መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ዕግታ ነታ ክልል ኣልሚሱ ምህላው ዕጡቕ ሓይሊ ትግራይ ከሲሱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ኣንቢሩዎ ብዘሎ ዕግታ ከባቢ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ንጥሜት ተቓሊዑ ምህላው ዕጡቕ ሓይሊ ትግራይ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ፌደራል ግና እቶም ዕጡቓት ተሓተትቲ ምዃኖም እዩ ዝገልጽ።
ኣንጻር መንግስቲ ዝዋጋእ ዘሎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ኣብታ ክልል ዝርከብ ስርዓተ ጥዕና ለሚሱ ከም ዘሎን ኣንጻር ለበዳ ኮቪድ-19 ዝውሰድ ዝኾነ ስጉምቲ ከም ዘየሎን ገሊጹ።
መንግስቲ ፌደራል ንህወሓት ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኢሉ'ኳ እንተሰየሞ፡ እቲ ጉጅለ ግና ብህዝቢ ዝተመረጸ ሕጋዊ ኣመሓዳሪ ትግራይ ከም ዝኾነ ይግልጽ።
ቁጠባ እታ ክልል ተሃስዩ ከም ዘሎ ዝገለጸ እቲ ጉጅለ፡ ባንክታት ተዓጽዩ፣ ብሰንኪ ስእነት ቀረብ ኤሌክትሪክ ኩባንያታት ካብ ስራሕ ደው ኢሎም ምህላዎም ሓቢሩ።
ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣንጻር ኣብዪ ኣሕመድ ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ ብዘይ ምውሳዱ እቲ ዕግታ ከም ዝተናውሐ'ውን ገሊጹ።
መንግስቲ ፌደራል ግና ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ባዕሎም ንናይ ረድኤት ጻዕርታት ከም ዝኸትሩን ንናይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሰራሕተኛታት ከም ዘጥቅዑን ይኸስስ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ናብታ ክልል ክኣቱ ካብ ዝግብኦ መጠን ረድኤት 5 ሚኢታዊት ጥራይ ከም ዝኣተወ ዝሕብር እቲ ብሮቡዕ ዝወጽአ መግለጺ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንደሓር ዝኾነት ረድኤት ዝጸዓነት መኪና ናብ ትግራይ ከም ዘይኣተወት ብምግላጽ "መንግስቲ ፌደራል ነቲ ዝጸንሐ ከበባ ኣትሪርዎ ኣሎ" ኢሉ።
ኣመሓዳሪት ዓለምለኻዊ ትካል ምትሕብባር ኣመሪካ (ዩኤስኤኣይዲ) ሳማንታ ፓወር ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብዘን ዝሓለፋ ትሸዓተ ኣዋርሕ ንፈለማ እዋን ትካላት ረድኤት ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ዘቕርቡዎ መግቢ ይውዳእ ምህላው ኣፍሊጣ ነይራ።
ኣብታ ኣማኢት ኣሽሓት ንሓደጋ ዓጸቦ ተቓሊዖምላ ዘለው ትግራይ ዘለው ትካላት ረድኤት ዩኤስኤይድን ካልኦት ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ኣብ ትግራይ ዘሎ መኽዝኖም ጥርሑ ተሪፉ ክብሃል ኣብ ዝኽእል ደረጃ በጺሑ ክትበል ኣመልኪታ።
እዚ ሕጽረት ረድኤት መግቢ ብዘይምህላው ዘጋጠመ ዘይኮነስ "መንግስቲ ኢትዮጵያ መገዲ ኣየርን ካልኦት መስመራትን ሓዊሱ ንሰራሕተኛታት ረድኤትን ቐረብን ብምትዕንቓፍ'ዩ" ተፈጢሩ ክብል እቲ መግለጺ ይኸስስ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኮነ ኢሉ ሰብኣዊ ረድኤት ዓጽዩ ንዝብል ክሲ ነጺግዎ።
ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ቢልለኔ ስዩም ንጋዜጤኛታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ክፈቅድ ከም ዝጸንሐ ብምሕባር ጉዳይ ጸጥታ ግን "ቀዳምነት ዝውሃቦን ሕድገት ዘይግበረሉን'ዩ" ኢላ።
ሰራዊት ትግራይ ድሕሪ ከቢድ ውግእ ንከተማ መቐለ ድሕሪ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ዳግማይ ክቆጻጸሩዋ እንከለው፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ምቁራፅ ቶኽሲ ብምእዋጅ ካብ ዝተፈላለየ ክፋል ትግራይ ወጺኡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣንቢርዎ ዘሎ ኩለንተናዊ ዕጽዋ ክሳብ ዝኽፈት ኵናት ከምዘየቋርጹ ዝገልጹ ሓይልታት ትግራይ ግን ኣብዚ እዋን ኣብ ውሽጢ ክልል ኣምሓራን ክልል ዓፋርን ይዋግኡ ኣለዉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







