ኣብ ትግራይ 'ዝበልዑዎን ዝሓድርሉን ዘይብሎም ስድራቤታት ርእየ' ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, OCHA/Saviano Abreu
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሓላፊ ጉዳያት ሰብኣዊ ርድኤትን ህጹጽ ሓገዝን፡ ማርቲን ግሪፊትስ ኣብ ትግራይ ኣዝዩ መስካሕኽሒ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዝተዓዘበ ሓቢሩ።
ኲናት ትግራይ፡ ዘስዓቦ ዓጸቦን ጸበባን ኣዝኡ ከም ዘሕዘኖን ከም ዘሻቐሎን ዝገለጸ እቲ ሓላፊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ናይ ሽድሽተ መዓልቲ መገሽኡ ትማሊ ዛዚሙ።
ኣብታ ንዝሓለፉ ትሸዓተ ወርሒ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ክልል ትግራይ፡ ናይ ክልተ መዓልቲ ጻንሒት ዝገበረ ኾይኑ በቲ ኲናት ህይወቶም ዝተሃስየ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝረኣየን፡ ኣዝዩ መሰከፊ ሰብኣዊ ቅልውላው ብኣካል ከም ዝተዓዘበን ኣብሪሁ።
ንሱ፡ ኣብ'ቲ ናይ ኢትዮጵያ ጻንሒቱ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ካልኦት ሰብ መዚ መንግስትን ከምኡ'ውን ምስ ትካላት ረድኤትን ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲኛታትን ከምዝተዛራረበ ኣብቲ ሎሚ ኣማስዩ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ምስ ላዕለዎት ሰብመዚ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ተኸሲቱ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ምብጻሕ ረድኤትን ዘለዎ ሻቕሎት ከም ዝሓበሮም ገሊጹ።
መንግስቲ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ በይናዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ዝኣወጀ ኾይኑ ረዲኤት ናብቲ ክልል ከይኣቱ ከም ዘይከልከለ ይገልጽ።
ሓይልታት ትግራይ ግን ክሳብ ኣብ ልዕሊ እቲ ክልል ዘሎ "ዕግታ" ዘብቅዕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲታቶም ከም ዝቕጽሉ የጠንቅቑ።
ኣብቲ ክልል ኣገልግሎታት ቴሌፎን፣ ኢንተርነት፣ ባንክን ካብን ናብን እቲ ክልል ዝግበር ንቡር መጓዓዝያን ተቛሪጹ ምህላዉ ይፍለጥ።
"ዝበልዑዎን ዝሓድርሉን ዘይብሎም ርእየ"
ግሪፊትስ ኣብ ናይ ትግራይ ጻንሒት ትዕዝብቱ እንትገልጽ፡ "ኣብ ትግራይ ካብቲ ኲናት ንርእሶም ከድሕኑ ክብሉ መረበቶም ገዲፎም ምስ ዝሃደሙን ኩሉ ነገሮም ዝሰኣኑን ሰባት ተራኺበ ኣውጊዐ እየ። ገዛውቶምን ሕርሸኦምን ንድሕሪት ገዲፎም እዮም ሃዲሞም" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "ኣብ ሓውዜን፡ ሓደ ገዛውቶም ዝተቓጸሎምን ሕርሽኦም ዝተዘምቶምን ስድራ ርእየ። ከምዚ ዓይነት ብርሰት ምርኣይን ዛጊድ ዝበልዑዎን ዝሓድርሉን ዘይብሎምን ስድራቤታት ምህላዎም ምርኣይ ኣዝዩ ልብኻ ዝሰብር እዩ"።
ብሰንኪ እቲ ኲናት ሚሊዮናት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም መጽለሊ ዘይብሎምን ኣደዳ ጥሜትን ዓጸዎን ኮይኖም ከም ዝርከቡ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ወተሃደራት ኤርትራ፣ ወተሃደራት ኢትዮጵያን ሓይልታት ኣምሓራን፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝምታ፣ ቅትለትን ጾታዊ መጥቃዕትን ፈጺሞም ዝብሉ ጸብጻባት ካብ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ምውጸኦም ዝዝከር እዩ።
ኣብቲ ኲናት፡ ኩሎም እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰሱ።
መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ንኹሉ እቲ ተፈጺሙ ዝብሃል ዓመጻትን ቅትለታትን ኣይቅበሉዎምን።
እቲ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ምብጻሕ ከካይድ ናይ መጀመርታ ግዜኡ ኮይኑ፡ ኣዝዩ መስካሕኽሒ ዓመጽን መጥቃዕትን ዝበጽሖም ሰላማውያን ሰባት ከም ዝረኣየ ሓቢሩ።
ብፍላይ ድማ፡ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሕክምናን ግልጋሎት ማይን ዝኣመሰሉ መንግስታውን ህዝባውን ትሕተ-ቅርጺ ኮነ ተባሂሉ ክዓንዉ ከም ዝተገብሩ ከም ዝተዓዘበ ተዛሪቡ።
ኣብ ከተማታት ፍረወይንን መቐለን ንሰሙናት ዝኣክል ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመን ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝረአየ'ውን ሓቢሩ።
እዘን ግዳያት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፡ "ሙሉእ ኣገልግሎት ክረኽባ ኣለወን" ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ "እንተኾነ፡ ንኣብነት ከም'ቲ ኣብ ሓውዜን ዝረኣኽዎ ሆስፒታል፡ ኣብዝሓ ማእከላት ሕክምና ሙሉእ ንሙሉእ ዓንየንን፡ ኣቑሑተን ተጓሕጒሑ ተወሲዱን እዩ" ኢሉ።
ንሱ፡ እተን ዝተመልከተን ማእከላት ሕክምና ካብ መንደቐን ወጻኢ፡ ካልእ ሕክምናዊ መሳርሒ ኮነ መድሃኒት ሙሉእ ንሙሉእ ተዘሚቱ ስለ ዝኾነ ፡ ከም ብሓድሽ ክትካእ ዘለዎ ምዃኑ'ውን ሓቢሩ።
መሰረታዊ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ተቛሪጾም ስለ ዘለዉ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከም ዝገብሮ ወሲኹ ሻቕሎቱ ገሊጹ።
ዶብ-ኣልቦ ሓካይም (ኤም ኤስ ኤፍ)፡ ኣብ ትግራይ ኩናት ካብ ዝውላዕ ንነዘ፡ ልዕሊ 70 ሚኢታዊት ማእኸላት ጥዕና ከምዝዓነዋን ከምዝተዘምታን ጸብጺቡ ምንባሩ ይዝከር።
እተን ዝዓነዋ ማእከላት መሊሱ ኣብ ምጥያሽን፡ ሕክምና ንዘድልዮም ሰባት ብምሕካምን ክሕግዝ ዝጸንሐ እቲ ዓለምለኸ ትካል፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ሰለስተ ኣባለቱ ምስተቐትሉዎ፡ ኣብ ብዙሓት ከባብታት ትግራይ ስርሑ ጠጠው ኣቢሉ ምጽንሑ'ውን ሓቢሩ ነይሩ።
እዚ ትካል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ጠጠው ከብሉ፡ ትማሊ ብመንግስቲ ካብ ዝተኸልከሉ ሰለስተ ትካላት ሓደ ኾይኑ ኣሎ።
መንግስቲ ፌዴራል በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት እደንተኣወጀ'ኳ፡ ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ካብ ዝቆጻጸሩ ጀሚሩ ንዝሓለፈ ኣስታት 40 መዓልታት እቶም መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዝተቛረጹ ኾይኖም፡ ናብቲ ክልል ሰብኣዊ ረድኤት ምብጻሕ'ውን ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ ወድብ ምግቢ ዓለም ይገልጽ።
እዚ ላዕለዋይ ሓለፊ ህጹጽ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኲናት ናብ ካልኦት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምልሓኹ ስዒቡ፡ ኣብታ ሃገር ብሓፈሻ ሰብኣዊ ጠለባት ይውስኽ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ኣብዘን ክልላት ምስ ጎንጽ ተኣሳሲሩ ዝተመዛበሉ ሰባት፡ ረድኤት ዝረኽብሉ መገዲ ክመቻቾ'ውን እጽውዕ ኢሉ።
በዚ ምኽንያት ብፍላይ ናብ'ቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ምብጻሕ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ ብምዝራብ፡"ነቲ ረድኤት ከይበጽሕ ዝገብር ዘሎ ኩነታት ቀልጢፍና ከንልውጦ ይግባእ፤ እቲ ኲናት ጠጠው ክብል ኣለዎ" ኢሉ።
ሓደ ካብ ኣዛዝቲ ሓይልታት ትግራይ ዝኾነ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ እቲ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘካይዱዎ ዘሎ ውግእ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፌደራል ጸቕጢ ንምሕዳርን ናብ ልዝብ ንምምጻእን ዝዓለመ ከም ዝኾነ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።
መንግስቲ ፌዴራል ግን ምስ ውድብ ህወሓት ንምዝርራብ፡ ቅሩብ ከምዘይኮነ፡ ናይታ ሃገር ሚኒስተር ህንጸት ዲሞክራሲ ዝኾነ ኣቶ ዛዲግ ኣብርሃ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ብሰንኪ'ቲ ኲናት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ክመዛበሉሉ እንከለዉ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ዓጸቦ ኣጋጢምዎም ምህላዉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።
ትካል ህፃናት ሕቡራት ሃገራት - ዩኒሴፍ፡ ኣብቲ ዝቕፅል ዓመት፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ህፃናት ትግራይ ብሰንኪ ዋሕዲ ምግቢ ህይወቶም ክስእኑ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







