ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዝተሳተፉ ሓድሽ ማዕቀብ ንምንባር ዘኽእል ትእዛዝ ፈሪሙ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Win McNamee

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ምስ ሰብኣዊ ቅልውላውን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ርክብ ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝተባህሉ ወገናት እገዳ ክግበር ዘኽእል መምርሒ ፈሪሙ።

እቲ ሎሚ ዝወጸ መምርሒ፡ ጸሓፊ ክፍሊ ገንዘብን ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ'ቶም በቲ ዝቕጽል ዘሎ ኵናት ተሓተቲ'ዮም ዝበልዎም ወገናት ማዕቀብ ከንብሩ ስልጣን ዝህብ'ዩ።

እቲ ማዕቐብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ኣባላት ህወሓትን ዘነፃፀረ ምዃኑ ተገሊፁ።

እቲ እገዳ ነቶም "ንሰላም፡ ጸጥታ ወይ ምርግጋእ ኢትዮጵያ ወይ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኵናት ንምስፍሑ ዝሰርሑ ወይ ንምቁራጽ ተጻብኦታትን መስርሕ ሰላምን ኣብ ዝዕንቅፉን" ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ይጠቅስ።

ኣብቲ ዞባ "ብልሽውና ወይ ድማ ከቢድ ዓመጽ ሰባዊ መሰላት" ንዝፍጽሙ ከምዘይገድፎም'ውን እቲ መግለጺ ኣነጺሩ።

ብዘይካ'ዚ፡ እቲ እገዳ ንዝኾነ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ይኹን ሰራሕተኛታት ረዲኤት ዝፍጸም መጥቃዕትታት ግብረመልሲ ዝህብ ምዃኑ መግለጺ ፕረዚደንት ባይደን ኣጠንቂቑ'ሎ።

ኣካል ናይቶም ኣብቲ ኵናት ዝዋስኡ ዘለዉ ወገናት ብምዃን ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱን፡ ካልኦት ኣብቲ መምርሒ ዝተኻተቱን ተግባራት ምፍጻም ዘሕትት ምዃኑ'ውን እቲ መምርሒ ይጠቅስ።

ገለ ካብቶም ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሶ ምዘለዉ እገዳታት፡ ፋይናንሳዊ፡ ቁጠባዊን ናይ ቪዛ ምኽልካል እገዳታትን ይርከብዎም።

ኣመሪካ ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት መንግስቲ ኢትዮጵያ: መራሕቲ ህወሓትን ኤርትራን ተመሳሳሊ እገዳታት ምንባራ ይዝከር።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ ማዕቀብ ተነቢሩ ነይሩ።

እቲ ልዕሊ 10 ወርሒ ኣቚጺሩ ዘሎ ኲናት ትግራይ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝለሓመን፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉን ይፍለጥ።

እቲ ኲናት ሚልዮናት ከፈናቕል እንከሎ፡ ሚልዮናት ድማ ተጸበይቲ ህጹጽ ረዲኤት ክኾኑ ኣገዲዱ'ሎ።

ኣብቲ ሰላማዊ ፍታሕ ተሳኢንሉ ዘሎ ኵናት ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይንገር።

ኩሎም ወገናት ከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ፈጺሞሞ ተባሂሎም ይኽሰሱ።