ላሊበላ፡ ሓይልታት ትግራይ ንዓለምለኻዊት ሓድጊ ዩኔስኮ ዝኾነት ከተማ ተቖጻጺሮም

ላሊበላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓይልታት ትግራይ ኣብ መዝገብ ሓድግታት ትካል ባህሊ፣ ትምህርትን ሳይንስን ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ዩነተስኮ] ዝተመዝገበ ዓለምለኻዊ ሓድጊ ንዝርከበላ ከተማ ላሊበላ ተቖጻጺሮም።

እዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ታሪኻዊ ከተማ ኣብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ዝተሃነጹ ኣብያተ ክርስቲያን ዝርከበሉን ሚልዮናት ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ክርስቲያን ከም ቅዱስ ስፍራ ዝርእዩዎን'ዩ።

ከንቲባ እታ ከተማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ሓይልታት ናብታ ከተማ እናደፍኡ ኣብ ዝመጽኡሉ እዋን ካብታ ከተማ ሃዲሞም ወጺኦም ኢሉ።

ብምኽንያት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተወዐ ኲናት ኣሽሓት ተቐቲሎም'ዮም። ሚልዮናት ከኣ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም።

እዚ ንዝሓለፉ ትሸዓተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ፡ ሕጂ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒኹ ኣሎ።

ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ኩሎም ወገናት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ገበናት ኲናትን ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ።

ምኽትል ከንቲባ ላሊበላ ማንደፍሮ ታደሰ እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ትግራይ ከም ዝኣተወት ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ዝኾነ ዓይነት ውግእ ከም ዘይነበረ ዝገለጸ ኣቶ ማንደፍሮ፡ ነበርቲ ግን ንድሕነቶም ብምስጋእ ካብ ከባቢኦም ከም ዝወጽኡን ብድሕነት እቲ ታሪኻዊ ቦታ ስግኣት ከም ዝሓደሮምን ተዛሪቡ።

ላሊበላ

ምንጪ ስእሊ, Getty/Pascal Boegli

Short presentational grey line

ኣርባዕተ ሓቅታት ብዛዕባ ኣብያተ ክርስቲያን ላሊበላ

  • 11 ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሃነጹ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣለውዎ፤ እዚኦም ካብ መበል 12 ክሳብ 13 ክፍለ ዘመን ዝነበሩ'ዮም ተባሂሉ ይእመን
  • እዞም ኣብያተ ክርስቲያን፡ ኣመንቲ ናብቲ ብቐሊሉ ክበጽሑዎ ዘይኽእሉ ቅዱስ መሬት ዝብሃል [እየሩሳሌም] ንምኻድ ዝገብሩዎ ዓመታዊ ጉዕዞ ከከናውንሉ ብዝብል'ዩ ተሃኒጹ።
  • እዞም ኣብያተ ክርስቲያን ብ1978 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ መዝገብ ሓድጊ ዩኔስኮ ሰፊሮም።
  • መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ከኣ ይሕልውዎምን ስነ ስርዓት ጸሎት ይፍጽሙሉን
Short presentational grey line

"እዚ ዓለምለኻዊ ሓድጊ ስለ ዝኾነ ብሓባር ክንሕልዎ ይግባእ" ኢሉ ኣቶ ማንደፍሮ።

ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኣመሪካ'ውን፡ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ባህላዊ ሓድጊ ላሊበላ ከኽብሩዎ ከም ዘለዎም ብምግላጽ፡ ኣመሪካ በቲ ዝጋደደድ ዘሎ ግጭት ከም ዝተሻቐለት ኣፍሊጡ።

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ወርሒ ሰነ ንርእሰ ከተማ መቐለ ብምቁጽጻር ዝበዝሕ ከባቢታት ትግራይ ካብ ዝሕዙ ንድሓር እቲ ኲናት ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ቐጺሉ።

መንግስቲ ሰራዊቱ ካብቲ ክልል ብምውጻእ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣዊጁ ጸኒሑ።

ህወሓት ነቲ ክሳብ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ካብ መቐለ ተደፊኡ ዝወጽአ መንግስቲ ትግራይ ዝምእዝን ፖለቲካዊ ሰልፊ'ኳ እንተኾነ፡ መንግስቲ ፌደራል ድሕሪ እቲ ኲናት ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ኣስፊሩዎ ይርከብ።

ህወሓት ግን ሕጋዊ ገዛኢ ሰልፊ ትግራይ ከም ዝኾነን ይገልጽ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን፡ ሓይልታት ትግራይ እቲ ዝገብሩዎ ዘለው ግስጋሰ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘሎ ዕግታ ንክኽፈትን ነቲ ቅልውላው ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግነረሉ ጸቕጢ ንምሕዳር ከም ዝኾነ ገሊጾም ነይሮም።

ይኹን'ምበር መንግስቲ ኣብቲ ክልል ዕጽዋ ከም ዘየለ ብምግላጽ ምስ ህወሓት'ውን ከም ዘይዛተ ኣፍሊጡ'ዩ።

ኣብዚ ሰሙን፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝገብሩዎ ዘለው ወፍሪ ዓለምለኻዊ ነቐፌታ ዘልዓለ ኮይኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣመሪካን ኩሎም ወገናት ተኹሲ ጠጠው ከብሉ ጸዊዖም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከም ዝተመዛበሉ ይገልጽ።

ብኻልእ ወገን ውድብ ሕቡራት 175 ናይ ረድኤት እኽሊ ዝጽዓና መኻይን ናብ ትግራይ ከም ዝኣተዋ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ግን ነቶም ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሚልዮናት ረድኤት ንምብጻሕ መዓልታዊ ልዕሊ 100 መካይን ክኣትዋ ከም ዝግባእ ይገልጽ።

ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ብምኽንያት ስግኣት ድሕነትን ቢሮክራሲያዊ ጸገማትን ናብቲ ክልል ክኣትው ተጸጊሞም'ዮም።