ኮሮናቫይረስ፡ መጠን ካብ ባንኪ ዝወጽእ ገንዘብ ምግዳብ ስለምንታይ ኣድለየ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ብዘውጽኦ ሓድሽ መምርሒ፡ ትካላት ኮኑ ውልቀሰባት፡ መዓልታውን ወርሓውን ካብ ባንኪ ከውጽእዎ ዝኽእሉ መጠን ጥረ ገንዘብ ደሪቱ ኣሎ። እዚ እገዳ ድማ ኣብ ባንክታትን ትካላት ማይክሮፋይናንስን ተግባራዊ ክኸውን ጀሚሩ ኣሎ።
ብመሰረት እዚ፡ ሓደ ውልቀሰብ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 200 ሽሕ ብር፤ ኣብ ወርሒ ድማ ክሳብ ሓደ ሚሊየን ብር ካብ ባንኪ ብጥረ ገንዘብ ከውጽእ ይኽእል።
ትካላት እንተኾይኖም ድማ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 300 ሽሕ ብር፤ ኣብ ወርሒ'ውን ክሳብ 2.5 ሚሊየን ብር ብጥረ ገንዘብ ከንቀሳቕሱ ይኽእሉ ይብል።
ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዶክተር ይናር ደሴ፡ "ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ስርዓት ብምትሓዝ፣ ገበንን ምትላል ግብርን ንምክልኻል ንክሕግዝ" ነዚ ስጉምቲ ከም ዝተወሰደ ሓቢሩ።
ነዚ ዝምልከት ግን ብዙሓት ሕቶታት ይለዓሉ ኣለው።
በዓል ሞያ ስነ ቑጠባ ኣቶ ዋሲሁን በላይ፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ፖሊሲ ቑጠባ ክወጽእ እንከሎ፡ እቲ ቑጠባ ንክረጋጋእን ሃዲኡ ንክቕጽልን እንተተደልዩ፡ መንግስታት ክልተ ዓይነት ፖሊሲታት ከም ዝኽተሉ የረድእ።
በጀት እንታይ ክመስል ኣለዎ? ሰባትን ትካላት ንግድን ክኸፍሉዎ ዝግባእ ግብሪ እንታይ ይመስል? ተባሂሉ ዝውሰነሉን፡ ሚኒስትሪ እቶትን ሚኒስትሪ ገንዘብን ዝቆጻጸሩዎን ፊሲካል ፖሊሲ ሓደ ኮይኑ፡ ሃገራዊ ባንኪ ዝቆጻጸሮ ሞኒተሪንግ ፖሊሲ ድማ እቲ ኻልኣይ እዩ።
እቲ ሃገራዊ ባንኪ ክምስረት ከሎ፡ ቐረብ ባጤራ እንታይ ክመስል ኣለዎ? ክንደይ ዝኣክል ባጤራ ተሓቲሙ ኣብ ዕዳጋ ክዘዋወር ይግባእ? ዝብሉ ናይ ምቁጽጻር ሓላፍነት ከም ዘለዎ'ውን የብርህ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ባንኪታት ዘሎ መጠን ዕዳ ወለድ ዝቆጻጸሮ እቲ ባንኪ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ኣቶ ዋሲሁን፡ ሕጂ ሃገራዊ ባንኪ ካብ ዘለውዎ ክልተ ስልጣን ነቲ ሓደ ተጠቒሙ ኣብ ዕዳጋ ዝህሉ ቐረብ ገንዘብ እንታይ ክመስል ኣለዎ? ዝብል ወሲኑ ኣሎ ይብል።
እቲ ምኽንያት እንታይ ክኸውን ይኽእል?
ከም ርኢይቶ እቲ በዓል ሞያ እንተኾይኑ፡ ብርግጽ ንዝሓለፉ ብርክት ዝበሉ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መጠን ገንዘብ ብግልጺ ክፍለጥ ኣይኽእልን።
"ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 700 ክሳብ 800 ቢሊየን ብር ኣብ ዕዳጋ ከም ዘሎ ይፍለጥ'ዩ፤ ግን ድማ ብልክዕ መጠን እቲ ዘሎ ገንዘብ ምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ" ኢሉ።
ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ውሽጢ ዕዳጋ ዘሎ መጠን ገንዘብ ምፍላጥ ከም ዘድሊ ብምጥቃስ፡ "መጠኑ እንድሕር ዘይፍለጥ ዝተፈላለዩ ዘይሕጋዊ ናይ ንግዲ ስርዓት ክበዝሑ ስለ ዝኽእሉ፡ እቲ ሃገራዊ ባንኪ ነዚ ንምፍላጥ እቲ ውሳነ ክውስን ክኢሉ ክብል ይኽእል እየ" ይብል።
ካልእ መንግስቲ እንተዘይገለጾ'ውን፡ ኣብታ ሃገር ሕጽረት ባጤራ ምህላው ኣቶ ዋሲሁን ይዛረብ።
"ቐረብ ጥረ ገንዘብ ይውሕድ ኣሎ፤ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስን ካልኦት ጉዳያትን ገንዘብ ዘለዎም ሰባት ጥሪቶም ኣብ ኢዶም ክሕዙ'ዮም ዝደልዩ" ዝብል ኣቶ ዋሲሁን፡ ንመንግስቲ ብግልጺ ሕጽረት ባጤራ ኣጋጢሙኒ'ዩ ኢልካ ምዝራብ ዘስዕቦ ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላው ከቢድ እዩ ይብል።
"ብምኽንያት እዚ ለበዳ ሰባት ንመድሓኒት፣ ሕክምናን መግብን ዝኾኑ ወጻኢታት ጥራሕ እዮም ዘውጽኡ ዘለው" ዝብል እዚ በዓል ሞያ፡ ብተወሳኺ ጽባሕ ብዝመጽእ ነገር ትስፉው ዘይምዃን ገንዘብካ ኣብ ባንኪ ናይ ምቕማጥ ድልየት ክትስእን እዩ ዝገብር ክብል የረድእ።
"ሕጂ ብዙሕ ገንዘብ እዩ ካብ ባንኪታት ዝወጽእ ዘሎ" ዝብል ኣቶ ዋሲሁን፡ እቲ ሕማም ቅድሚ ምእታው ናብ ባንኪ ልምዓት ዘይተመለሱ ዝተበላሸዩ ልቓሓት ከም ዘለው ብምግላጽ፡ ብርክት ዝበሉ ሰብ ሃፍቲ ልቓሕ ወሲዶም ክኸፍሉ ኣይክኣሉን ኢሉ።
ኣብ ወፍሪ [ኢንቨስትመንት] ዝተዋፈሩ ሰባት ዝወሰዱዎ ልቓሕ ክመልሱ እንተዘይክኢሎም ድማ፡ ሰባት ኣብ ባንኪ ዘቐመጡዎ ገንዘብ የለን ማለት ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ እዚ ንሕጽረት ገንዘብ ምኽንያት ከም ዝኸውን የረድእ።
እዚ ሕማም ዝርግሕኡ እናወሰኸ እንተኸይዱ፡ ምንቅስቓስ ሰባት ክግደብ እንከሎ፣ ነጋዶ ዓቕሞም እንትዳኸም፣ ገንዘብ ኣብ ኢዶም ሒዞም ክጥቀሙ ክመርጹ ከለውን ኣድላዪ ንዝበሉዎ ጥራሕ ገንዘብ ከውጽኡ ከለውን፣ ኣብ ባንኪታት ዘሎ ሪጋ ጸሊኦም ገንዘብ ካብ ባንኪ እናውጽኡ ከቐምጡ ከለው፡ ከቢድ ሕጽረት ገንዘብ ከጋጥም ከም ዝኽእል እቲ በዓል ሞያ ይጠቅስ።
"ዜጋታት በቲ ዝመጽእ ጊዜ ርግጸኛታት ክኾኑ እንተዘይክኢሎም፡ ገንዘቦም ስለ ዝሕዙ ናይ ምቑጣብ ዓቕሞም ይደክም። በዚ ምኽንያት ቐረብ ገንዘብ እናውሓደ ስለ ዝመጽእ እዩ መንግስቲ ነዚ ውሳኔ ወሲኑ"።
ብተወሳኺ ግን፡ መንግስቲ ወፍሪ ንክዓቢ ቑጠባ ንምትብባዕ ሓሲቡ ወሲኑዎ ክኸውን ከም ዝኸእል ዝገልጽ ኣቶ ዋሲሁን በላይ፡ "ባጤራ ካብ ባንክን ስርዓት ፋይናንስን ወጻኢ ብዝለዓለ መጠን ክንቀሳቐስ ኣይፈቅድን። ስለዚ ሃገራዊ ባንኪ'ውን ኣብ ዝኾነ ሰዓት ናይ ጥረ ገንዘብ ምዝውዋር ስርዓት ከውጽእ ግድን ኮይኑ ኣሎ" ኢሉ።
'ዝጻባእ ፖሊሲ ቑጠባ'
በዓል ሞያ ስነ ቑጠባ ዶክተር ጉቱ ቴሶ ስጉምቲ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ከም ዝዛይዱ ይጠቅስ።
"እዚ ስጉምቲ ሓደገኛ እዩ። ድሕሪ ሕጂ ዝኾነ በዓልቲ ሃፍቲ ዝኽፈሎ ባጤራ ብጥረ ገንዘብ ተቐቢሉ ኣብ ገዝኡ ክኽዝን እዩ። እዚ ድማ ገንዘብ ናብ ባንኪ ኣትዩ ምንቅስቓስ ከይፍጠር እዩ ዝገብር" ክብል ዚያዳ ጎዳኢ ውሳነ ምዃኑ የብርህ።
ምትላል ግብሪ ንዝምልከት ዶክተር ጉደቱ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግቡእ ግብሪ ንዘይምኽፋል 'ከሲረ እየ' ዝብሉ ጥርዓናት ብምቕራብ ግብሪ ዘይኸፍሉ ብዙሓት ነጋዶ ከም ዘለው ኣይከሓድን በሃሊ እዩ።
"ይኹን'ምበር፡ ብከምዚ ዓይነት መገዲ ሰባት ሃዲንካ ግብሪ ክኸፍሉ ምግባር ይከኣል'ዶ? ዘላቒ ፍታሕ ደኸ'ዩ?" ክብል ይሓትት።
እዚ በዓል ሞያ ከም ዝብሎ እንተኾይኑ፡ ውሳነ መንግስቲ "ካብ ባንኪ ወጻእ ክግበር ናብ ዝኽእል ናይ ባጤራ ምልውዋጥ ስለ ዝወስድ፡ ቑጠባ እታ ሃገር ንቑልቑል ኣፉ ክድፋእ ይኽእል'ዩ" ክብል የጠንቅቕ።
ዶክተር ጉቱ፡ ውሳነ መንግስቲ እታ ሃገር ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዘስዕቦ ቁጠባዊ ቅልውላው ንክትነቓቓሕ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ኣሉታዊ ጸቕጢ ከሕድር ከም ዝኽእል የረድእ።
"ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ባንኪታት ብልቓሕ ዝህብኦ እኹል ገንዘብ ኣይነበረንን። ሃገራዊ ባንኪ ንርእሱ ኣብ ተቐማጢ ገንዘብ ምምሕያሽ እናገበረ ንባንኪታት ገንዘብ ዝህበሉ ኣጋጣሚ ነይሩ'ዩ" ይብል።
ወሲኹ፡ እቲ ለበዳ ምስ መጽአ ቑጠባ ዓለም ኣዝዩ ከም ዝተሃሰየ ዝርኣይ እዩ ብምባል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንትካላት ፋይንናንስ ንምሕጋዝ መንግስቲ ካብ ሃገራዊ ባንኪ 15 ቢሊየን ብር ክወሃብ ከም ዝገበረ የዘኻኽር።
"እዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ልቓሕ ወሃብቲ ንተለቃሕቲ ግዜ ንከናውሑሎም፣ ናይ ወለድ መጠን ንክንኪ፣ ተወሳኺ ልቓሕ ንዝደልዩ ልቓሕ ንክረኽቡ፣ ኣፍረይቲ ምህርቶም ንከዕብዩ እዩ። ነዚ ድማ ጽቡቕ ባጤራ ኣቕሪቡ ጽቡቕ ቑጠባዊ ፍሰት ክህሉ'ዩ ኣብ ዝበልናሉ ሰዓት ኣብ ዝውውር ገንዘብ ገደብ ምስ ምግባር ዝጻባእ ስጉምቲ እዩ" ኢሉ።
ጽቡቕ ጎኒ?
መንግስቲ፡ ዘይሕጋዊ ዝውውር ባጤራ ብምህላዩ ነዚ ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝተገደደ ይገልጽ።
በዓል ሞያ ስነ ቑጠባ ዶክተር ጉቱ ድማ፡ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብ ባንኪ ወጻኢ ዝኸውን ናይ ባጤራ መጠን ምግዳብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ንምዕጋት ከም ዝጠቅም ይሰማማዕ።
ነዚ ከረድእ እንከሎ፡ "ቅድሚ እቲ ለበዳ ምምጽኡ ሰብ ከም ድላዪ ይንቀሳቐስ ነይሩ። ገንዘቦም ብካሻ ጽዒኖም ናብ ሃርጌሳ፣ መተማ ይኸዱ ነይሮም። ሕጂ ግን ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ሰባት ከም ድላዮም ክንቀሳቐሱ ኣይኽእሉን። ስለዚ ባንኪ ክጥቀሙ ይግደዱ ኣለው ማለት እዩ" ይብል።
ወሲኹ፡ "ሓደ ሰብ ናብ ባንኪ ኣታዊ ዝተገብረ ባጤራ ከውጽእ እንትደሊ፡ ወጻኢ ዝተሓተተ ጨንፈር ባንኪ ብዙሕ ገንዘብ ስለ ዝተሓተተ ስራሕ ደው ኣቢሉ ኣሎ ማለት እዩ። እቲ ውልቀሰብ ድማ ክንዲ ዝኣክል ገንዘብ ካበይ ኣምጺእኻዮ ተባሂሉ ይሕተት። በዚ መልክዕ ክትቆጻጸሮ ትኽእል ኢኻ" ክብል እቲ ውሳነ ክህልዎ ዝኽእል እወንታዊ ጎኒ የረድእ።
ኣቶ ዋሲሁን ብወገኑ እዚ ውሳነ ሕማቕ ከም ዘይኮነ ይዛረብ።
"መንግስቲ ናይ ባጤራ ቐረብ ክቆጻጸር ይግባእ። ብዙሕ ገንዘብ ኣብ ዕዳጋ ክዘዋወር ከሎ ዝቕባበ ዋጋ ይፍጠር። ትኽልከለኛ ዘይኮነ ገንዘብ ካብቲ ሓቀኛ ገንዘብ ንምፍላይ'ውን ኣጸጋሚ እዩ" ክብል መንግስቲ ነዚ ንምቁጽጻር ዝወሰዶ ስጉምቲ እዩ ኢሉ ይኣምን።
"እቲ ውሳነ፡ ውልቀሰባት ጥረ ገንዘብ ክሕዙ የብሎምን እምበር ከንቀሳቕሱ የብሎምን" ዝብል ኣይኮነን ዝብል ኣቶ ዋሲሁን፡ ድጂታላዊ ብዝኾነ መገዲ ስርዓት ዕዳጋ ክፍጸም ዘኽእል ኣሰራርሓ እንተሃልዩ ብሞባይል፣ ኤቲኤም ወይ ቼክ ክፍጸሙ ዝኽእሉ ልውውጣት ጠጠው ክብሉ ኣይተገብረን ኢሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







