ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ብዛዕባ ኲናት ትግራይ እንታይ ኢሉ?

ጊደዎን ጢሞጤዎስ

ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፡ ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ሰብ ዝቐዘፈ ኲናት ሓይልታት መንግስቲ ፈደራልን ሓልታት ትግራይን፡ ከምኡ'ውን ሓደጋ ዓጸቦን ምስ ቢቢሲ ስፍሕ ዝበለ ቃለ-መሕተት ኣካይዱ'ሎ።

ኣኽባር ሕጊ ጌድዮን፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ በቲ ኖቤል ሰላም ዝተዓወተ ቀዳማይ ሚኒስተር መንግስቲ ኢትዮጵያ - ዶ/ር. ኣቢዪ ኣሕመድ ተመዚዙ'ዩ ነቲ ሓላፍነት ተቐቢሉዎ።

ኣብቲ እዋን'ቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ከም ሰላም፣ ሃገራዊ ልዝብን ምዕባለን ዝኣመሰሉ ብዙሕ ተስፋ ዝህቡ መብጽዓታት ሒዙ ከም ዝተበገሰ ዝዝከር'ዩ። እንተ ሕጂ ግን እቶም ናይ ሽዑ ኣጀንዳታት፡ ኣውራ በቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ዉሽጣዊ ጎንጺ - ተዓብሊሉ ይርከብ፡ ኣብ እዋኑ ኸኣ ደዉ ክብል እንተዘይክኢሉ ንሓድነት ኢትዮጵያ ዝፈታተን'ዩ።

ውጽኢት እዚ ጎንጺ፡ ኣሰቃቒ ኵነታት ኣብ ትግራይ ብምፍጣሩ ናብ ጐረባብቲ ክልላት - ኣምሓራን ዓፋርን - ልሒሙ ይርከብ።

ብሰንኪ እቲ ግጭት ኣሽሓት ሰባት ከም ዝተቐትሉ፡ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ከም ዝተፈጸመ ጸብጻባት ቀሪቦም'ዮም። እቲ ጎንጺ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ንጥሜት ኣቃሊዑ ይርከብ።

እቲ ምስ ኣኽባሪ ሕጊ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ዝተገብረ ቃለ መሕትት እነሆ።

--------------

ስቲቭን ሳከር፡ ቅድሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣነን ንስኻን ኣብ ዝተዛረብናሉ ጊዜ ንስኻ ብርእሰ-ተኣማምነት ሓይልታት ፈዴራል ንሓይልታት ህ.ወ.ሓ.ት. ክድምስሱ'ዮም ኢልካ ኔርካ። ናይ መንግስቲ ፈዴራል ስትራተጂ ከም ዝፈሸለ ሕጂ ትቅበሎ'ዶ?

ጌዲዮን ጢሞዎስ፡ ከምቲ ሽዑ ዝበልኩዎ፡ ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ሰሙን ንመቐለ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽርና ከም ዘእተናያ፡ ነቲ ፈለማይ መድረኽ ዕማምና ከም ዘማላእና፡ ግዝያዊ መንግስቲ ከም ዘቋቘምና፡ ንትግራይ ናብቲ ዝነበረቶ ንምምላስ ገንዘብ ከም ዘዋፈርና፡ ነቲ ኣብ ልዕሌና ዝወረደ ኣደራዕ (ግጭት) ክንምክቶ ከም ዝኸኣልና፡ እቲ ግጭት ከኣ ብድሌትና ዝኣቶናዮ ከም ዘይነበረ ምርዳእ የድሊ። ነቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ኵነታት ብኸምኡ ኢና ንርእዮ።

ስቲቭን ሳከር፡ ሕቶይ ኣይመለስካዮን። ርግጽ'ዩ ንመቐለ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽርኩም ኣእቲኹማ ኔርኩም። ብድሕሪኡ ግን እቲ ኵነታት ተለዊጡ'ዩ፣ ሓይልታቱም ካብ ሰነ ንነጀው ካብ መቐለ ከም ዝወጹ ተገይሩ። ሓይልታት ህ.ወ.ሓ.ት. ካብ መብዝሕትኡ መሬት ትግራይ ንዓኻትኩም ኣውጺኦም ኣብ ቍጽጽሮም ከም ዝኣቱ ገይሮም'ዮም፣ ካብኡ ሓሊፎም'ውን ኣብ ጐረባብቲ ክልላት ደፊኦም ብምእታው ንመሬት ኣምሓራን ዓፈርን ኣትዮም'ዮም። ስለዚ ኣበይ ኢኹም ተጋጊኹም?

ጌዲዮን ጢሞዎስ፡ ኣብ መቐለ ዝነበርናሉ እዋን እቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ መእቶታት፡ ሰብኣዊ ኵነታት ህዝቢ ይልዓሉ ስለ ዝነበሩ ነቲ ኵነታት ንክምሓየሽ ኣገዲሱና'ዩ። ኣብ ልዕሊኡ፡ ህ.ወ.ሓ.ት. ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ማዕበል ድሕሪ ማዕበል ሲቪላውያን መንእሰያት ኣንጻር ሓይልታትና የዋፍሩ ስለ ዝነበሩ፡ ዓቕሚ-ኣዳም ዘይበጽሑ መንእሰያት፡ ንሕና ነቲ ኵነታት ስቅያትን ንከነዝሕል ብሓላፍነት ንዝምልከቱና ስጕምትታት ወሲድና። ኵይኑ ድማ ሓደ-ዝሸነኹ ምቑራጽ ተዅሲ ኣዊጅና፣ ሓይልታትና ኸኣ ካብ መቐለ ሰሓብና። ዘሕዝን'ዩ፡ ህ.ወ.ሓ.ት. ግን መጥቃዕትን ህውከትን ቀጺሉ፣ ነቲ ግጭት ከኣ መሊሱ ብምዕራግ ናብ ዓፋርን ኣምሓራን ከም ዝልሕም ገይሩ። ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ሰባት ከኣ ግዙፍ ግፍዒ የውርዱ ኣሎዉ።

ስቲቭን ሳከር፡ ነቲ "ግዙፍ ግፍዒ የውርዱ ኣሎዉ" ዝብል ክሲ ክንምለሶ ኢና። ብዛዕባ ሰብኣዊ ኵነታት ክትዛረብሲ ኣነ ክሳብ ሎሚ ክርድኣኒ ዘይኽእል ጕዳይ'ሎ፣ ንምንታይ መንግስቲ ፈዴራል ክስብ ሎሚ ነቲ ክዋፈር ዝግብኦ ረዲኤት ኣብ ምኽልካል ይዋሳእ ኣሎ? መንግስቲ ፈደራል ኣብ ክርደና (ከበባ) ትግራይ፡ ማለት ኣብ ዕግታ ኣድለይቲ ነገራት ተዋፊሩ ይርከብ - ኤለክትሪክ፡ ስርሓት-ባንካ፡ መስመር ርክባት፡ ፋይናንያዊ ኣገልግሎት- ብዙሓት ናይ ሕቡራት መንግስትታትን ትካላትን ማሕበራት ረዲኤትን ንብኣማኢት-ኣሽሓት፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ጸገም ኣእትዩ ከም ዘሎ ይንገር።

ጌዲዮን ጢሞዎስ፡ እቲ ንሰብኣዊ ኵነታት ዝምልከት ሓደ-ዝሸነኹ ምቑራጽ ተዅሲ ምስ ኣወጅና ብዓፋር ኣቢልና መተሓላለፊታት ፈጢርና ኢና። ህ.ወ.ሓ.ት. ግን ነቶም መተሓላለፊታት ነቲ ግጭት ንከረሳስን ተጠቒሙሎም'ዩ።

ስቲቭን ሳከር፡ ኣቶ ኣኽባር ሕጊ፡ ንምንታይ ነቲ ዕግታ (ከበባ) ዘይተልዕልዎ?

ጌዲዮን ጢሞዎስ፡ ከም ዝበልኩኻ ንሕና መተሓላለፊታት ፈጢርና ኢና። ብዛዕባ ካልኦት ኣገልግሎታት ብዘርኢ ጕዳይ፡ ነቲ ኣገልግሎት ከዐርዩ ዝኽእሉ ኩባንያታት ድርጅታት ኣብ ዉሽጢ ትግራይ ኣለዉ፣ ብዙሓት ሰራሕተኛታቶም ኣብ ትግራይ ተቐቲሎም'ዮም፣ ግደ-መጥቃዕቲ ኰይኖም'ዮም። እቲ ኵነታት ከም ዘሎዎ - ብመጥቃዕትታ ህ.ወ.ሓ.ት. ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት እናቐጸለ እቲ ስራሕ ክስራሕ ኣይከኣልን። ህ.ወ.ሓ.ት. ነቲ ዘቕረብናዮ ምቑራጽ ተዅሲ እንተ ዝቕበልዎ ነይሮም እቲ ኵነታት ምስ ተለወጠ ነይሩ።

ስቲቭን ሳከር፡ ተኸታተልቲ'ዚ መደብ'ዚ ነዞም እንዛረበሎም ዘሎና ዛዕባታት ንኽርድኦም ከሸግሮም'ዩ። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ብኣማኢት-ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዓጸቦ ከንጸላልዎም፡ ብኣማኢት-ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ኣብ ካምቦታት ተዓቚቦም ይርከቡ፤ መንግስቲ ፈደራል ድማ ስርሓት ናይ ብዙሓት ወሃብቲ ሓገዝ፡ ከም በዓል "ሓካይም ብዘይ ገደብ" ከምኡ'ውን ናይ ቤት-ምኽሪ ዑቝበኛታት ኖርወይ (Norwegian Refugee Council) - ደው ኣቢሉ ይርከብ።

ጌዲዮን ጢሞዎስ፡ ክርድኣካ ዘሎዎ ጕዳይ ኩሎም ማሕበራት ብሕግታት ሃገርና ክቕየዱ ይግባእ። ኣቐዲመ ከም ዝበልኩዎ፡ እቶም ዝበዝሑ ወሃብቲ ሓገዝ ይሰርሑ ኣለዉ፡ ሓገዝ የወፍዩ ኣለዉ።

ስቲቭን ሳከር፡ እዘን ማሕበራት ትንፋስ ሰብ ንከድሕና ይጽዕራ ኣሎዋ፡እንተ ንስኻትኩም ከኣ ዓንቂፍኩመን።

ጌዲዮን ጢሞዎስ፡ ኣይኰነን፡ እዘን ማሕበራት ሕግታትና ንከኽብራ ኢና ንደሊ። ብኣማኢት ዝቝጸራ ማሕበራት ኣብ ምሉእ ሃገር ክሰርሓ ንተሓባበር ኢና፡ ምስ'ዘን ዝሰመኻየን ማሕበራት ድማ ኣብ ዝርርብ ኣሎና። እቲ ዝጠሓስኦ ሕግታት ድማ ቀልጢፎም ከዐርያኦም ከም ዝኽእላ እኣምን'የ። ከምኡ ምስ ዝገብራ እቲ ዝተሓድገኦ ፍቓድ ክምለሰለን'ዩ።

ስቲቭን ሳከር፡ ንስኻ ከም ኣኽባር ሕጊ መጠን፡ እቲ ብዩኒቨርሲቲ ገንት (በልጅዩም) ዝወጸ ጸብጻብ ኣንቢብካዮ'ዶ? እቲ ኣስማት ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ዝሓዘ ረቂቕ ጸብጻብ - ሲቪላውያን ሰባት ኣብ ዝተኻየድ ግጭት ዝተቐትሉ - 2,562 ዝቝጽሮም ኣብ 232 ፍጻሜታት ዝተቐትሉ ሰባት ወጺኡ ኣሎ። እቶም ተመራመርቲ ጃምላዊ ቅትለት ኢሎም'ዮም ዝጽውዕዎ። ኣንብካ'ዶ ነቲ ጸብጻብ? ብዛዕባኡኸ እንታይ ገበርኩም?

ጌዲዮን ጢሞዎስ፡ ከምዚኦም ዘኣመሰሉ ክስታት፡ ጸብጻባት ተጠንቂቕና ብተገዳስነት ኢና ንሕዞም። መርመራታት ነካይድ፡ ተሓታትነት'ውን ንምርምር ኢና። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከምዚኦም ዘኣመሰሉ ገበናት ጨሪሱ ኣይጻወርን'ዩ፣ንህዝቢ ከም ዝሓበርናዮ፡ ብርክት ዝበሉ መርመራታት ኣካይድና ኢና። ብተውሳኺ ካልኦት ምርመራታት ይካየዱ ኣሎዉ - ብሲቪላዊ ይኹን ወትሃደራዊ መገድታት። ብከምዚኦም ዘኣመሰሉ ጸብጻባት እንረኽቦ ሓበሬታ፡ ዝእመኑ እንድሕሪ ኰይኖም፡ ገበነኛ ኰይኑ ንዝርከብ ሰብ፡ ስጕምቲ ንወስድ ኢና።

ዝዓነወ ታንኪ

ስቲቭን ሳከር፡ ኣምነስቲ-ኢንተርናሽናል ደጊሙ፡ እዚ ወርሒ'ዚ፡ ካብ 60 ዝኣኽሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝኣከብዎ ሓበሬታ ተመርኲሱ፡ ሓደ ጸብጻብ ኣውጺኡ ኣሎ። እቲ ጸብጻብ፡ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጸመ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ስካሕክሑ ግፍዓታት የርኢ። እዞም ግፍዕታት ብወተሃደራት ፈደራል ዝተፈጸሙ'ዮም። ብዛዕባ ፍትሕን ተሓታትነት ክትዛረብ እሰምዓካ ኣሎኹሞ በዚ ጕዳይ'ዚ እንታይ ገበርካ?

ጌዲዮን ጢሞዎስ፡ መርመራታት ኣካይድና ኢና፣ ጌና ኸኣ ነካይድ ኣሎና። ብርክት ዝበሉ ወተሃደራትና ኣብ ወትሃደራዊ ቤት-ፍርዲ ቀሪቦም'ዮም። ከምዚኦም ዘኣመሰሉ ገበናት ኣብ ከይዲ ሕጊ ኣሎዉ፣ ኣቕሊልና'ውን ኣይንርእዮምን ኢና። ክሕበረካ ዘሎኒ ጕዳይ ግን ኣሎ፣ እዞም ዝጠቐስካዮም ጸብጻባት ብምግናን ዝቐረቡ፡ ንቐልቢ-ሰብ ብዝስሕብ ኣገባብ፡ ብኣልማማ ዝቐርቡ ኣለዉ።

ስቲቭን ሳከር፡ መንግስቲ ነዞም ዝተመስረቱ ክስታት ብዕቱብ ወሲዱ ይሰርሓሎም ኣሎ ክትብል ንምእማኑ የሸግረኒ። ሓደ ናይ መንግስቲ ኣፈኛ፡ ነቲ ብኣምነስቲ ኢተርናሽናል ዝቐረበ ጸብጻብ ብፍጹም ምግናን'ዩ ቀሪቡ - ጠቐነን ንመንግስቲ ንምጥቃዕ ኢሉ ዝተጻሕፈ ጸብጻብ'ዩ ክብል ኣናኢስዎ። እንድሕሪ እዞም ክስታት ብዕቱብ ክምርመሩ እንተድኣ ተደልዩ - እተን ግዳያት ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ንመዓልታት ተዳጕነን፡ ገሊአን ብደይመደይ ክዕመጻ፡ ገሊአን ናብ ካልኦት ንኽዕመጻ ምትሕልላፍ፡ ገሊአን ኣብ ቅድሚ ደቀን ክዕመጻ፡ ንከምዚኦም ዘኣመሰሉ ገበናት ብዘይ ዕሽሽነት ምስ ዝውሰዱ ብዙሓት ኣባላት ሓይልታትኩም ኣብ ማሕቡስ ምኣተዉ ነይሮም።

ጌዲዮን ጢሞዎስ፡ ከም ዝበልኩዎ ከምዚኦም ዘኣመሰሉ ክስታት/ገበናት ኣቕሊልና ኣይንርእዮምን ኢና። ሕጂ'ውን ክደግሞ ንረኣዩለይ-ስምዑለይ ዝተጋነኑ ጸብጻባት ይቐርቡ'ዮም። መሰረት ኰነ መርትዖ ዘይብሎም ክስታት ይቐርቡ'ዮም። ይዅን'ምበር ነቶም ግዳያት ተገዲስና ንውከሶም ኢና። ክልተ ደርዘን ዝቝጽሮም ኣባላት ሓይልታትና ብመርትዖ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም'ዮም፡ዝግባእ መቕጻዕቲ ኸኣ ተበይንዎም'ዩ። ንሕልፈት ዝተፈርዱ'ውን ኣሎዉ።

ስቲቭን ሳከር፡ ክንደይ ዝኣኽሉ?

ጌዲዮን ጢሞዎስ፡ ልዕሊ ሰላሳ ዝዀኑ። ግብርና ምስክርና'ዩ። ብተወሳኺ ክሕብሮ ዝደሊ፡ ኣባላት ሓይልታትና ዲሲፕሊን ዘሎዎም ወትሃደራት'ዮም። ወትሃደራትና ናይ ነዊሕ እዋን ተሞክሮ ዘሎዎም፡ ኣብ ተልእኾ ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተሳተፉ'ዮም። ኣብ ዉግእ ኮርያ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪቃ ተሳቲፎም'ዮም፡ መዛግብ ገናጺልካ ዝርከብ ሓበሬታ ኣሎ።

ስቲቭን ሳከር፡ ኣይትሓዘለይ ክዀልፈካ ኣቶ ኣኽባር ሕጊ። እንድሕሪ ልዕሊ ሰላሳ ዝኣኽሉ ወትሃደራት ብኣስካሕካሒ ዝዀነ ገበናት፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ገበነኛታት ኰይኖም እንድሕሪ ተረኺቦም ሓደ ዕሙቝ ዝበለ ጸገማት ከም ዘሎ የረድኣኒ። ክንደይ ክብ ዝበለ መዓርግ ዘሎዎም ሰባት በዚ (ዝጠቐስካለይ) ሰበብ'ዚ በቲ ወትሃደራቶም ዝገበርዎ ገበን ካብ ስርሖም ከም ዝእለዩ ተገይሩ? እዚ ገበን'ዚ ኮነ ኢልካ ከም ዝተኻየደ ናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣነጺሩ ኣቕሪቡዎ'ዩ።

ጌዲዮን ጢሞዎስ፡ በቲ ዘቕረብዎ መደምደምታ ኣይሰማማዓሉን'የ። እቲ ዜቕረብዎ ጸብጻብ ካብ ርሑቕ ኰይኖም'ዮም መርመራ ኣካይዶም፣ ኣብ ብሰራሕተኛታት ማሕበረሰ ዝቐረበሎም ምስክርነት ዝተሞርኰሰ ድማ'ዩ። ንሕና ኣብ'ዞም ሰራሕተኛታት ምትእምማን የብልናን። ንሕና መርመራና ኣብቲ ቦታ ከድና ኢና እነካይዶ። መርመራና ምእንቲ ሓቅነቱ ክርአ ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ማሕበራት ሓቢርና ኢና ኣካይድናዮ - ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ኴንና። ሓደ ከምዚ ናትና ደረጃ ዝሓለወ መንግስቲ ጥራይ'ዩ ከምዚ ዝበለ መርመራ ከካይድ ዝኽእል።

ስቲቭን ሳከር፡ ልክዕ ኣሎኻ እቲ ናይ ሓባር ምርምር ኣብ ቦትኡ ሃልዩሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ግንነቲ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝቐረበ ጸብጻብ ተገዲሳ ከም እትርእዮ'ያ ትምስክር። ካልእ ሽግር ኣሎ፡ ንስኻ ናይ ኢትዮጵያ ኣኽባር ሕጊ ኢኻ። ገለ ካብ'ቶም ሕ'ሉፋት ክስታት ብወትሃደራት ኤርትራ'ዮም ተፈጺሞም - መንግስትኹም ዓዲሙ ዘእተዎም ናይ ባዕዲ ሓይልታት። እቶም ገበናት ኣብ ዉሽጢ መሬት ኢትዮጵያ'ዩ ተኻይዱ። ንስኻ ከም ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ እብ ልዕሊኦም ፍትሕን ተሓታትነት ንምስንዛር ዋላሓንቲ ዓቕሚ የብልካን።

ጌዲዮን ጢሞዎስ፡ መንነት ናይቲ ሰብ ብዘየገድስ፡ እንድሕሪ እቲ ሰብ ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ ኣህጕራዊ መስርሕን ፕሮቶኮላትን ስለ ዘሎዉ ምስ ጕረቤት ሃገር ብምትሕብባር ኣብ መስኖታት ሕጊ ዘሎዉ ጕዳያት ስለ ዘሎዉ ተቓዳዲምና ኣብ መደምደምታ ክንበጽሕ ኣይንደልን። ክብሎ ዝደሊ፡ ኣብ ተግባርናን እንወስዶም ስጕምትታትን ብምምርኳስ ኣብ ተሓታትነት ዘሎና እምነት ግልጺ'ዩ። እቲ ክእምቶ ዝደሊ ግን በቶም ሽበርተኛታት ህ.ወ.ሓ.ት. ዝተፈጸሙ ብዙሓት ዓመጻት ተጐስዮም ብምሕላፎም'ዩ ...ኣብ ልዕሊ ተራ ህዝቢ፡ ኣብ ልዕሊ ቈላዑ ዝተፈጸሙ ገበናት። እቶም ገበናት ብኣህጕራዊ ሕብረተሰብ ኰነ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣይተዀነኑን።

ስቲቭን ሳከር፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝጥቀመሉ ዘሎ ቋንቋ'ስከ ነስተብህል። ዝሓለፈ ወርሒ ንህ.ወ.ሓ.ት. ክገልጽ ከሎ ዝተጠቕመሉ ዘረባ ... ከም መንሽሮ፡ ጻህያይ፡ ጐኑፍ ... እዞም ጻህያይ ካብ ሃገርና ክመሓዉ'ዮም ይብል። ከም ኣኽባር ሕጊ፡ ኣብዚ ተፈጢሩ ዘላ ሃዋሁው ናይ ምጽናት-ዓሌት፡ ገበነ-ኲናትኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት ዝፍፈሙ ገበናት ... መራሒኹም ከምዚኦም ዘኣመሰሉ ሓረጋት ክጥቀም ከመይ ይመስለካ?

ጌዲዮን ጢሞዎስ፡ ብቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተፈነወ መግለጺ ንሓደ ናይ ሽበራ ማሕበር ብዝምልከት'ዩ። ብዙሓት መራሕቲ ዓለም ንናይ ሽበራ ማሕበራት - ከም ኣይሲስ ዘኣመሰሉ - ንምግላጽ ተመሳሳሊ ሓረጋት ተጠቒሞም'ዮም። ህ.ወ.ሓ.ት. ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፈጠርዎ ስቅያት - ኣብ ቀረባ እዋን ዝወዓልዎ ግፍዕን ጃምላዊ ቅትለትን ጥራይ ዘይኰነስ ሰላሳ ዓመታት ዝፈጸምዎ ግፍዒ ኣብ ግምት ብምእታው - ብዙሓት ዜጋታትና ዝሰማምዕዎም ሓረጋት'ዮም።

ስቲቭን ሳከር፡ እቲ ጸገም ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዘሎዉ ነገራት ብምዕዛብ ... ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝፍጸም ዘሎ፡ ማለት ብዙሓት ተጋሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘጓንፎም ዘሎ ግፍዒ ከም ኣብነት ክንወስድ ንኽእል። ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ተኸቢቦም ዝተኣስሩ ኣሎዉ። ሓላፊት ዩኤስኤይድንታ ፓወር፡ዝሃበቶ ግብረ-መልሲ እንድሕሪ ርኢና፡ ንወዲ ሰብ ቋናጽብ ቋንቋ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ውጥረት መሊሱ'ዩ ግድዶ ትብል። ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ከም ዝረኣናዮ ድማ ኣብ ዓሌት ዝተሞርኰሰ ጸርፊስዕቦ ግፍዒ ሓደገኛ ምዃኑ`ዩ።

እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ክልል ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ጌዲዮን ጢሞዎስ፡ ህ.ወ.ሓ.ት. ብሕጋዊ መገዲ ብናትና ፓርላማ ናይ ኣሸበርቲ ማሕበር ዝብል ስም ተዋሂቡዎ'ዩ። ዝዀነ ሰብ ንከምዚ ዝኣመሰለ ማሕበር ዝሕግዝ ወይከኣ ደገፍ ዝህብ ብሕጊ ተሓታቲ'ዩ። ህ.ወ.ሓ.ት. ኣብ ዓሌት ዝተመርኮሰ ጉጅለ'ዩ። ዳርጋ ኵሎም ሰዓብቱን ተሓባበርቱን ተወለድቲ ትግራይ'ዮም። ሓድሓደ እዋን ወጻእተኛታት ነዚ ስርዒት'ዚ ኣይርድእዎን'ዮም፣ እቲ ንዓና ኣጓኒፉና ዘሎ ብድሆ ኣይፈልጥዎን። እቲ ንሕና ከም መሳርሒ እንጥቀመሉ ሃዋሁው ኣይርድኦምን።

ስቲቭን ሳከር፡ ንዝቕጽል ሓድነት ኢትዮጵያ ዘሎካ ትጽቢት ከመይ ይመስል ማለት'ዩ? መራሒ ህ.ወ.ሓ.ት.፡ ዶክተር ደብረጽዮ፡ ኣብ ቀረባ ጊዜ ከም ዝበሎ፡ 'ምትእምማን ጨሪሱ የለን፣ እንድሕሪ (መንግስቲ) ዘይደልየና ዀይኑ፡ ንምንታይ ምስ ኢትዮጵያ ንጸንሕ?'ክብልተዛሪቡ። ኢትዮጵያ ናይ ምግምማዕ ተኽእሎ የንጸላልዋ ኣሎ፡ ኣይኰነንዶ?

ጌዲዮን ጢሞዎስ፡ ኢትዮጵያ ኣይክትገማማዕን'ያ። ክትፈልጦ ዘሎካ ኢትዮጵያ ጥንታዊት፡ ንለውጢ ተጸዋርነት ዘሎዋ ሃገር'ያ። ኣብ ነዊሕ ታሪኽና ብዙሕ ነገራት ርኢናን ተጻዊርናን ኢና። እንድሕር ብቆራጽነት ሒዝናዮ ክንሓብር ንኽእል ኢና። ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ምጕብዕባዕ ብቆራጽነትን ጽንዓትን ተታሒዝናዮ ክንስዕሮ ኢና። ህ.ወ.ሓ.ት. ንኢትዮጵያ ንምዕናው'ያ ኣንቂዳ፣ ንኢትዮጵያ ክትዕብልል እንተ ዘይክኢላ ህላዌኣ ዘብቅዕ ይመስሎም ይኸውን፣ ኢትዮጵያውያን ምክፍፋል ዝቕበልዎ ኣማራጺ ኣይኰነን።

ስቲቭን ሳከር፡ ዶክተር ኣቢዪ ኣሕመድ ብታሕሳስ 2019 ኖቤል ክቕበ ከሎ ዘስምዖ መደረ ይዝከረኒ፣ "ቅድሚ ካብ ምህርቲ ሰላም ምቅሊትና ምዕጻድና ናይ ፍቕ ሕድገትን ስኒትን ፍረ ኣብ ልብን ኣእምሮን ዜጋታትና ምዝራእ የድልየና" ክብል ተዛሪቡ። እዚ ናይ ሕጂ ኵነታት ካብ ፍቕርን ሕድገትን ስኒትን ዝረሓቐ ኰይኑ እረኽቦ። መንግስቲ ንተቓወምቲ ሓልታት ትግራይ ምድምሳስ፡ ንመንሽሮ ሕብረተሰብ ምቕንጻል ዘንቀደ 'ዩ።

ጌዲዮን ጢሞጤዎስ፡ ንሕና ሕድገት ተጠቒምና፡ ስኒት ተጠቒምና፣ እዚ ሓድሽ ምሕደራ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ ን ህ.ወ.ሓ.ት. ይቕረ ኢልናሎም ኔርና። ነቲ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ኣካል ንክጽንበሩዎ ዕድል ሂብናዮም ኢና - እዚ ነቲ ቀደም ዝፈጸምዎ ገበናት ይቕረ ብምባል'ዩ ተኻይዱ። ደጋጊምና ፍታሕ ንምርካብ ፈቲንና ኢና።

ህ.ወ.ሓ.ት. ኵናት ወሊዑ፣ ህ.ወ.ሓ.ት. 'ዩ ጕቲቱ ኣብ ግጭት ኣእትዩና። ንሕና መሪጽና ዝኣቶናዮ ግጭት ኣይኰነን። ኣብ ሰሜን ዝርከብ ወትሃደራዊ ማዓስከርና ምስ ኣጥቅዑ'ዩ እቲ ኵናት ተወሊዑ።

ስቲቭን ሳከር፡ ወትሃደራዊ መትፍሒ ግን የለን፣ ኣይኰነን ድዩ ኣቶ ኣኽባር ሕጊ? እዚ ብዘተን ልዝብን'ዶ ኣይኰነን ዝፍታሕ? መንግስቲ ግን ቋንቋ ዘተን ልዝብን ኣይዛረብን ዘሎ።

ጌዲዮን ጢሞዎስ፡ እቲ በይናዊ ምቑራጽ ተዅሲ ምስ ኣወጅና ሰላም ንክዓስል ዕድል ሂብናዮ ኢና።

ስቲቭን ሳከር፡ ይቕሬታ ግበረለይ ክኾልፈካ ... ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ'ዶ ኣይኰነን ኩሉ ዓቕመ-ኣዳም ዝበጽሐ ንተቓወምቲ ሓልታት ትግራይ ንምድምሳስ ናብ ዉግእ ክወፍሩ ዝጠለበ? እዚ ንምቑራጽ ተዅሲ ዝዕድም ጻውዒት ኣይኰነን።

ጌዲዮን ጢሞዎስ፡ እቲ በይናዊ ምቑራጽ ተዅሲ ምስ ኣወጅና ህ.ወ.ሓ.ት. ተመጣጣኒ ግብረ-መልሲ ኣይሃብሉን። እንታይ ድኣ ነቲ ግጭት መሊሱ ከም ዝውስኽ ገበሩ። ኣብ ዓፋርን ኣምሓራን መጥቃዕትታት ፈኒዉ። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ቦትኦም ለቒቖም ከም ዝኸዱ ገይሮም፣ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ከኣ ቀቲሎም። ኣብ ከምዚ ኵነታት እንታይ ክንገብር'ዩ ዝድለ ዘሎ? ህ.ወ.ሓ.ት. በቲ ናብ ዉግእ ዘድህብ ባህሪኦምን ዘካይድዎ ዘሎዉ ዓመጽን ነቲ ዝዓለምናዮ ምቑራጽ ተዅሲ ከም ዘይሰርሕ ገይሮሞ። ንሕና ንህዝብና ክንከላኸለሉ መሰልን ሓላፍነትን ኣሎና።