ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ ንኢትዮጵያ 411 ሚልዮን ዶላር ከምዝህባ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ንኢትዮጵያ 411 ሚልዮን ዶላር ከምዝህብ ገሊጹ።
እቲ ትካል ዘጽደቖ ሕጽጽ ሓገዝ፡ እቲ ገንዘብ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምምካት ዝውዕል ከምዝኾነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኢትዮጵያ ንዘለዋ ክፍሊት ዕዳ ክናወሐላ ብመሰረት ዘቕረበቶ ሕቶ ድማ፡ ቦርድ እቲ ትካል ክናዋሕ ከምዝፈቐደ ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ፡ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝመጽእ ዘሎ 13 ጥቅምቲ 2020 ክትኸፍሎ ዝግብኣ 12 ሚልዮን ዶላር ዕዳ ክሳብ 13 ሚያዝያ 2022 ከፊላ ንክትውድእ ተናዊሑላ ዘሎ።
ድምር ዕዳ ኢትዮጵያ 52.57 ቢልዮን ዶላር ከም ዝበጽሕ ሚንስትሪ ገንዘብ ኢትዮጵያ ኣብ 2019 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ 131 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለውን፡ ሰለስተ ሰባት ድማ በዚ ቫይረስ ሞይቶም ኣለው።
ናይ ወጻኢ ዕዳ
ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ቁጠባ ዓለምና ኣዝዩ እዩ ዘንቆልቁል ዘሎ።
ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብን ካልኦት ሰብ ሞያ ቁጠባን ከምዝብልዎ፡ ሳዕቤን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድሕሪ'ቲ ኣብ 1930ታት ዘጋጠመ ብ 'ግሬት ዲፕረሽን' ዝፍለጥ ቁጠባዊ ድስካለ፡ እቲ ዝኸፍአ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ዳርጋ ኩለን ሃገራት ዓለም፡ በዚ ለበዳ ይህሰያ'ኳ እንተሃለዋ፤ ዝያዳ ግን ቁጠባ ድኻታት ሃገራት ብዝተፈላለዩ መገድታት እዩ ዝህሰ ዘሎ።
ካልእ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ድማ ናይ ወጻኢ ዕዳ እዩ። ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን፡ ናይ ብዙሓት ሃገራት ባጤራ ዋግኡ ነክዩ ኣሎ።
ናይ ሃገራት ባጤራ ዋግኡ ከንቆልቁል ከሎ ድማ፡ ብኻልእ ዓይነት ባጤራ (ንኣብነት ብዶላር ኣመሪካ) ንዝተወሰደ ዕዳን ወለድን ንምምላስ ኣጸጋሚ ይገብሮ።
ድኻ ሃገራት ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥዕናዊ ቅልውላውን ሳዕቤናቱን ንምምካት፡ ገንዘበን ኣብ ዘውፍራሉ ዘለዋ እዋን፡ ናይ ወአኢ ዕዳን ወለድን ክኸፍላ ከጸግመለን እዩ። ነዚ ድማ እዩ፡ ኣብ ጉዳይ ድኻተት ሃገራት ዝወሰደኦ ናይ ወጻኢ ዕዳ፡ ጽዑቕ ጎስጓሳት ዝካየድ ዘሎ።
ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ ምዕቡል ቁጠባ ዘለወን ሃገራትን፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ድኻታት ሃገራት ዘሎ ሸኽሚ ንምቅላል ገለ ስጉምትታት ወሲደን ኣለዋ። እዚ ድማ፡ ኣብቲ ዝቕጽል ኣዋርሕ፡ ኣብ ምምላስ ዕዳን ምኽፋል ወለድን ሩፍታ ክረኽባ ብምግባረን እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







