ሓዲሽ ዝምስረት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምንታይ ከትኩር ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, HPR
ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቶ ታገሰ ጫፎ፡ ሓድሽ መንግስቲ ፌደራል 24 መስከረም 2014 ብኣቆጻጽራ ግእዝ ከምዝምስረት ገሊጹ ኣሎ፡፡
ክልላት ብተመሳሳሊ ሓደሽቲ መሓውራት ምምሕዳር ንምውዳብ ኣብ ምድላው ዝርከቡ ኮይኖም ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮምያ 15 መስከረም 2014 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ክልላዊ መንግስቲ መስሪቱ እዩ፡፡
ብተወሳኺ ክልል ደቡብ 19 መስከረም ፡ ጋምቤላ፣ ኣምሓራን ሲዳማን 20 መስከረም፣ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ 21 መስከረም 2014 ዓ/ም ምምሕዳራት ከጣይሱ እዮም፡፡
ንምዃኑ ቀንዲ ትኹረታት እቲ 24 መስከረም 2014 ዓ/ም ዝምስረት መንግስቲ እንታይ ክኾኑ ይኽእሉ?
'ዘየቋርጽ ናይ ኲናት ዓንኬል’
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር መምህር ፖሊቲካል ሳይንስን ዓለም ለኻዊ ርክብን ውሂበእግዚሀር ፈረደ (ዶ/ር) እቲ ሓድሽ መንግስቲ ነቶም ዘቐምጦም ኣጀንዳታት ናይ ምፍጻም ዓቕሚ ዝረክብ ካብ ባህርያት እቲ ዝምስርቶ መንግስቲ ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ፡፡
ባህርያት እቲ ዝምስረት መንግስትን ኣሳታፍነቱን፡ ኣብቶም ክስርሑ ተባሂሎም ዝምደቡ ቀንዲ ተግባራት ናይ ባዕሎም ኣበርክቶ ክህልዎም ይኽእል እዩ ክብል የረድእ፡፡
በዓል ሞያ ስነ ቁጠባ ዝኾነ ጉቱ ቴሶ (ዶ/ር) ብወገኑ እቲ ሐዚ ዝምስረት መንግስቲ ካብቲ ዝነበረ ‘‘ከቢድ ክበሃል ዝኽእል ቁጠባዊ ግድላት ክገጥሞ ይኽእል እዩ’’ ብምባል ሙያዊ ርእይቶኡ ይገልጽ፡፡
እቲ ሓድሽ ዝምስረት መንግስቲ ቅድሚ ሐዚ ንዳሕራይ ዝተገደፉ፣ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝተወንዘፉን ናብዚ እዋን ዝተሰጋገሩን ጉዳያት ከምዝርከብ ዝገልጽ ውሂበእግዝሄር፡ ካብዚኦም ሓደ ናይ ኢትዮጵያውያን ናይ ዘበናት ሕቶ ዝኾነ ህንጸት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከምዝኾነ ይጠቅስ፡፡
እዚ ሓድሽ መንግስቲ ካብዚ ንዘበናት ዝጸንሐ ህዝባዊ ሕቶ ብውሑድ መሰረታዊ ዝኾነ ጅማሮ ከርእይ ከምዝጽበ ብምጥቃስ፡ ነዚ እውን ኣሳታፊ ዝኾነ መንግስቲ ምምስራት እቲ ቀዳማይን ወሳንን ስጉምቲ እዩ ይብል፡፡
ብተወሳኺ ነቲ ኣብዚ እዋን ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ጸጥታ ንምፍታሕን ዘላቒ መፍትሒ ንምርካብን ክሰርሕ ከምዘለዎ፤ እዚ ድማ ቀንዲ ኣጀንዳ እቲ ሓድሽ መንግስቲ ክኾን ከምዝግባእ ተዛሪቡ፡፡
'ዘላቒ መፍትሒ ተባሂሉ ዝውሰድ እንታይ እዩ?' ዝብል ብወታሃደራዊ መንገዲ ድዩ ወይስ ሃገራዊ ዘተ ዝብል ዝውስን እቲ ሓድሽ ዝምስረት መንግስቲ ከምዝኾነ እውን ይገልጽ፡፡
መንግስቲ ሕቶ ህዝቢ ብጠበንጃ ካብ ምፍታሕ ብዝሓሸ መንገዲ ንምትእንጋድ ዝኽእለሉ ድልዱል መስርሕ ክመጽእ እዩ ዝብል ተስፋ ዘለዎ ውሂበእግዝሄር (ዶ/ር) ነዞም ጉዳያት ንምፍታሕ እቲ ናይ ፖለቲካዊ ለውጢ ከይድን ሃገራዊ ዘተን በዓል መን የካትት ዝብል ወሳኒ ከምዝኾነ ይሕብር፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስመጸአ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ፖለቲካዊ ተጻብኦታት ብሓሳብን ዘተን ክፍትሑ እዮም ዝብል ተስፋ ተፈጢሩ ከምዝነበረን እንተኾነ እታ ሃገር ዳግም ናብ ናይ ኲናት ዓንኬል ከምዝኣተወትን ይጠቅስ፡፡
ነዚ ናይ ኲናት ዓንኬል ንምስባርን ንኢትዮጵያውያን ናብ ሓደ ናይ ፖለቲካ ስሕበት ንምምጻእን እቲ ዝውሰድ ናይ ለውጢ ስጉምቲ ኣሳታፋይ ክኸውን ይግባእ ዝብል ሓሳብ እውን ኣለዎ፡፡
በዓል ሞያ ቁጠባ ጉቱ ቴሶ(ዶ/ር) ብወገኑ ብሰንኪ እዚ ኲናት ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም ኣብያተ ትምህርቲ፣ ማእከላት ጥዕና፣ ኢንዳስትሪታትን ሰብ ሃብትን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ጉድኣት ከምዝበጸሖም ይሕብር፡፡
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵየ ዘሎ ኲናት፣ ኣብ ምዕራብን ደቡብን ዘሎ ዘይምርግጋእን ኣብ ብዙሓት ቁጠባዊ ሃብትታትን መሰረተ ልምዓትን ዕንወት ኣብጺሑ እዩ፡፡
ኣብቲ ዝተዳኸመ፣ ዝተጠቕዐን ዝተጎደአን ቁጠባዊ ትሕተ ቕርጺ ዝምስረት ሓድሽ መንግስቲ ክንደይ ዝኣክል ድልየት ህዝቢ ከማልእ ይኽእል ዝብል እንትትሓስብ ከቢድ ፈተና ኮይኑ ከምዝረአ እቲ በዓል ሞያ የረድእ፡፡
ምሁር ፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኻዊ ርክብን ውሂበእግዚሀር (ዶ/ር) ዝተጀመረ ለውጢ ትካላዊ ምግባር ከምዘድልን ካብዚ ብዝዘለለ ‘‘ ኢትዮጵያ ካበይ ተበጊሳ ኣበይ ከምእትበጽሕ ኣብ ናይ ለውጢ ኣጀንዳ ብግልጺ ክቕመጥ ኣለዎ’’ ክብል ይመክር፡፡
ብተወሳኺ ‘‘ነቲ ሕገ መንግስቲ ምምሕያሽ ወይ ሓድሽ ምርቃቕ፣ ናይቲ ፌደሬሽን ቅርጽን መጻኢ ዕጫን፣ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ከመይ ክኸውን ኣለዎ’’ ዝብል እውን ምስኡ ተኣሳሲሩ ክረኣይ ኣለዎ ይብል፡፡
ልዕሊ እዚ ኩሉ ግን ሃገራዊ ዘተ ከምዝቕድም እዩ ዝሕብር፡፡
ዞባዊ ለውጥን እቲ ሓድሽ መንግስትን
ውሂበእግዝሄር እታ ሃገር ምስ ሱዳን ዘለዋ ርክብ ናብ ሓድሽ ምትሕብባር ምዕባይን ካብቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ከም ጽቡቕ ዕድል ናይ ምጥቃም ምንቅስቓስ ክግበር ተስፍኡ ይገልጽ፡፡
ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ስትራተጂካዊ ምግባር ይከኣል እዩ ዝብል እዚ ምሁር፡ "ኮይኑ ግና ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ምስ ሱዳን ዝነበራ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ንምቕጻል ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ" ይብል፡፡
እቲ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዝተልዓለ ምስሕሓብ ዶብ ንምፍታሕ ‘‘ብጣዕሚ ቀሊል ይመስለኒ’’ብምባል ድማ ነዚ ጸገም መልዓሊኡ ብወገን ኢትዮጵያ ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ድኽመት እዩ ይብል፡፡
ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ርክብ ዝምልከት ድማ ‘‘ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ርክብ ናብ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ዘዕብዩ ስራሕቲ ክስርሑ እዮም ኢለ ይጽበ’’ ክብል ገሊጹ፡፡
ዓለም ለኻዊ ርክብን እቲ ሓድሽ መንግስትን
ኣመሪካን ኣውሮጳን ቅድሚ ሕዚ ብቃላት ዝፍክርሉ ዝነበሩ ቁጠባዊ ማዕቀብ ኣብዚ እዋን ብናይ ፕረዚደንት ኣመሪካ ፊርማ ናብ ተግባር ይኣትዉ ከምዘለዉ እዩ ምሁር ስነ ቁጠባ ጉቱ ቴሶ (ዶ/ር) ዝሕብር፡፡
‘‘ብፍላይ መስ ኣመሪካን ኣውሮጳን ተጋጪና ማለት ኢትዮጵያ ካብ ሰማይ ናብ መሬት ከምዝጸደፈት እዩ (ዝሕሰብ)’’ ዝብል እዚ ምሁር፡ እቲ ሓድሽ መንግስቲ ዝገጥምዎ ብደሆታት ካብቶም ናይ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ መንግስታት ዝሓየሉ እዮም ድማ ኢሉ፡፡
ዝዓበየ ሓገዝ በጀት ኢትዮጵያ፡ ካብ ኣመሪካ፣ ቀጺሉ ካብ እንግሊዝን ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣውሮጳ ከምእትረክብ እዩ ዶ/ር ጉቱ ዝገልጽ፡፡
‘‘እዚኦም ኩሎም ገጾም እንድሕር ኣዚሮምልና፣ እቲ ሐዚ ዝጀመርዎ ማዕቐብ ዝቕጽልዎ እንተኾይኖም፡ ኢትዮጵያ ናብ 'ነብሲ ውጺ ነብሲ እተዊ' እውን ክትበጽሕ ትኽእል እያ’’ ክብል ስግኣቱ ይገልጽ፡፡
ውሂበእግዚሀር ብወገኑ ሓድሽ ርክባት ወጻኢ ምስ መን እንተኾነ ዘላቕን ስትራተጂካውን ረብሓ ይህልዎ ዝብል ሕቶ ካልእ ትኹረት እቲ ሓድሽ መንግስቲ ከምዝኸውን ይትንቢ፡፡
‘‘ነዚ ብዝምልከት ኢትዮጵያ ካብ ዝሑል ኲናት ትምህርቲ እትወስድ ይመስለኒ’’ ብምባል ኣብዚ እዋን ዘሎ ኣሰላልፋ ሓይልታት ብዕምቆት ብምርዳእ ናይ ምግንዛብን ምትንታንን ስራሕ ከምዝስራሕ ይግምት፡፡
‘‘ምስ ምዕራባውያን እንትንጓነጽ ምስ ሰብ ሃብቲ ወጻኢ ኢና እንጓነጽ ዘለና፡፡ ኣብዚ ዘሎ ጠቕሊሉ እዩ ዝወጽእ፤ እቲ ካልእ ድማ ኣይመጽእን’’ ዝብል በዓል ሞያ ስነ ቁጠባ ጉቱ ቴሶ(ዶ/ር) ፡ እቲ ቀዳማይ ነገር ምስ ኣመሪካ ምስምማዕን ምድርዳርን ክኸውን ከምዝግባእ እዩ ዝመክር፡፡
ጉቱ ከምዝብሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብውሑድ እቶም ማዕቀባት ተግባራዊ ከይኾኑ ነታ ሃገር ዕረፍቲ ብዝህብ መልክዕ ክሰርሕ ኣለዎ።
ኲናትን ዕግርግርን ኣብዘለሉ ዝኾነ ዓይነት ቁጠባዊ ስጉምቲ ለውጢ ከምዘየምጽእ ብምግላጽ ድማ ‘‘ሰፊሕ ቁጠባዊ ምርግጋዕ ንምምጻእ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኲናትን ዕግርግርን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ደው ክብል ኣለዎ’’ ይብል።
ኣብ መወዳእታ ድማ ‘‘ዝኾነ ኾይኑ ካብቲ ኣቲናዮ ዘለና ቅልውላው ወጺና ዘላቕን ስሉጥን ዕብየት ናብ እነመዝግበሉ መንገዲ ንምእታው ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ዓሰርተ ዓመት ክወስደልና እዩ’’ ክብል ገሊጹ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







