ቅልውላው ትግራይ፡ 'ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕግታ ክሳብ ዝለዓል ክንዋጋእ ኢና'

ሓደ ካብ ኣዛዝቲ ሓይልታት ትግራይ ዝኾነ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ እቲ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘካይዱዎ ዘሎ ውግእ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፌደራል ጸቕጢ ንምሕዳር ከም ዝኾነ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቲ ጀነራል፡ ክሳብ ሕጂ ዝውሰዱ ዘለው ስጉምታት፡ መንግስቲ ፌደራል ተጻብኦታት ጠጠው ንምባል ሓይልታት ትግራይ ዘቐመጡዎ ቅድመ ኹነት ተቐቢሉ ናብ ፖለቲካዊ ዘተ ንክመጽእ ዘገድድ ወተሃደራዊ ስርሒት ምዃኖም ምስ ቢቢሲ ኒውስ ሃወር ኣብ ዝነበሮ ቃለ መሕተት ኣብሪሁ።
ወዲ 68 ዓመት ጀነራል ጻድቃን ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓት ክሲ ክሕደት ሃገር ተመስሪቱሉ'ዩ።
ንህወሓት'ውን መንግስቲ ፌደራል ኣሸባሪ ጉጅለ ኢሉ ከም ዝጽውዖ ይፍለጥ።
ጀነራል ጻድቃን ኣብዚ እዋን "ኣባል ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ትግራይ ዝተጣየሰ ማእከላይ እዚ እየ" ክብል እንከሎ፡ ብሰንበት ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ዝስዕብ ምላሽ ሂቡ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ ብዛዕባ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘሎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ፣ምቁራጽ ተዅሲ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ኵነታትኩም ኰነ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ስርሓት ረድኤት ከመይ ይካየዱ ኣለው?
መጻኢ ኵነታት ትግራይ ከመይ'ዩ ክኸውን? ንኢትዮጵያ ክትቈጻጸሩ ዲኹም ትደልዩ? ወይከኣ ከምቲ ብዘበን ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ዝነበረ ክትዕብልሉ ኢኹም ትደልዩ? ... ወዘተ ክንዘራረብ'ዶ ንኽእል?
ጀነራል ጻድቃን፡ ሕራይ፤ መጀመርታ ግን ኣነ ኣብዚ እዋን ዝጻወቶ ተራ ክሕብረካ እፈቱ።
ኣነ ኣባል ማእከላይ እዚ እየ፤ እዚ ማለት ብመንግስቲ ክልል ትግራይ ዝተተኽለ ቅርጺ ምዃኑ'ዩ።

ቢቢሲ፡ጽቡቕ . . . ብመጀመርታ ክሓተካ ዝደሊ ብዛዕባ ናብ ዓፋር ዝገበርኩምዎ ወተሃደራዊ ወፍሪ'ዩ። ንምንታይ ጎረቤት ክልል ምውራር ኣድለየ?
ጀነራል ጻድቃን፡ ወራር ኢለ ክጽውዖ ኣይደልን። ዝዀነ ኰይኑ፡ ትግራይ ብምልኡ ብትእዛዝ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ኣሕመድ ኣብ ዕጽዋ'ዩ (blockade) ዘሎ። ንሕና ነቲ ዕግታ [ዕጽዋ] ክንሰብሮ'ዩ ዕላማና።
ክፋል ናይቲ ዕግታ ብሸነኽ ዓፋር'ዩ፤ ብመሬት ዓፈር ኣቢሉ ዝሓልፍ ካብ ጂቡቲ ምስ ትግራይ ዘራኽብ ቀጥታ መስመር ኣሎ። ስለዚ ትግራይ ካብ ዕጽዋ ክትገላገል እቲ ዘድሊ ንገብር ኣሎና፣ እቲ እንወስዶ ዘለና ስጕምትታት ምስኡ ዝተኣሳሰረ'ዩ።
ንሕና ንተዅሲ-ምቁራጽ ዘድልዩ ኵነታት ብዕሊ ብስም መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣውጺእና ኢና። ነዚ ገና መልሲ ኣይተዋህበናን። ስለዚ መልሲ ንክንረክብ ዘድሊ ጸቕጢ ክንገብር ንግደድ ኣሎና።
ቢቢሲ፡ነቲ ዕጽዋ ሰይርኩም ሕጂ ረዲኤት ካብ ጂቡቲ ንትግራይ ይኣቱ ኣሎ ማለት ድዩ?
ጀነራል ጻድቃን፡ ኣይፋሉን! ኣብኡ ኣይተበጽሐን ዘሎ።
ቢቢሲ፡ረድኤት እተእትውሉ ካልእ መንገዲ የለን ማለት ድዩ?
ጀነራል ጻድቃን፡ ካልእ መተሓላላፊ ብሸነኽ ምዕራብ - ብዶብ ሱዳን ኣሎ።
ቢቢሲ፡ በቲ ሸነኽ'ቲ ረዲኤት ኣብ ትግራይ ይኣቱ ኣሎ ማለት ድዩ?
ጀነራል ጻድቃን፡ ኣይፋሉን፤ ዝኣቱ ረዲኤት የለን።
ቢቢሲ፡ ብሸነኽ ዶብ ሱዳን ረዲኤት ንኽኣቱ እንታይ ክግበር ኣለዎ?
ጀነራል ጻድቃን፡ መንግስቲ ሱዳን ምስ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሕ ኣለዎ፣ ወይከኣ እቲ ዕግታ ክንሰብሮ ክንግደድ ኢና።
ቢቢሲ፡ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ኵነታት ብኸመይ ትገልጾ?
ጀነራል ጻድቃን፡ እቲ ኵነታት ኣዝዩ ሕማቕን ዘሻቕልን'ዩ። ብዛዕባ'ዚ ጕዳይ ዝርዝር ጸብጻብ ክህበካ ዝኽእል ሓላፊ ግን ስለ ዘይኮንኩ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ጥራይ'የ ክህበካ ዝኽእል።

ምንጪ ስእሊ, UNICEF FB
ቢቢሲ፡ ሕራይ፡ ብዛዕባ ምስ ኣምሓራ ተኸሲቱ ዘሎ ጕዳይ ክሓተካ። ንመሬት ኣምሓራ ምውራር ንምንታይ ኣድለየ?
ጀነራል ጻድቃን፡ ኩሉ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስና ብክልተ ነገራት ዝተጸለወ'ዩ። እቲ ቀዳማይ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተበይኑ ዘሎ ዕግታ ንምስባር'ዩ።
እቲ ካልኣይ ድማ መንግስቲ ፈደራል ነቲ ዝኣወጅናዮ ተዅሲ-ምቋርጽ ንክቕበል ብዝከኣለና ጸቕጢ ክንገብር ኢና። ብእኡ ኣቢልና ድማ ንመንግስቲ ፈደራል ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቶም ንዘሎዉ ሽግራት ፖለቲካዊ ፍትሓት ንክርከቦም ኣብ ዝርርብ ከም ዝመጽእ ክንገብር ኢና።
ቢቢሲ፡ እቲ ምስ ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ዉግእ ነቲ እቶም ሚሊሻ ሒዞምዎ ዘለዉ መሬት ንምምላስ'ዶ ኣይኮነን?
ጀነራል ጻድቃን፡ ርግጽ'ዩ። ሕጂ'ውን ሚሊሻ ኣምሓራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣለው'ዮም። እዚ ግን ነቲ ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ምላሽ ንምሃብ ኣይኮነን። ደጊምና ዝወሰዱዎ መሬት ብወተሃደራዊ ስጉምቲ ከም እነምልስ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ሕጂ ዝሓዝናዮ ቀንዲ ዕላማ ግን ነቲ ዕግታ ንምስባን መንግስቲ ፌደራል እቲ ዘውጻእናዮ ቅድመ ኩነት ምቁራጽ ተጻብኦ ንክኽበር፤ ምስኡ ኸኣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘድሊ ለውጢ ንክተኣታቶ ዝርርብ ንክካየድን'ዩ።
ቢቢሲ፡ ብዛዕባ ተዅሲ-ምቋርጽ ደጋጊምካ ክትጠቕስ ሰሚዐካ። ኣየኖት'ዮም እተትኵርሎም ቀንዲ ረቛሒታት? መንግስቲ ፈደራል በይናዊ ተዅሲ-ምቁራጽ ኣዊጁ'ንዶ የሎን?
ጀነራል ጻድቃን፡ እቲ በይናዊ ተዅሲ-ምቋርጽ ዘይንቅበሎ ምዃንና ድሮ ነጊርና ኢና። ብኽልቲኦም ተጻባእቲ ጉጅለታት ዝእወጅ ክልተኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ክኸውን ይግባእ።
እቶም ቀንዲ ንብሎም ንምጥቃስ፡ ብመጀመርታ እቲ ዕግታ ክለዓል፣ ኵሉ ዘድሊ ኣገልግሎት ክጅመር፣ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ክውሕዝ ኣለዎ።
እቲ ካልኣይ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተጋሩ ዝካየድ ዘሎ ግፍዒ ደው ክብል፣ ብዙሓት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝዋስኡ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ መንግስቲ ፈደራል ስለ ዘለዉ ኩሎም እሱራት ፖለቲካ ንክፍትሑ፣ ከምኡ'ውን ንጸጥታ ብዘርኢ ኣብ ተዅሲ-ምቋርጽ ስምምዕ ምስ ተበጽሐ ብከመይ ከም ዝትግበር ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ይግባእ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ምሳና ኣብ ገለ ስምምዕ ንክኣቱ ብውሽጣ ውሽቲ ይሰርሕ ከም ዘሎ ገለ ጽንጽንታ ይበጽሓና ኣሎ'ዩ።
ንሕና ብግሁድ ኢና ክንሰርሕ ንደሊ፤ ስለዚ ኩሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይዅን። እቲ ምስ መንግስቲ ፈደራል ዝካየድ ዝርርብ ንኹሎም ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝዕድም ክኸውን ይግባእ። ስለዚ እቲ ዘቕረብናዮ ኣዋጅ ከምዚኦም ዘኣመሰሉ ጠለባት ሒዙ ይርከብ።
ቢቢሲ፡ትግራይ ሓንቲ ክልል'ያ? ከመይ ኢሉ'ዩ ሓደ ክልል ዕጫ መላእ ኢትዮጵያ ክውስን ዝኽእል?
ጀነራል ጻድቃን፡ ንሕና ንመጻኢ ዕድል ኢትዮጵያ ክንውስን ኢና ኣይበልናን። ኣነ ኣካል ፖለቲካ ዕጫ ኢትዮጵያ ምስ ዝውስኑ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኢና እየ ዝበልኩ።
እዚ ድሕሪ ምቁራጽ ተዅሲ ዝምዕብል መስርሕ ምዃኑ'ዩ። ህዝቢ ትግራይ በቲ ዘሎ ቅዋም መንግስቲ መሰረት ዲሞክራስያዊ መሰሉ ንምትግባር ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ክልል ትግራይ ተወዲቡ ክሰርሕ'ዩ።
ቢቢሲ፡ ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ እንታይ ዓይነት ዝምድና ክህልዋ'ዩ ኢልካ ትሓስብ? ምሉእ ናጽነት ዲኹም ትደልዩ? ዋላስ ከም'ቲ ዝነበረኩም ዓብላሊ ተራ - እዚ ማለት ልክዕ ከም'ቲ ብጊዜ መለስ ዜናዊ ዝነበረት ህወሓት ኮይንኩም ክትዕብልሉ?
ጀነራል ጻድቃን፡ እቲ ዘቕረብካዮ ካልኣይ ሓሳብ ከም ኣማራጺ ኣይንርእዮን፤ እታ ቀዳመይቲ ዝምልከት ግን ህዝቢ ትግራይ'ዩ ዝውስኖ።
ህዝቢ ትግራይ ናጻ ኮይኑ ዝወስዶ ውሳነ ክኸውን ይግባእ። ብሓደ ሰልፊ ጥራይ ዝውሰን ጕዳይ ኣይኰነን።
ቢቢሲ፡ናጻ ሃገር ንምዃን ህዝበ ውሳነ ክካየድ'ዩ ኢኻ ትብል ዘለኻ?
ጀነራል ጻድቃን፡ቅድሚ ምሉእ ናጽነት ወይ ኣብ ትሕቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ምጽናሕ ምባል ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበር ኣለዎ። ድህሪኡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘለው ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘሳተፈ ዝርርብ'ውን ክቕድም ወሳኒ'ዩ። ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ስምምዕ ምስ ተበጽሐ ህዝቢ ክዝትየሉ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቢቢሲ፡ ኣብዚ ኲናት ብኽልቲኡ ወገን ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም'ዮም፤ እዚ ኲናት ኣየጣዕሰካን'ዶ?
ጀነራል ጻድቃን፡ እዚ ኲናት ክካየድ ኣይምተገብአን። ከም ውልቀሰብ ኣብ ትግራይን ኣዲስ ኣበባን ዝነበሩ ሰብ መዚ ኣዘራሪበ እዚ ውግእ ከወግድ ጽዒረ'የ። እንተኾነ ሰብ መዚ መንግስቲ ፌደራል ሰላማዊ ፍታሕ ንክመጽኣ ዕድል ኣይሃቡን።
ፖለቲካዊ ድልየቶም ክጽዕኑ ደልዮም ነቲ ሕገ-መንግስቲ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት'ዩ። ህዝቢ ትግራይ ድማ ንክዋጋእ ተገዲዱ። ብጽቡቕ ከኣ ነቲ ወራር መኪቱዎ። እቲ ኲናት ከጋጥም ኣይነበሮን ብዝብል የጣዕሰኑ፤ ክተርፍ ይኽእል ነይሩ። ህዝቢ ትግራይ ብምቅላሱ ግን ሕጉስ'የ። እንሆ ህዝቢ ትግራይ ግቡኡ ንምሕታት ኣብ ዘኽእሎ ቑመና እዩ ዝርከብ።
ቢቢሲ፡ ሕጂ ኣብ ትግራይ ወተሃደራት ፌደራልን ሓይልታት ኤርትራን ኣለው'ዶ?
ጀነራል ጻድቃን፡ እወ፤ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኣለዉ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ'ውን ሓይልታት መንግስቲ ፈደራልን ክልላትን ኣለዉ። ብስምምዕ ክወጽኡ'ዮም፤ ወይ'ውን ብሓይሊ ከነውጽኦም ኢና።
ቢቢሲ፡እንተ ንስኻ ዅን ገለ ካብ ብጾትካ ዝበልዎ ንምድጋም፡ 'ንወተሃደራት ኤርትራ ደፊእና ክሳብ ኣስመራ ክንስዕቦም ኢና' ኢልኩም።
ጀነራል ጻድቃን፡ ኣነ ከምኡ ኣይበልኩን። ገለ ካባና ከምኡ ዝብሉ እንተሃልዮም'ውን ቅቡል'ዩ ኣይቅብሉን ምባል ኣየድልየንን።
ቢቢሲ፡ሓይልታት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ሓይልታት ፈዴራል ተሻሪኾም ንትግራይ ክወሩ ኣዝዩ የሕርቐካ ኢለ እግምት።
ጀነራል ጻድቃን፡ ንስኻ ኣብ ቦታና ኔርካ እንተ ትኸውን እንታይ ምበልካ ወይ ምገበርካ? በዚ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ኵነታት፡ ማለት መንግስቲ ፈደራል ናይ ባዕዲ መንግስቲ ኣሰሊፉ ንህዝቢ ትግራይ ብዝከኣሎ መዳይ ክቕጥቅጥ እንታይ ክበሃል ይከኣል? እዝስ ንዝዀነ ሰብ ከቘጥዕ'ዶ ኣይክእልን?

ምንጪ ስእሊ, Family
ቢቢሲ፡ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዘለዉ ተጋሩ ንክፍትሑ ዘቕረብክምዎ ጠለብ ኣልዒለ ክዛረብ ኣፍቅደለይ። ሓደ ካብኦም ወድኻ ሰናይ'ዩ፤ ድሃዩ ኣለካ'ዶ?
ጀነራል ጻድቃን፡ መሰሉ ተነፊጉን ተገፊዑን እዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ክኢሉ ኣሎ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ብመንነቶም ይግፍዑን ይእሰሩን ኣለው። ንሱ'ውን ግዳይ እዚ ማእሰርቲ'ዩ።
እቲ መንግስቲ ንተጋሩ ከሕስርን ከዋርድን ከም ፖሊሲ ሒዙዎ ዘሎ ጕዳይ'ዩ። እዚ ብቕጽበት ደው ክብል ዘለዎ ጕዳይ'ዩ። ቅድሚ ዝዀነ ይዅን ዝርርባት ምጅማር እዝን-ወድ'ዝን ደው ክብል ኣሎዎ።
ቢቢሲ፡ዓለም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ሰላም ኣምጺኡ'ዩ ብምባል ሽልማት ኖቤል ሰላም ምሃቡ ጌጋ'ዩ ኢልካ'ዶ ትሓስብ?
ጀነራል ጻድቃን፡ ኣነ ንሱ ከምዚ'ዩ ኢለ ፍርዲ ኣይህብን፤ ግብሩ ግን ይምስክረሉ ኣሎ። እቲ ንሱ ንሰለስተ ዓመታት ዝፈጸሞም ነገራት ምስ እንርኢ ካብኡ ንላዕሊ ዓለም እንታይ ይደሊ? ናይ ሰላም ሰብ ኣይኰነን።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







