ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ ዘሻቕል ኮይኑ ከምዝቐጸለ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ

እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ክልል ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ቅድሚ ዓሰርተ ወርሒ፡ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ምልብዑ ስዒቡ፡ ኣብ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘሕደረ ዝገለጸ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ “ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ዘሻቕል ኮይኑ ቀጺሉ’ሎ” ኢሉ።

ኣብቲ ክልል ዝለዓለ ሕጽረት መግብን ጥረ ገንዘብን ከምዘጋጠመ፣ ዋጋ መግብን ካልኦት መሰረታዊ ሸቐጣትን ብዝለዓለ ኩነታት ከምዝወሰኸ መግለጺ እቲ ኮሚሽን ኣመልኪቱ።

“ቀረብ ነዳዲን ኣገልግሎት መጓዓዝያን ውሱን ስለዝኾነ ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምንቅስቓስ ከምዝተጸገሙ ተገንዚበ” ብምባል ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ገሊጹ።

ስለዝኾነ እዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ኩሎም ወገናት እቲ ናብ ሲቪላት ዝቐርብ ሰብኣዊ ረድኤት ከይተዓናቐፍን ክመሓየሽን ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ክገብሩ ጸዊዑ’ሎ።

“ኣብ ገለ ከባብታት እቲ ክልል ዝተወሰነ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ከምዝተመልሰን፤ ዋላ’ኳ ኔትወርክ እንተዘይሃለወ ካብ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ብመሰረት ዝተወሃበ መምርሒ ግን ኣብ ገለ ጨንፈራት ባንኪ ውሱን ኣገልግሎት ይወሃብ ከምዘሎን ተገንዚብና” ክብል ሓቢሩ።

"ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ"፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ከባቢታት ማይ ቅነጣል፣ ቆላ ተምቤን፣ ጣንቋ ምላሽ፣ ሓውዜን፣ ሰላዋ፣ እንዳ መኾኒ ከምኡ'ውን ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ኢሉ ኣብ ዝረቑሐን ቦታታት 150 ሰባት ብሰንኪ ጥሜት ሞይቶም ምባሉ ዝዝከር እዩ።

ኣብታ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ኣብ ኩነታት ዓጸቦ ከምዝርከቡ ዝንገረላ ትግራይ፡ ንረድኤት ዝተዳለወ ቀረባት ካብ ዝውዳእ ክልተ ሰሙን ከምዝኾኑ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣተሓባባሪ ግራንት ሌይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምሕባሩ ይዝከር።

ንሱ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ሓገዛት ሰብኣዊ ረድኤት ምቕራብ ከምዘይተኸኣለ፣ ሕጽረት ነዳድን ጥረ ገንዘብን ብምህላዉ ድማ ከቢድ ቅልውላው ከስዕብ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ረድኤት ዝጸዓና 100 መኻይን ናብ ትግራይ ከተማ መቐለ ከምዝኣተዋ ገሊጹ'ሎ።

ረድኤት ከይሓልፍ ይኽልክል ኣሎ ተባሂሉ ብትካላት ረድኤት ዝንቀፍ መንግስቲ ፌደራል፤ ንሱ ብወገኑ፡ ንሓይልታት ትግራይ ዕንቅፋት ኮይኖም ኢሉ ይኸስስ።

ማእርቲ ተጋሩ

ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ብዝዛመድ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ “ብገበን ጠርጢርናዮም” ብዝብል ኣካላት ጸጥታ ካብ ሞንጎ ዝኣሰርዎም ተወለድቲ ትግራይ ብዙሕ ጥርዓናት ከምዝበጽሖ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ጥርዓን ካብቶም ትካላቶም ዝተዓጸዎም ተወለድቲ ትግራይ እውን ከምዝቐረበ ዝጠቐሰ እቲ ኮሚሽን ብመሰረት እቶም ጥርዓናት ኣብ ክልተ ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ ትኹረት ዝገበረ ክትትል ከምዝገበረ ገሊጹ።

እቶም ትካላት ንግዲ ‘ደንቢ ብምጥሓስን ብገበን ስለዝተጠርጠሩን’ ብዝብል ከምዝተዓጸዉ ብምጥቃስ እዚ ከኣ ሓድሽ ዝቖመ ግብረ ሓይሊ ክትትልን ቁጽጽርን ዘይሕጋዊ ንግድን ኮንትሮባንድን ብዝሃቦ ውሳነ ከምዝተፈጸመ ኣነጺሩ።

እንተኾነ “ብዙሓት ወነንቲ እቶም ትካላት ብዝተጠርጠሩሉ ገበን ወይ ጥሕሰት ደንቢ ውሳነ ስለዘይተወሃቦም እቶም ትካላት ንነዊሕ እዋን ተዓጽዮም ክጸንሑ ተገይሩ’ሎ” ኢሉ እቲ ኮሚሽን።

“ስለዝኾነ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ፖሊስን ካልኦት እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላትን ነቲ ስራሕቲ ምጽራይ ብምቅልጣፍ መዕለቢ ክገብሩሉ ይግባእ” ክብል ኣተሓሳሲቡ።

“ካብ ሞንጎ ዝተኣሰሩ ተወለድቲ ትግራይ ገሊኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ዓፋርን ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ፖሊስን ወሃደራትን ከምዝተወሰዱ፤ ምስ ቤተሰብ ኮነ ጠበቓታቶም ከምዘይተራኸቡን ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቐረቡ ፈሊጥና’ለና” ኢሉ።

ብዝኾነ ይኹን ዓይነት ገበን ተጠርጢሩ ዝተትሓዘ ሰብ ብሕጋዊ መገዲ ጥራይ ክተሓዝን ኣብ ውሽጢ ውሱን ገደብ ጊዜ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብን ከምዝግባእ ድማ ኣዘኻኺሩ።ቅድም ክብል፡ ብተጋሩ ዝንቀሳቐሱ ትካላት ንግዲ ምዕጻው ዝሓወሰ ማእሰርትን ግፋን ፡ ኣብ ዝተፈለላለዩ ከባቢታት እታ ከተማ ይፍጸም ምህላው እቶም ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም ምንባሮም ይዝከር።

መንግስቲ ምስ ህወሓት ርክብ ዝፈጥሩ 'ምበር ብመንነቱ ዝተኣስረ የለን ዝብል ምላሽ እዩ ዝህበሉ።