንትኾን፤ ውጽኢት ምርመራ ሰረት ዘርኢ (ዲ ኤን ኤ) ከም ዘረጋገጾ፡ ኣቦ 49 ቆልዑ እዩ።
ካብቶም 49 ቆልዑት ሓንቲ ዝኾነትን ን11 ዓመታት ወላዲኣ ክትደሊ ዝጸንሐትን ጆይ፡ ''ድሕሪ ሕዚ ኣቦይ መን እዩ ዝብል ሕቶ ተመሊሱለይ'ዩ። ኣቦይ ቅድሚ ክልተ ዓመት ሞይቱ እዩ'' ክትብል ነቲ ሓቂ ኣሚና ተቐቢላ።
ጠበቓ ናይተን ግዳያት፡ እቲ ጉዳይ ንነዊሕ እዋን ኣብ ቤት-ፍርዲ ከምዝጸንሐ ብምሕባር፡ እቲ ምርመራ ብቤት ፍርዲ ምርግጋጹ ከምዘሐጎሶ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ኣብ 89 ዓመቱ ኣብ 2017 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ዝነበረ ዶክተር፡ ኣብቲ እዋን ሓደ ንዕኡ ዝመስል ቆልዓ ከም ኣብነት ቀሪቡ ነይሩ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ምርመራ ሰረት ዘርኢ ክግበር ኣዚዙ ዝነበረ እንትኾን፡ እቲ ውጽኢት ግን ዕላዊ ከይኮነ እዩ ጸኒሑ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







