ባይቶ ኢትዮጵያ ዘጽደቖ፡ ናይ ምዝራብ መሰል ከይግህስ ዘስገአ ኣዋጅ

ጽልኣታዊ ዘረባ

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣዋጃት ኤክሳይስ ታክስን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ጽልኣታዊ ዘረባን ዝምልከቱ ክልተ ኣካታዕቲ ኣዋጃት ኣጽዲቑ።

እቲ ናይ ሓሶትን ጽልኢታዊ ዘረባን ንምቁጽጻር ዝወጽአ ኣዋጅ፡ ብኸመይ ሓሳብ ናይ ምግላጽ ነጻነት ከምዝግድብ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ዝተፈላለዩ ኣካላት ገሊጾም።

እቲ ቤት ምኽሪ ህጹጽ ጉባኤ ብምጽዋዕ እዩ ነቶም ክልተ ረቂቕ ኣዋጃት ኣጽዲቑ።

እቲ ንሓሶትን ጽልኢታዊ ዘረባን ዝምልከት ሕጊ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ እቲ ኣብ ዝሐሸ ብርኪ ዝርከብ ሓሳብ ብነጻነት ናይ ምግላጽ ናጽነት ክግድብ እዩ ዝብል ስግኣት፤ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ክስማዕ ጸኒሑ እዩ።

እንተኾነ፡ ነቲ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ጎንጽታትን ምግርጫውን ከቃልል እዩ ዝብል እምነት ዘለዎ መንግስቲ፡ እቲ ረቂቕ እዚ ዝበሃል ምምሕያሽ ከይገበረሉ'ዩ ኣጽዲቕዎ።

እቲ ሕጊ ንምንታይ እዩ ስግኣት ኮይኑ ዘሎ?

ዓለም-ለኸ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዘውጸኦ ሪፖርት፡ እቲ ኣዋጅ ዓብዪ ምምሕያሽ ዘይግበረሉ እንተኾይኑ፡ ብነጻነት ናይ ምዝራብን ሓሳብካ ናይ ምግላጽን መሰል ክረግጽ ከም ዝኽእል ተገሊጹ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ናይቲ ጉጅለ፡ ሓላፊ ዴስክ ኣፍሪቃ ዝኾነ፡ ላይቲቲያ ባደር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ መረብ ሓበሬታ ዝፍነው ሓሳባትን ርእይቶን ከምኡ ድማ ማሕበራዊ ጎንጽታት ንከህድኡ ከምዝግደዱ ገሊጹ ነይሩ።

ኮይኑ ግን፡ "ኣካላት ሕጊ፡ ሓሳብ ብነጻነት ናይ ምግላጽ መሰል ክግህሱ በሪ ዝኸፍት ሕጊ ፍታሕ ኣይከውንን" ይብል ባደር።

ጽልኢታዊ ዘረባን ናይ ሕሶት ሓበሬታን፡ ቅድም ክብል ውን ብኻልኦት ድንጋገታት ዝተኸልከለ ምዃኑ ዝገልጽ ጸሓፊ በፍቃዱ ኃይሉ፡ ነዚ ዝምልከት ሕጊ ምርቃቕ፡ ዝተፈለየ ቅዋም ንዝሓዙ ሰባት ኣርዒድካ ጸጥ ንምባል ዝዓለመ እዩ፡ ይብል።

"መንግስቲ ንባዕሉ'ኮ ሓሶትን ጽልኣታዊ ዘረባን ካብ ምግዋሕ ኣይተዓቀበን" ኢሉ።

ገለ መራኸቢ ብዙሃን ክልላዊ መንግስታዊ፡ ዝፍንውዎ ኣብ ሕሶትን ጽልኣትን ዝተመስረተ ፕሮፖጋንዳ፡ ዳርጋ ኣብ ዓውደ ኲናት ተጸሚዶም እዮም ዘለዉ ድማ ይብል።

እቲ ጎንጽን ምቅትታልን ዘጓንፍ ዘሎ፡ ዋላ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዘይበጽሖ፡ ኣብ ከባቢታት ገጠር ከምዝኮነ ሓቢሩ፡ ከምዚ ዓይነት ሕጊ ምርቃቕ እቲ ጸገም ይፈትሖ እዩ ኢሉ ኣይኣምንን።

ጽልኣታዊ ዘረባ ብሕጊ ምቁጽጻር፡ ከምቲ ዝግመት፡ ቀሊል ኣይኮነን'ውን በሃሊ እዩ።

"ገለ ጸሓፍቲ ኣይፍለጡን። ብስሞም'ውን ኣይጽሕፉን። ገለ ድማ ተፈለጥቲ ካብ ምዃኖም ዝተላዕለ፡ ኣብ ልዕሊኦም ስጉምቲ ምውሳድ፡ ካብቲ ክፉእ ዘረብኦም ከብጸሖ ዝክእል ጉድኣት ንላዕሊ ክርብሽ ዝኽእል ናዕቢ ከልዕል ይኽእል እዩ"።

ወሃቢ ቃል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣይተ ዝናቡ ቱኑ፡ ብሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናይ ምዝራብ መሰል ፈጺሙ ዘይእገድ ማለት ኣይኮነን ይብል።

እቶም ሕዚ ዝግለጽ ዘለዉ ስግኣታትን ጥርጣረታትን ካብቲ ዝሓለፈ ስርዓት ዝምንጭዉ ከምዝኾኑ ይዛረብ።

ይኹን 'ምበር፡ ብሄረሳባት ብመንነቶም እናተጠቕዑ፡ ውልቀ ሰባት ስሞም እናተጠቐሰ፡ ንሓደጋ እናተሳጥሑ፤ መናእሰይ ሆ! ኢሎም ብዕስለ ስጉምቲ ኣብ ዝወስድሉ እዋን፡ ኢድካን እግርኻን ዓጻጽፍካ ምቕማጥ ኣይከኣልን በሃላይ እዩ።

እንተኾነ፡ እዚ ናይ ኣካላት መንግስቲ ሞገት፡ ናይቶም ስግኣት ዝገልጹ ዘለዉ ሓሳብ ኣብ ግምት ዘእተወ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ብተግባር ጥራሕ ዝረጋገጽ ይመስል።