ቅልውላው ትግራይ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝተቖጻጸርዎ ከባቢታት ከምዘይወጽኡ ገሊጾም

ላሊበላ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መዝገብ ቅርስታት ዓለም ንዝተመዝገበት ከተማ ላሊበላ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ነቲ ካብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ክወጹ ብኣመሪካ ዝቐረበ ሕቶ ነጺጎምዎ፡፡

ኣንጻር ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ክልላትን ዝዋግኡ ዘለዎ ሓይልታት ትግራይ ትማሊ ሓሙስ፡ ነታ ብኣመንቲ ኦርቶዶክስ ክርስትና ዓብዪ ክብሪ ዝወሃቦም ካብ ከውሒ ዝተወቕሩ ኣብያተ ክርስትያን ዝርከቡላ ከተማ ተቖጻጺሮምዋ፡፡

ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ "ገነተ ማርያም ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ከባቢ ናብታ ከተማ ኣትዮም" ክብል ምኽትል ከንቲባ ኣቶ ማንደፍሮ ታደሰ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብታ ከተማ ኲናት ከምዘየለ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ገለ ነበርቲ ግና ነታ ከተማ ገዲፎም ሃዲሞም፡፡

ኣመሪካ ብወገና ሓይልታት ትግራይ ንቅርሲታት ላሊበላ ክሕልዉን ከኽብሩን ጸዊዓ ኣላ፡፡

ኣብዚ ሰሙን፡ ኣመሪካ፡ እቲ ኣብ ክልለ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ወተሃደራዊ ፍታሕ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ ኩሎም ሓይልታት ካብቲ ውግእ ዘካይዱሎም ዘለው ቦታታት ክወጽኡ ጸዊዓ።

ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክወጽኡ ከምኡ'ውን ሓይልታት ኣምሓራ ካብ ምዕራብ ትግራይ ክወጽኡ ኣለዎም ኢላ። ብተወሳኺ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሰራዊቱ ብህጹጽን ንመወዳእታ ግዜን ካብ ኢትዮጵያ ከውጽኦም ጠሊባ።

ትማሊ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሓይልታት ትግራይን ንላሊበላ ከም ዝተቖጻጸሩ ዝገልጹ ጸብጻባት ሰሚዕና፤ ህወሓት ድማ ነቶም ታሪኻዊ ሓድግታት ክዕቅቡ ንጽውዕ" ኢሉ።

እቲ ኣብ ትግራይ ንኣዋርሕ ዝተኻየደ ኲናት፡ ኣብዚ እዋን ናብ ካልኦት ክልላት እናተስፋሕፈሐ እዩ ዝርከብ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ዝገበረ ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ሓደ ዝኾነ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ሓይልታቶም ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዘውፈሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተኹሲ ደው ንምባልን ነቲ ጸገም ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምርካብን ዘቕረብዎም ቅድመ ኩነታት ክቕበል ጸቕጢ ንምፍጣር ከምዝኾነ ገሊጹ ነይሩ፡፡

ትማሊ መግለጺ ዝሃበት ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኣሕመድ ቢለኔ ስዩም ግና፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘‘ኣሸባሪ ተባሂሉ ካብ ዝተበየነ ጉጅለ’’ ክቐርበሉ ዝኽእል ቅድመ ኩነት ከምዘይቕበል ተዛሪባ፡፡

ሚኒስተር ህንጸት ዲሞክራሲ፡ ኣቶ ዛዲግ ኣብራሃ'ውን ብወገኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መራሕቲ ህወሓት ከምዘይዘራረብ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ብሰንኪ እቲ እናተስፋሕፈሐ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣስታት 200 ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪኦም ከምዝተፈናቐሉ ትካላት ረድኤት ይገልጹ፡፡