ቅልውላው ትግራይ፡ ሳማንታ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝወሃቡ ሰብኣዊ ክብሪ ዝትንክፉ ርእይቶታት ተሻቒለ ኢላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓላፊት ሰብኣዊ ረድኤት ኣመሪካ (ዩኤስኤይድ)፡ ዓሌታዊ ጎንጺ ዘለዓዕሉ ቃላት ምጥቃም ዘለዎ ሓደጋ ኣመልኪቱ ዘለዋ ሻቕሎት ንሰብሰልጣን ኢትዮጵያ ከም ዝሓበረቶም ገሊጻ።
እታ ሓላፊት ኣብ ሱዳን ዝነበራ ዑደት ዛዚማ ትማሊ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ምስ ሰብ መዚ ሚኒስትሪ ሰላም ከም ዝተዘራረበት ተገሊጹ።
ሳማንታ ፓወር፡ "ሰብኣዊ ክብሪ ዝቕንጥጥ" ዘረባ ወጥሪ ዘጋድድን ብዙሕ ግዘ ድማ ዓሌት መሰረት ዝገበሩ ግፍዒታት ክፍጸሙ ዘለዓዕልን እዩ" ኢላ።
ንሳ፡ ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረቡላ ሕቶታት ምላሽ ትህበሉ ኣብ ዝነበረት መድረኽ እያ ነዚ ስክፍታኣ ገሊጻ ዘላ።
ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ንተወለድቲ ትግራይ ዘነኣእስ ቃላት ብምጥቃም ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ቀረባ እዋን ንመራሕቲ ህወሓት ክንቀሉ ዘለዎም "መንሽሮ" ን "ጽህያይን" እዮም ብምባሉ ብዙሕ ነቐፌታ በጺሕዎ ነይሩ።
ሰብመዚ ግና እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምኡ ዝበለ ንህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን ብምባል ክከላኸልሉ ፈቲኖም።
ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ጨፍጫፍን ጾታዊ ዓመጽን ከም ዝተፈጸሙ ዝገልጹ ጸብጻባት ወጺኦም እዮም።
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ጃምላዊ ማእሰርቲ ይፍጸም ከም ዘሎ እዮም ዘጠንቅቑ፡፡
እንተኾነ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዓሌት ዘይተመርኮሰት ውህድቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምህናጽ ይዕወት ከም ዘሎ እዩ ዝገልጽ።
ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ግን ኣሽሓት ከም ዝሞቱ ይግመት፤ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚሊየን ህዝቢ ድማ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮን ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ንሓደጋ ዓጸቦ ከም ዝተቓልዑን ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።
ኣብ ቀረባ ትካል ህጻናት እቲ ውድብ [ዩኒሴፍ] ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ልዕሊ 100 ሽሕ ህጻናት ብሰንኪ ሕጽረት ግቡእ ኣመጋግባ ክሞቱ ከም ዝኽእሉን ድሮ ነፍሰጾር ኣዴታት ብሕጽረት ስነ መኣዛ ዘሎም መግብታት ከም ዝተጠቕዓን ገሊጹ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ብቐንዱ ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ንምብጻሕ ኩሎም ተጻባእቲ ወገናት ተኹሲ ደው ከብሉን ዘይተገደበ መገዲ ክኽፈትን ማሕበረሰብ ዓለም ይሓትት ኣሎ።
ትማሊ ሳማንታ ፓወር እቲ እገጨዕት ወተሃደራዊ ፍታሕ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ክወጽኡ፣ ሓይልታት ኣምሓራ ድማ ካብቲ ሒዞምዎ ዘለው ምዕራብ ትግረይ ክወጽኡ ሓቲታ።
ብተወሰኺ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ብህጹጽን ንወዳእታ ግዜን ካብ አትዮጵያ ከውጽኦም ከም ዘለዎ ኣመሪካ ትጽውዕ ክትብል ብትዊተር ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ ሓቢራ።
ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ከም ዝተዘራረቡ ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ይጋደድ ዘሎ ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ንምግታእ ክልቲአን ሃገራት ምስ ካልኦት ዓለም ለኸ መሻርኽተን ኮይነን ብሓበር ንክሰርሓ ከም ዝተስማምዓ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ዝወጽአ መግለጺ ይሕብር።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







