ናይ ወረቐት ገንዘብ ክህሉ መንገዲ ዝጸረገ ልሕጺ ሓደ ኣብ ቻይና ዝርከብ ኦም

ማርኮ ፓሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ማርኮ ፓሎ

ማልበሪ ናይ ዝተባህለ ኦም ልሕጺ ብኸመይ ናይ ወረቐት ገንዘብ ክህሉ መንገዲ ከም ዝጸረገ ትፈልጡ'ዶ?

ቅድሚ 750 ዓመታት ኣቢሉ ይኸውን፡ ሓደ ማርኮ ፖሎ ተባሂሉ ዝጸዋዕ ቨኒስያዊ (ካብ ከተማ ቬኒስ) መንእሰይ ነጋዳይ፡ ብዛዕባ ናብ ቻይና ዝገበሮ ጉዕዞ ዝስንድ ፍሉይ መጽሓፍ ጽሒፉ ነይሩ።

እቲ መጽሓፍ ድንቅታት ዓለም ዝተሰምየ ሰነድ፡ ኣብ ውሽጡ ብዙሕ፡ ማርኮ ኣብ ጉዕዞኡ ዝተዓዘቦ ጋሻ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ልምድታት ዝመልአ'ዩ።

ሓደ ፍሉይ ነገር ግነ ነይሩ ንማርኮ ኣዝዩ ዝማረኾ፡ "ክገልጾ እንተኺኢለ" ብምባል ዝጀመሮ ትዕዝብቲ። "ሓቅን ቅኑዕን ነገር ይዛረብ ከም ዘለኹ ኣይመስለኩምን ይኸውን" ይብል።

ንማርኮ ክሳብ ክንድዚ ዝማረኾ እንታይ'ዩ? ሓደ ካብ ናይ መጀመርታ ነቲ ምህዞ ክዕዘቡ ዝኸኣሉ ኣውሮጳውያን'ዩ ነይሩ። እቲ ምህዞ ናይ ዘመናዊ ቁጠባ ዓለም መሰረት ኮይኑ ዝርከብ'ዩ - ናይ ወረቐት ገንዘብ።

ሓምሳ ነገራት

እቲ ነጥቢ፡ እቲ ወረቐት ባዕሉ ኣይኮነን። ዘመናዊ ገንዘብ ካብ ወረቐት ዘይኮነ፡ ካብ ናይ ጡጥ ጽሕጊ ወይ ጎማ እዩ ዝስራሕ።

እቲ ንማርኮ ፖሎ ኣዝዩ ዘደነቖ ናይ ቻይና ገንዘብ'ወን፡ እቲ ወረቐት ኣይኮነን።

እቲ ገንዘብ፡ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን ዝፈረሙሉ፡ ብድሙቕ ቀይሕ ሕብሪ ማሕተም ዝተገብረሉን፡ ቻይናዊ ሃጸይ ኩብላይ ካን ባዕሉ ሓቀኛ ምዃኑ ዘረጋገጾን፡ ካብ ጸሊም ናይ ማልበሪ ልሕጺ ምንጻፍ ዝተሰርሐ እዩ።

ናይ ሃጸይ ኩብላይ ካን ሓወልቲ ኣብ ኡላን ባቶር፡ ሞንጎልያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሃጸይ ኩበላይ ካን ወግዓዊ ማሕተም ዘለዎ ማልበሪ ገንዘብ ይኹን በለ፡ ኮነ ድማ

ኣርእስቲ ናይታ ሓንቲ ምዕራፍ ናይ ማርኮ ፓሎ መጽሓፍ፡ ትንፋስካ ዘምሉቕ'ዩ፡ (ከመይ ጌሩ እቲ ዓቢ [ሃጸይ] ካን፡ ነቲ ናይ ኣእዋም ልሕጺ፡ ናብ ወረቐት ከም ዝስራሕን ናብ ብምልእ ሃገሩ ክመሓላለፍን ይገብር"።

እቲ ነጥቢ እንታይ'ዩ፡ እቲ ገንዘብ ካብ ዝተሰርሐ ይሰራሕ፡ ዋጋኡ ካብቲ ዝተሰርሓሉ ጥረ ነገር ኣይነበረን፡ ከምዚ ናይ ወርቂ ወይ በሩር ሳንቲም።

እንታይ ድኣ፡ ዋጋኡ (ክብሪ) በቲ ናይ መንግስቲ ስልጣን ጥራይ ዝፍጠር'ዩ ነይሩ።

'ብልሂ' ኣገባብ

ናይ ወረቐት ገንዘብ፡ ሓደ ሓደ እዋን፡ ፊያት ተባሂሉ ይጽዋዕ'ዩ። 'ፊያት' ናይ ላቲን ቃል ኮይኑ 'ይፈጸም' ማለት'ዩ። እቲ ዓቢ ሃጸይ ካን፡ ነቲ ወግዓዊ ማሕተም ዘለዎ፡ ልሕጺ ማልበሪ ገንዘብ ምዃኑ ይእውጅ። ይፈጸም ምስ በለ እቲ ልሕጺ ገንዘብ ይኸውን።

እቲ ብልሂ ኣገባብ ንማርኮ ፖሎ ኣደኒቕዎ'ዩ። እቲ ናይ ወረቐት ገንዘብ ልክዕ ከም ወርቅን ብሩርን ከመዝዘዋወር (ዝሰርሕ) ገሊጹ።

ማርኮ ፓሎ ነዚ ኣብ ዝሰምዓሉ እዋን፤ ናይ ማልበሪ ገንዘብ ንባዕሉ ሓድሽ ኣይነበረን። ኣቐዲሙ ቅድሚ ሰለስተ ክ/ዘ ፡ ማለት ኣብ ከባቢ 1000 ኣብ ሲሽዋን፡ ቻይና፡ እዩ ተቐልቂሉ።

ኣውራጃ ሲሽዋን ኣብ ወሰን እትርከብ ኮይና፡ ብተጻባእቲ ናይ ወጻኢ ሃገራት እትዋሰን'ያ። ናይቲ እዋን'ቲ መራሕቲ ቻይና፡ ናይ ወርቅን ብሩርን ባጤራ ናብተን ናይ ወጻኢ ሃገራት ክሰግር ስለ ዘይደለዩ፡ ስግንጢር ዝኾነ ሕጊ ኣውጺኦም። ሲሽዋን ናይ ሓጺን ሳንቲም ከም እትጥቀም ጌሮም።

ናይ ቻይና ሳናቲም ንግስነት ሶንግ (960-1279)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እዚ ኣብ 2005 ዝተረኽበ ሰናቲም ንግስነት ሶንግ (960-1279) እዩ

እንተኾን ግና፡ ናይ ሓጺን ሳነቲም ግብራውያን ኣይኮኑን። ሓደ ዑማኽ ብሩር - 50 ግራም ዝዋግኡ- ክትቅይር እንተደሊኻ፡ ክንዲ ነብስኻ ዝምኽባዱ ናይ ሓጺን ሳነቲም ኢኻ ትወሃብ።

ንተራ ከም ጨው ዝበሉ ኣስቤዛታት ክትዕድግ ከማን፡ ዝያዳ ሓጺን እዩ ዝውድእ። ኣስቤዛ ንምግባር ናብ ዕዳጋ እንተ ኼድካ፡ እቲ እትወስዶ ዘምቢል ምሉእ ሓጺን፡ ለዕሊ እቲ እትዕድጎ ኣስቤዛ'ዩ ዝምዘን።

ናይ ሲሽዋን ነጋዶ ካልእ ጸገም'ውን ነይርዎም። ወርቅን ብሩርን ምጥቃም ብሕጊ ዝተኸልከለ'ዩ ነይሩ፡ ናይ ሓጺን ሳንቲም ምጥቃም ድማ ኣሸጋሪ ኮይንዎም። ስለዚ ካልእ ኣማራጺ ክፍትኑ ምጅማሮም ዘገርም ኣይኮነን።

እቲ ኣማራጺ'ቲ ኸኣ "ጂያውዚ" ወይ "ናይ መለዋወጢ ባጤራ" ይበሃል። ኣብ ክንዲ ባጎኒ ምሉእ ሓጺን፡ እቲ ነጋዳይ፡ ወረቐት ጽሒፉ፡ ዕዳኡ ጸኒሑ ከም ዝኸፍሎ ምምብጻዕ ኣጸቢቑ ይቐሎ።

እቲ ዝቐለለ ሓሳብ ድማ'ዩ ነይሩ። ግና፡ ካልእ መዳይ'ውን ነይርዎ'ዩ፡ ቁጠባዊ ብርቂ። እቲ "ጂያውዚ" ብናጻ ክንቀሳቐስ ጀሚሩ።

ንበል፡ ንኣቶ ዛንግ ኣቑሑት የቕርበሉ፡ ንሱ ድማ ብተመን ናይቲ ኣቑሑት ጂያውዚ ይህበኒ። ድሕሪኡ፡ ገለ ነገር ካብ ዕዳጋ ክገዝእ እንተደልየ፡ ኣብ ክንዲ ብናይ ሓጺን ሳነቲም ዝኸፍል፡ እቲ ኣቶ ዛንግ ዝሃበኒ ጂያውዚ ይጥቀም።

ምውላድ ናይ ወረቐት ገንዘብ

እቲ ዝተማህዘ ገንዘብ፡ ፋልማዊ ናይ ወረቐት ገንዘብ'ዩ - ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ዝመሓላለፍ ናይ ክፍሊት መብጸዓ።

እዚ ድማ ንኣቶ ዛንግ ጽቡቕ ዜና'ዩ፡ ምኽንያቱ ሰባት ነቲ ናቱ ጂያውዚ ምትሕልላፍ ዝቐለለ ናይ ክፍሊት ኣገባብ ኮይኑ ክሳብ ዝረኸብዎ፡ ናይ ሓጺን ሳንቲም ጌሩ ክኸፍል ኣየድልዮን እዩ።

ካብ ወለድ ናጻ ዝኾነ ለቓሕ የርበሖ'ዩ፡ እቲ ጂያውዚ ዑደቱ ይቕጽል ክሳብ ዝሃለወ። ካብኡ ሓሊፉ'ውን፡ ነቲ ለቓሕ ንሓዋሩ ከይኸፍሎ ይኽእል'ዩ።

ሰበስልጣን ቻይና ከምዚ ዝበለ ረብሓ ክሓለፎም ዘይምድላዮም እምባኣር ዘገርም ኣይኮነን።

ስለዚ ድማ፡ መጀመርታ ነቲ ጂያውዚ ምሃብ ሕጋዊ ምቁጽጻር ክገበርሉ ፈቲኖም፡ ቀጺሎም ግና ብሕቲ ምጽሓፍ ብምኽልካል፡ ብምልኡ ናይ ጂያውዚ ንግዲ ባዕላቶም ተቖጻጺሮሞ።

ዘመናዊ ስጉምቲ

እቲ ወግዓዊ ጂያውዚ ድማ ኣዝዩ ህቡበ ክኸውን ስለዝኻኣለ፡ ቀልጢፉ ናብ ኩሉ ከባቢታት ቻይና ጥራይ ዘይኮነ ብዓለም ደረጃ ክዝርጋሕ በቒዑ። ካብዚ ሓሊፉ'ውን ብዝለዓለ ኣብ ዕዳጋ ይሽየጥ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ምስቲ ናይ ሓጺን ሳንቲም ክወዳደር እንከሎ ንምሽካሙ ኣዝዩ ቀሊል ስለዝነበረ።

ኣብቲ መጀመርታ እቲ ናይ መንግስቲ ጂያውዚ ብጠለብ ናብ ሳንቲም ክልወጥ ዝኽእል'ዩ ነይሩ፡ ልክዕ ከምቲ ናይ ውልቂ ጂያውዚ። እዚ ስነ-ሞጎታዊ'ዩ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ነቲ ናይ ወረቐት ገንዘብ ከም ዕርቡን ናይ ሓደ ዋጋ ነገር ስለዝውሰድ።

ከይደንጎየ ግን፡ እቲ መንግስቲ ናብቲ ናይ "ፊያት" ስርዓት ቀዪሩ። ነቲ ናይ ጂያውዚ መትከላት ከምዘለዎ ገዲፉ፡ እቲ ናብ ሳንቲም ግን ከም ዘይልወጥ ጌርዎ። ዝኣረግጂያውዚ ከተቐይር ናብ ካዝና መንግስቲ እንተ መጺእካ፡ ሓድሽ ጂያውዚ ተቐቢልካ ኢኻ ትምለስ።

እቲ ዝነወሐ ዕድመ ኣለዎ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ 1699 ብናይ ኢንግላንድ ባንከ ዝተሓትመ ቅርሺ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ ዝነወሐ ዕድመ ኣለዎ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ባንክ ቅርሺ፡ ኣብ 1699 ብናይ ኢንግላንድ ባንከ ዝተሓትመ

እዚ ድማ ዘመናዊ ስጉምቲ'ዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ምሉእ ዓለም እንጥቀመሉ ዘሎና ገንዘብ ብማእከላይ ወይ ሃገራዊ ባንከታት'ዩ ዝተፈጠረ ኮይኑ፡ ንዝኣረገ ኣቕራሽ ብሓደሽቲ ናይ ምትካእ መብጸዓ እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ምርኩስ ዝገበረ ኣይኮነን።

ፈተና

ንመንግስታት፡ ናይ ፊያት ገንዘብ ወይ ስርዓት ኣብ ፈተና'ዩ ዘእትዎም፡ ዕዳ ዘለዎ መንግስቲ ብቐሊሉ ዝያዳ ገንዘብ ከሕትም ይኽእል'ዩ። እቲ ፈተና ክጻወርዎ ከም ዘይክእሉ ድማ ቀልጢፉ'ዩ ተፈሊጡ።

እንተኾነ ግና፡ በዙሕ ገንዘብ ደደሕሪ ዉሱን ኣቑሑት ክጎዪ እንተጀሚሩ፡ ዋጋታት ክውስኽ ይኽእል'ዩ።

ናይ ሶንግ ንግስነት ኣዝዩ ብዙሕ ጂያውዚ ኣሕቲሙ። ምምስራሕ (ፎርጅድ) ናይቲ ገንዘብ'ውን ተወሳኺ ጸገም ኮይኑ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ መጀመርታ 11 ክ/ዘ ዋጋ ጂያውዚ ብምጉዳሉ፡ ባይታ ዘቢጡ 10% ናይቲ ዝነበሮ ዋጋ ጥራይ ነይሩዎ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብዙሓት ሃገራት ካብዚ ዝኸፍእ ምንቁልቋል ኣጋጢወን'ዩ። ወይማር (ጀርመን)ን ዚምባብወን፡ ካብተን ብሰንኪ ተኸታታሊ ገንዘብ ምሕታም ቁጠባአን ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ብምጽሑን ዋጋታት ትርጉም ዝሰኣነሎም ብኣብነት ዝጥቀሳ ሃገራት እየን።

ሓደ ሚእቲ ትርልዮን ናይ ዚምባብወ ዶላር ባጤራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዚምባብወ ኣዝዩ ልዑል ዝቕባበ ዝተራእየላ ሃገር'ያ

ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ ዝቕባበ ክብረ ወሰን ዝሓዘት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዋጋታት ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዓብየላ ዝነበረ ሃገር ግና ሃንጋሪ ኣብ 1946 እያ። ኣብቲ እዋን ኣብ ሓደ ናይ ቡዳፐስት (ርእሰከተማ'ታ ሃገር) ቤት ሻሂ እንተ ኣቲኻ፡ እትዉ ምስ በልካ እንተዘይከፊልካ፡ ክትወጽእ እንከሎኻ ዋጋ ቡን ወሲኹ ክትረኽቦ ዝከኣል'ዩ ነይሩ።

ናይ ወርቂ መለክዒ

እዞመ ሳሕቲ ጥራይ ዝራኣዩ ፍጻሜታት፡ ንገለ ናይ ቁጠባዊ ሕሉፋት፡ ናይ ፊያት ገንዘብ ብፍጹም ርጉእ ክኸውን ኣይክእልን ኢሎም ክኣምኑ ኣኽኢልዎም'ዩ።

ነቲ ናይ ወርቂ መለክዒ ዝነበረሉ፡ ናይ ወረቐት ገንዘብ ብንእሽቶ ወርቂ ዝልወጠሉ ዝነበረ እዋን'ዮም ዝናፍቑ።

Gold bars at Germany's Bundesbank ናይ ወርቂ መታወር ኣብ ናይ ጀርመን በንደስባንክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወርቂ ንኣሽሓት ዓመታት ከም ባጤራ ኣገለጊሉ'ዩ

እቶም ዝብዝሑ ናይ ቁጠባ ኪኢላታት ግን፡ ንገንዘብ ምስ ወርቂ ምትእስሳር ግናይ ሓሳብ'ዩ ይብሉ።

ዋላኳ ሰብ መዚ ማእከላይ (ሃገራዊ) ባንክታት እቲ ዝድለ መጠን ገንዘብ ጥራእ ከም ዝሓትሙ ክትኣምኖም ዘሸግር እንተኾነ፡ ካብ ነቶም ዓደንቲ ዝኹዕትዎ መጠን ሓድሽ ወርቂ ካብ ምእማን ይሓይሽ።

ኣብ እዋን ቅልውላዉ፡ ነተን ኣብያተ ማሕተም ዝያዳ ከም ዝሰርሓ ምግባር'ውን ሓደ ጽቡቕ ነገር'ዩ።

ድሕሪ'ቲ ናይ 2007 ፋይናንሳዊ ቅልውላው፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ፈደራል ሪሰርቭ (ማእከላይ/ሃገራዊ ባንከ)፡ ዝቕባበ ከየስዓበ ብትሪልዮናት ዶላራት ዝቑጸር ገንዘብ ናብቲ ቁጠባ ፈንዩ። ብሓቂ'ውን እተን ሓተምቲ ተምሳሌት እየን፡ እቲ ትሪልዮናት ብኮምፒተራት፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ብዘለዋ ባንክታት ዝተፈጥረ እዩ።

ከምቲ በቲ ኩነታት ዝተመሰጠ ማርኮ ፓሎ ዝበሎ፡ "እቲ ዓቢ ማእከላይ ባንክ፡ እቶም ኣሃዛት ኣብ ናይ ኮምፒዩተር ስክሪን ከም ዝህልዉ ብምግባር፡ ከም ሓደ ሊስታ ተዘርጊሑ፡ ከም ገንዘብ ይመሓላለፍ"።

ቴክኖሎጂ ተለዊጡ'ዩ፡ እቶም ከም ገንዘብ እንጥቀመሎም ነገራት ግና ከደንቑና ይርከቡ።