ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ሓገዝ ምኽሳስ ሓደገኛ’ዩ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, OCHA
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ትግራይ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ንሓይልታት ትግራይ ይሕግዙ ኣለው ኢሉ ምኽሳሱ ሓደገኛ እዩ ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቒፉ።
ሓላፊ ኤጀንሲ ሰብኣዊ ሓገዝ ማርቲን ግሪፊቲዝ ትማሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ምብጻሕ ሽዱሽተ መዓልታት ዛዚሙ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ተጸባዪ ረድኤት ክኸውን እንከሎ፡ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ከም ዘለው ጸብጻብ እቲ ትካል ይሕብር።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ምስ ገለ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ዘለዎ ዝምድና ዳግም ንምጽናዕን ገሊኦም'ውን ካብ ሃገር ንምስጓግ ከም ዝግደድን ገሊጹ ነይሩ።
ንሱ፡ ገለ ሰብኣዊ ሓገዝ ነብፅሕ ዝብሉ ትካላት'ውን እቲ ኲናት ክቕፅል ይገብሩ ኣለው’ዮም ዝብል ክሲ ኣቕሪቡ ነይሩ።
"እቲ ጉዳይ በዚ ዝቕጽል እንተኾይኑ፡ መንግስቲ ሃገር ናይ ምድሓን ሓላፍነት ስለ ዘለዎ ምስ ገሊኦም ሓቢርካ ምስራሕ ዳግም ክርእዮን፡ ገሊኦም ካብ ሃገር ንምውፃእ ዝግደደሉ ምቹው ኩነታት ይፍጠር ስለ ዘሎ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮነ ካልእ ንኢትዮጵያ ክሕግዝ'የ ዝብል ኣካል፡ ኣብ ረድኤትን ሰብኣውነትን ተሓጺሩ ክንቀሳቐስ ከም ዝግባእ ነተሓሳስብ" ምባሉ ይዝከር።
ካብዚ ብዝብገስ ገለ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት፡ ኣብ ጎኒ ሓይልታት ትግራይ ከም ዝኾኑን ናይ ረድኤት መኪና ከም ዝተሓባበሩዎም ይኽሰሱ።
ማዕኸን ዜና ኤኤፍፒ ንማርቲን ግሪፊቲዝ ጸሪሑ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻበ ግን “ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ዝቐርብ ዘሎ ጠቐነ ጠጠው ክብል ኣለዎ” ኢሉ።
ወሲኹ “እዚ ሃናጺ ወይ ፍትሓዊ ኣይኮነን፤ እቲ ዝቐርብ ዘሎ መረዳእታ እንተሃልዩ ብግልጺ ክቐርብ ኣለዎ እምበር ሓደገኛ እዩ” ኢሉ።
እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ትካል ረድኤት ኣመሪካ ሳማንታ ፓወርን ኣብ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ይፍለጥ።
ሳማንታ ፓወር፡ ኣብ ሱዳን ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝተሰደዱ ኢትዮጵያውያን ረኺባ ከም ዘዘራረበት ብምሕባር፡ “እቲ ግጭት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ኣዝዩ ዘሻቕል መጥቃዕቲ ብምውራድ ሚሊዮን ክጉድኡ ገይሩ’ዩ፤ ጠጠው ክብል ኣለዎ” ክትብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ልዕሊ 67 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ዕቑባ ሓቲቶም ይርከቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







