ቅልውላው ትግራይ፡ ናብ ትግራይ ዘእቱ ኣፍ ደገ ብምዕጻው ሚልዮናት ንዓጸቦ ተቓሊዖም ምህላዎም ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ናብቶም ኣዐርዮም ብኲናት ዝተሃሰዩ ከባቢታት ረድኤት ይበጽሕ ብዘይምህላዩ ህይወት ሚሊዮናት ሰባት ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
እቲ ውድብ ኣብ ዘሕለፎ መጠንቀቕታ ናብ ትግራይ ረድኤት ከይበጽሕ ዕግታ ተፈጺሙ ኢሉ።
ወሃቢት ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነቲ ረድኤት ከይበጽሕ ዕግታ ተፈጺሙ ዝብል ክብል ክሲ ነጺጋቶ።
እቲ ውድብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣገደስቲ ቐረባት ሰብኣዊ ረድኤት ምብጻሕ ከም ዘይተኽኣለ፣ ሕጽረት ገንዘብን ነዳድን ብምህላዩ ኣብቲ ክልል ከቢድ ቅልውላው ክፍጠር ከም ዝኽእል ሓቢሩ።
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግዝያዊ መተሓባበሪ ሰብኣዊ ረድኤት ኢትዮጵያ ዝኾነ ግራንት ሊይቲ "ህይወት ሚሊዮናት ሰባት . . . ብዝህልወና ናይ መግቢ ቐረባት፣ መድሃኒትን ካልኦት ኣገደስቲ ሓገዛትን ዝውሰን'ዩ" ኢሉ።
"እቲ ድሕሪ ዓሰርታት ዓመታት ከይኽሰት ዝስጋእ ዝኸፍአ ዓጸቦ" ንምውጋድ ኣብ ትግራይ ኣስታት 5.2 ሚሊየን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮም እቲ ትካል ይገልጽ።
ኣብ ውሽጢ ትግራይ ካብቲ ሕሉፍ ብዝሓሸ ረድኤት ምብጻሕ ዝክኣል'ኳ እንተኾነ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ናብቲ ክልል ኣብ ምእታው ግን ጸገም ኣሎ ክብል እቲ ኣተሓባባሪ ተዛሪቡ።
ሕጂ ነዚ ዘኽእል ብሕታዊ መማረጺ መገዲ ብክልል ዓፋር ምዃኑ ብምሕባር፡ ግን ድማ ናይ ሎጀስቲክስን ቢሮክራሲያዊ ጉዳያትን ምዝንጋዕ ይፈጥሩ ኣለው ኢሉ።
ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት፡ መዓልታዊ 100 ረድኤት ዝጽዓና መካይን ናብቲ ክልል ክኣትዋ ኣለወን ይብሉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን 172 ረድኤት ዝጽዓና መካይን ኣብ ርእሰ ከተማ ዓፋር ዝኸነት ሰመራ ጠጠው ኢለን ከም ዘለዋ ብምግላጽ ካብ 22 ካብ 22 ነሓሰ 2021 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ንድሓር ዋላ ሓደ መኪና ኣይኣተወን።
"ክንቀሳቐሳ ዘይኽኣላ 172 መካይን ኣብ ሰመራ ጠጠው ኢለን ኣለዋ። መንግስታት ፌደራልን ክልልን ማሕለኻ ስለ ዝኾኑ ልዑል መጠን ዘለዎ ቐረብ ረድኤት ኣብ ጅቡቲ፣ ኣዳማን ኮምቦልቻን ተኸዚኑ ኣሎ" ክብል እቲ መግለጺ ይሕብር።
መንግስቲ ፌደራል ህወሓት ናብቲ ክልል ረድኤት ከይኣቱ ከም ዝኸልከለ ይኸስስ።
ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ኣብ መግለጺኣ "ህወሓት ግቡእ ረድኤት ከይበጽሕ ማሕለኻ ይኸውን ስለ ዘሎ፡ እቲ ናይ ተበጻሕነት ጸገም ክለዓል እንተኾይኑ ነዚ ጉጅለ'ዩ" ኢላ።
ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት እቲ ክልል ዝርከቡ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ድማ ዝሓዙዎ ቐረብ ከም ዝተወድአ ይግለጽ።
ግራንት ሊይቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቐረባት ረድኤትን ሰራሕተኛታትን ብዘይ ገደብ ክኣትው ከፍቅድ ጸዊዑ።
መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ግዜያት ረድኤት ከይኣቱ ይኽልክል ኣሎ ዝብሉ ክስታታት ብምንጻግ፡ ንጉዳያት ድሕነት ቀዳምነት ከም ዝህብ ኣፍሊጡ'ዩ።
ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ትማሊ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ እተን ረድኤት ዝጽዓና መካይን "ኣብ መገዲ" ኣለዋ ኢላ።
ቑጽሪ እቶም ተፍትሽ ዝግበረሎም ቦታታት ከኣ ከም ዝነከዩ ሓቢራ።
እቲ ኣብ ሞንጎ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን መራሕቲ ህወሓትን ዝነበረ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ'ዩ።
ኣብቲ ኲናት ኣሽሓት ተቐቲሎም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት፤ ሚሊዮናት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተመዛበሉ ይፍለጥ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ኲናት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምልሗኽ ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ሰሜን ወሎ ይቕጽል ምህላው ይግለጽ።
ድሮ ካብ ክልቲኡ ክልል ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክመዛበሉ እንከለው፡ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብሰንኪ ካብ ትግራይ ናብ ክልል ዓፋር ዝተላብዐ ኵናት: ቑጽሪ ተመዛበልቲ ልዕሊ 112 ሽሕ ከም ዝበጽሐ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ዩኤስኤኣይዲ: ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ መኽዝን ረድኤት ከም ዝዘመቱ ገሊጹ ነይሩ።
መንግስቲ ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ዘስፈሮ ግን ድማ ሕጋዊ'የ ዝብል ሰልፊ ህወሓት ኣብቲ ከባቢ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዝምታ ብናጻ ኣካል ክምርመር ከም ዝድግፍ ገሊጹ።
ኣፈኛ ህወሓት ጌታቸው ረዳ "ዋላ'ኳ ብዛዕባ ዝኾነ ዘይቅቡል ስነምግባር ካብ መስመር ዝወጸ ተጋዳላይ ክንዛረብ እንተዘይክኣልና፡ እቲ ዝምታ በቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ከም ዝፍጸም ጭብጢ ኣለና። መርገጺና፡ እዚ ብናጻ መርመራ ተራእዩ'ዩ ክፍታሕ ዘለዎ" ክብል ብትዊተር ሓቢሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







