ቅልውላው ትግራይ፡ ኣመሪካ ኩሎም ሓይልታት ካብቲ ውግእ ዘካይዱሎም ዘለው ቦታታት ክወጽኡ ጸዊዓ

ሳማንታ ፓወር

ምንጪ ስእሊ, USAID

ኣብ ትግራይ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ንምብጻሕ ኩሎም ኣብቲ ንልዕሊ ትሸዓተ ኣዋርሕ ዘቑጸረ ውግእ ዝሳተፉ ዘለው ወገናት ተጻብኦታት ጠጠው ከብሉ ከም ዘለዎም ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ረድኤት [ዩኤስኤይድ] ሳማንታ ፓወር ገሊጻ።

እቲ ግጭት ወተሃደራዊ ፍታሕ ከም ዘይብሉ ዝገለጸት ሳማንታ ኩሎም ሓይልታት ካብቲ ውግእ ዘካይዱሎም ዘለው ቦታታት ክወጽኡ ጸዊዓ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክወጽኡ ኣለዎም ክትብል እንከላ፡ ሓይልታት ኣምሓራ’ውን ካብ ምዕራብ ትግራይ ክወጽኡ ኣለዎም ኢላ።

ብተወሳኺ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሰራዊቱ ብህጹጽን ንመወዳእታ ግዜን ካብ ኢትዮጵያ ከውጽኦም ከም ዘለዎም ኣመሪካ ትጽውዕ ክትብል ብትዊተር ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ ገሊጻ።

ሃገራት ምዕራብ፡ እቶም ኣብ ኲናት ትግራይ ዝሳተፉ ዘለው ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብ ትግራይ ክወጽኡ ብተደጋጋሚ ጻውዒት ከቕርባ ጸኒሐን።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ተካይድ ዘላ ሳማንታ ፓወር ናብ ኢትዮጵያ’ውን ክትበጽሕ ትጽቢት ይግበር።

ዩኤስኤይድ ንጉዕዞ እታ ሓላፊት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ኣብ ትግራይ ዓጸቦ ከየጋጥም ዝተማልአን ዘይተገደበን ሰብኣዊ ረድኤት ንክበጽሕ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጸቕጢ ንምፍጣር እዩ” ምባሉ ይዝከር።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ሱዳን ኣብ ዘካየደቶ ትዕዝብቲ፡ ብምኽንያት እቲ ኲናት ተመዛቢሎም ኣብ ሱዳን ዕቑባ ዝሓተቱ ተጋሩ ከም ዘዘራረበት ተገሊጹ’ዩ።

ዩኤስኤይድ ንኣስታት 46 ሽሕ ስደተኛታት ሓገዝ ዘቕርብ ዘሎ ኮይኑ፡ “እታ ኣመሓዳሪት ኣብ መዓስከር ኡም ራኩባ ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኣዘራሪባ’ያ። ዕጡቓት ዝተፈጸሙዎ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ታሪኻት ጾታዊ ዓመጽ’ውን ሰሚዓ’ያ” ኢሉ።

ሳማንታ፡ ኣመሪካ ንሰብኣዊ ረድኤት ዝውዕል ተወሳኺ 56 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ከም ዝገበረት ገሊጻ’ያ።

መግለጺ ቪድዮ, "ወደይ ብኽልተ ጥይት ኣብ ጎደና ቀቲሎሞ"